ንመበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት ምኽንያት ብምግባር ብኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዝተዋህበ ውድባዊ መግለጺ

eudc

ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተተኮሰ ርችት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ሓምሺሹ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ሉኡላዊ ኣኽሊል ናጽነት ዝደፍኡላ ክብርቲ ዕለት እያ፤24 ግንቦት 1991። እንሆ ከኣ ሎም ንመበል 24 ዓመት ከነኽብራን ክንዝክራን ንርከብ ኣሎና። እዛ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ሃገርና በዚ ሉሉይ ክብረታ ክትጽንበል ዝገበርካ፡ ኣንታ ሕሉብካን ንጹፍካን ዘይበቐቕካ፡ ቦኽርን ሕሳስ-ልደን ዘወፈኻ፡ ብዘይሕለል ጽንዓትን መስተንክራዊ ጅግንነትን ዝተቓለስካን ረዚን ዋጋ ዝኸፈልካን ህዝቢ ኤርትራ ኢኻ’ሞ ዝለዓለ ክብርን ሞገስን ንዓኻ ይኹን። ውድብና ኤስደለ እምበኣር ን24 ግንቦት፡ መበል 24 ዓመት ልደት ናጽነት ሃገርና ከኽብር እንከሎ ካብ’ዚ ረዚን ትርጉማ’ዚ ብምብጋስ’ዩ። ረዚን ትርጉማ ከይዓብር ድማ ብጓይላን ፈንጠዝያን ጥራሕ ከይተሓጽረ፡ ዝሓለፈ ተሞኩርኡ ብምግምጋም፡ ናይ ቀጻሊ ግስጋሴኡ ውጥናት ዘጽርየላን ድርብ ጽንዓት ዝሰንቀላን ክብርቲ ዕለት’ውን’ያ።

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፡ ሰላምን ደሞክራስን ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ!

ሓርነታዊ ሰውራና ዝሓተቶ ኩሉ ዓይነት ዋጋ፣ ጽንዓትን ተወፋይነትን ብምኽፋል ዘሕምየኩም በሰር ከቶ የብልኩምን። ጉንቦት 24-1991፡ ኣርዑት መግዛእቲ ሰይርኩም መላእ ኤርትራ ናጻ ምስ ኮነት’ውን እንተኾነ፡ እታ ቦኽርን ሕሳስ-ልደን ከፊልኩም ዘምጻእኩማ ሃገርኩም ኤርትራ፡ ንዘኽፈለትኩም ከቢድ ዋጋ ከቶ ኣይተጣዓስኩምሉን። “ስውኣትና ደበስ ናጽነትና’ዮም” ክትብሉ፡ ብኹርዓት ክትዝክርዎም’ምበር ክትቁዝሙ ኣይተራኣኹምን። ከመይሲ እቲ ናይ ኩሉ ጸገማት ጠንቂ ዝኾነ ፋሽሽታዊ ደርጊ-ኢሳፓ ደምሲስኩም፡ ምዩቕ ከይበልኩም ትነብሩሉ፡ ሰላም ዝሰፈና ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክትተኽሉን ክሓልፈልኩምን ተተስፊኹም ዝኸፈልኩሞ ዋጋ ስለዝነበረ። እንተኾነ ግን እቲ ብዋጋ ተወፋይነትኩምን መስተንክራዊ ጅግንነትኩምን፡ ግዝያዊ ልዕልነቱ ዘረጋገጸ መሪሕነት ውድብ ህግሓኤ/ህግደፍ፡ ብጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓ ዓዊሩ፡ ሰብኣዊ ክብረትኩም ኣሕሲሩ፡ መስርሕ ቁጠባዊ ምዕባሌኹም ኮሊፉን ንኹሉ ደሞክራስያዊ ክብርታትኩም ጨፍሊቑን ዝገዝእ ኣራዊት ስርዓት’ዩ ተኺሉ። ታሪኽ’ዚ ዝሓለፈ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ደልሃመት ዓመታት ኮይኑ ከምዝሓለፈ ከኣ ንዓኹም ምንጋር ዘድልይ ኣይመስለናን።

መንግስቲ ህግሓኤ/ህግደፍ፡ ልጓም ኣልቦ ትምክሕተኛ ባህርያቱ ብዝዓደሎ፡ መጀመርያ ዝነዓቖን ኣዋሪዱ ንኽገዝኦ ዝጨከነሉን፡ ንኹልና ህዝብታት ኤርትራ’ዩ። ዝሕሸናን ዘርብሓናን ከምዘይንፈልጥ ገይሩ ብምርኣይ፡ ነቲ ንሱ ዓቂኑ ዝሃበና እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ከይንርኢ፡ ከይንሰምዕን ከይንዛረብን ኣጊዱና። ብጩቕ እንተኢልና ድማ ጭካኔ ብዝመልኦ ፋሽሽታዊ ኩርማጅ ክገርፈና ጸኒሑን ኣሎን። ንብዙሕነታዊ መንነትና ከም መርገም ብምቑጻር፡ ኣብ ሕድሕድ ምትእምማን ዝሰረተ ስጡም ህዝባዊ ሓድነት ኣብ ክንዲ ምፍጣር፤ ብሓይልን ኣስገዳድን ብዙሕነታዊ መንነትና ክኽሕድን ከብርሰናን ዝጨከነ ስርዓት ተኺሉ። ንግሩህ ደገፍ ህዝብናን እናተወራረሱ ንዝመጹ ድሕረታትን ከም ምቹእ መንበሪ በዓቲ ብምጥቃም፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ቂምን ቅርሕንትን ክዘርእን ሓድሕድ ከናቑተናን ብዋጋ ብርሰትና፡ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝጨከነ ስርዓት’ዩ። ናይ ዞባና ጎብለል ንምዃን ካብ ዝነበሮ ኮንቶ ፋሽሽታዊ ሕልሚ ብምብጋስ፡ ንኤርትራን ጎረባብታ ሃገራትን ናብ ናይ ህውከት ጫካ ንምቕያር ዝወፍር ስርዓት ተኺሉ፡፡ ኣብኡ ሸፊቱ ክዘምት በቲ ሓደ ወገን፡ ናይ ጥፍኣት ልኡኽ ኮይኑ ዓስቡ እናቐረመ ንክነብር ካብ ዝነበሮ ጽግዕተኛ ባህርያት ተበጊሱ ከኣ በቲ ካልእ ወገን፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንመንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ብኣርባዕቲኡ ማኣዝናት ብዝወልዖ ወራራት ክህንኩተና ዝጸንሐን ዘሎን ኣራዊት ስርዓት ኮይኑ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ምዕቡል ዘመን፡ ቅዋም ዘይብሉ፤ ቅዋማዊ መንግስትን ምርጫን ዝተሓረመን ብገደብ-ኣልቦ ውልቀ ምልክነት ዝበስበሰን ስርዓት እንተሃልዩ፡ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግሓኤ/ህግደፍ’ዩ።

ድምር ናይ’ዞም ዝሓለፉ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት ከኣ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ውጽዓት ህዝብታት ኤርትራ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሂወት፡ ካብ ህሉው ንታሕቲ ካብ ምዉት ከኣ ንላዕሊ ኮይኖም፡ ከም ህዝብን ሃገርን ህላወናን ቀጻልነትናን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከቢድ ናይ ምርማስ ደበና ኣንጸላልዩና ይርከብ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እንሆ ከም ህዝቢ ንብተን ኣሎና። ስርዓት ህግደፍ ጠንቂ ድኽነት ኮይኑን፡ ኣብ ጎኒ ድኽነትን ዓጸቦን ተሰሊፉን ይሕንዝፈና ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ጠንቂ ስደትን ምብትታንን ኮይኑን ኣብ ጎኒ ደላሎ ባሕርን ምድረበዳን ተሰሊፉን የጥፍኣና ኣሎ። ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ቀንዲ ናይ ራዕድን ሽበራን መንግስትን ኣብ ጎኒ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለታት ተሰሊፉን ናይ ህልቂት ተልእኮኡ ይፍጽም ኣሎ። ውድብና ኤስደለ “ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ የብሉን፤ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህላዌኡ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍኤ ኣራዊት ክቕየር እንተዘይኮይኑ ዝሕሾ ስርዓት ኣይኮነን፤ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተነጺፍዎም ክወድቕን ከብርሶምን ዝጨከነ ደመኛ ጸላኢ’ዩ፡፡ ስለዚ ከኣ፡ ስርዓት ህግደፍን ኩሎም ናይ ጭቆና መሓውራቱን ክድምሰሱ ይግባእ” ክብል እንከሎ፡ ካብቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ገምጋም ብምብጋስ’ዩ።

ዝኸበርኩም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን እትርከቡ ህዝብታት ኤርትራ!

ውህሉል ፖለቲካዊ ተመኩሮኹም ብዝሃበኩም ትምህርቲ፤ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ስድራቤት ብዝፈጸሞ ፋሽሽታዊ በደላትን ነውርታትን፡ ካብኡ ዝኸፍአ ጸላኢ ከምዘይብልኩም ዝተገንዘብኩምሉ እዋን ኣኺሉ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፍኩም፡ ከም ህዝብን ሃገርን ንኽንህሉን ንኽንቅጽልን፡  ብነድርን ቁጠዐን፡ ፍትሕን ደሞክራስያዊ ለውጥን እትጠልቡሉ ዘለኹም እዋን’ዩ። እዚ ጥረ ሓቅ’ዚ ከምዘለዎ እናሃለወ፡ ካብ’ቲ መሪር ተመኩሮኹም ክትምሃርዎን ግቡእ ገምጋም ክግበረሉን ዘለዎ ጉዳይ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ሕቶ ብቑዕ ህዝባዊ መሪሕ ውድብ ናይ ምምላስ ጉዳይ’ዩ።

ውድብና ኤስደለ፡ ነዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ዝርዝር ተመኩሮ 24 ናይ ናጽነት ዓመታትን ፋሽሽታዊ ባህርያት ስርዓት ህግሓኤ/ህግደፍን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ክግምግም እንከሎ፡ ንስለ ምግምጋሙ ኢሉ ጥራይ ኣይኮነን። እዚ ዝባህርያቱ ስርዓት ህግሓኤ/ህግደፍን ኣራዊት መሪሕነቱን፡ ካብ በረኽኡ ኣትሒዙ ዝተዓደሎ ጸረ-ደሞክራስን ትምክሕተኛን ባህርያት ምዃኑ ምስትውዓል ከምዝግባእ ከኣ ይግንዘብ። እቲ ሕሉብካን ንጹፍካን ዘይበቐቕካሉ ሓርነታዊ ሰውራና፡ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታቱ ክብል ካብ በረኽኦም ኣትሒዞም እናኽፈሉኻ ናይ ዝጸንሑ መሪር ዋጋ መቐጸልታ ምዃኑ ምስትውዓል ግቡእ’ዩ ይብል ውድብና። ስለ’ዚ እዚ ሕጂ እትኸፍልዎ ዘለኹም ከቢድ ዋጋን ኣንጸላልዩ ዘሎ ናይ ብርሰት ሓደጋን ጠንቁ፡ ሓርነታዊ ሰውራና ብብቑዕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ይምራሕ ስለዘይነበረ፡ ዘሰከመና ዕዳ ምዃኑ ብምግንዛብ ዘየዳግም ትምህርቲ ክንረኽበሉ ይግባእ። ሓርነታዊ ሰውራና፡ በቲ መተካእታ ዘይርከቦ ወሳኒ ግደ ሓፋሽ ዝኣምኑ ውድባትን መራሕትን ክምራሕ ብዘይምጽንሑ’ዩ እዚ ሕጂ እንኸፍሎ ዘሎና ዕዳ። ብኣንጻሩ ነቲ ናይ ኩሉ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምታት ሰውራ ምንጪ ዝኾነ ወሳኒ ህዝብና፡ “ገባር ደንባር” እናበሉ  ዘናሽውዎ መራሕቲ ይመርሕዎ ብምንባሩ’ዩ። ህዝብና፡ ኣብ ኩሎም ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያቱ፡ ንቑሕን ደራኽን ተሳትፎኡ ብዘባራብሩ ውድባትን መራሕትን ክምራሕ ዘይምጽንሑ’ዩ። ብኣንጻሩ ንንቑሕ ተሳትፎኡ ኮሊፎም፡ መጋበርያ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሕኦም ንኽገብርዎ ዝጨከኑ መራሕትን ውድባትን ልዕልነቶም ብምርግጋጾም’ዩ። ካልኣውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት ብልዙብ ደሞክራስያዊ ዘተ ብምፍታሕ፡ ንኹሉ ሃገራዊ ዓቕምታት ብኣገባብ ከዋፍሩ ዝበቕዑ መራሕትን ውድባትን ኣይጸንሑን። ብኣንጻሩ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘይጻወሩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ክሳብ ብውግእ ሕድሕድ ንዘይተኣደነ ናይ ሰውራ ዓቕምኻ፡ ሞራልካን ግዜኻን ዘባኽኑ መራሕትን ውድባቶምን ክመርሕዎ ብምጽንሖም’ዩ።ንብዙሕነታዊ ክውንነትና ከም ምቹእ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፡ ተባራረይቲ ገዛእቲ ኣብ መንጎ ህዝብታትና ንዝነዝሕዎ ድሕረታት እናኣሳወሩ ሓድሕድ ዘይምትእምማን ክፈጥሩን፤ ህዝብታት ኣተፋኒኖም መጋበርያ ጉጅላዊ ረብሓታቶም ገይሮም ከላግጹን ዝጸንሑ መራሕትን ውድባትን ይመርሕዎ ብምንባሮም’ዩ። ውድብና ኤስደለ፡ ካብ’ዚ ገምጋም’ዚ ብምብጋስ ሓፋሽ ህዝብታትና፡ ካብቲ ዘሕለፍዎን ዘሕልፍዎ ዘለዉን መሪር ተመኩሮ ክመሃርዎ ዝግባእ ቁምነገር እንተሃለወ፡ ብቑዕን ዱልዱሉን ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ዝሰኣነ ሰውራ ማዕረ ክንደይ ዋጋ ከምዘኽፍል ብዘየዳግም ክንግንዘብ ይግባእ ይብል። ብእኡ መጠን ከኣ’ዩ፡ ነዚ ክሳዳዊ ሕቶ’ዚ ብብቕዓት ንምምላስ ክረባረብ ዝርከብ።

ዘይሕለል ቃልሲ ኣብ ምክያድ እትርከቡ ውድባት ኤርትራ!

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡር ፋሽስታዊ ተግባራት፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፤ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ሓያል ናይ ኣፍ ኣርክቡ ነጋሪት ይሃርሙ ምህላዎም እንርእዮን እንሰምዖን ዘለና ሓቂ እዩ፡፡ ሰውራዊ ቁጠዐ ህዝብታትናን ርሱን ናይ ለውጢ ባህግታቱን ሰማይ ዓሪጉ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ካብ ዝኾነ ካልእ ግዜ ንላዕሊ፡ ብሱል፣ ብቑዕ፣ ውፉይን ውዱብ ደሞክራስያዊ ኣመራርሓ ዝሓቱሉ ዘለዉ እዋን ምኻኑ ጋህዲ እዩ፡፡ ነዚ ጠለቡዚ ክዉን ንምግባር ድማ፡ ቅኑዕ ደሞክራስያዊ መስመር ጨቢጥካ፤ ንወሳኒ ግደ ሓፋሽ ኣሚንካ፡ ህዝብታትና ኣብ ኩሎም ወሰንቲ ጉዳያት ናይ ሃገሮም፡ ንቑሕን ቀጥታውን ትሳትፎኦም ዘረጋግጹሉ ኩነታት ብምፍጣር ጥራሕዩ ዝረጋገጽ፡፡ ብቑም-ነገሩ ከኣ፡ ህዝብታትና፡ ነዚ ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣንጸላልዩ ዘሎ ናይ ዕንወት ሓደጋ ብምውጋድ፡ ንቅሱን መጻእን ቀጻልነትን ኤርትራ ዘውሕስ ብቑዕን ደሞክራስያውን መሪሕ ውድብ እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ፡፡

ደንበ ተቓውሞና፡ ዋላኳ ካብቲ ናይ ዓንተቦ ዝሓይሽ ዘመዝገቦ ኣዎንታ እንተሃለዎ፡ ንወድዓዊ ጠለብ ህዝብታትና ዝምጥን ከምዘይኮነ ግን ምስክር ዘድልዮ ኣይመስለናን፡፡ ከም ደቂ ዛግራ ተበታቲኑ ዝነበረ ውድባትና፡ ኣብ ዙርያ ሓደ ናይ ሓባር ንኡስ መደብ-ዕዮ (ሃገራዊ ቻርተር)ን፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል (ባይቶ)ን ዓሲሉ ዝቃለሰሉ ኩነታት ምፍጣሩ ዝነዓቕ ዓወት ኣይኮነን፡፡ “ነቲ ዝግበረሉ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ጠለብ ህዝብታትና ዝምጥን ድዩ?” ንዝብል ሕቶ ግን፡ ገና ብዙሕ ወሰንቲ ጉዳያት ይተርፎዩ፡፡ ከመይሲ፡ ዓቕምታቱ ከም ሓደ ሰብ ኣስሚሩ፡ ኣብቲ ዝተሰማማዓሉ ቀዳምነት ናይ ውራዩ ኣብ ምውዓል ርኡይ ብኩራት ኣለዎ፡፡ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ክንዲ ሓድሕድ ምምልላእ፡ ኣብ ካልኣዊ ፍልልያቱ ክቆራቖስን ክጠላለፍን ዘባኽኖ ዘሎ ግዜን ጉልበትን ይበዝሕ ኣሎ፡፡ ሽሾ ብዝሒ ውድባትን እናሓደሩ ዝኽሰቱ ምፍንጫላትን ብሓደ ወገን፤ ተመሳሳሊ መደብ-ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት ዓቕምታቶም ክጠምሩ ዘይኮነ ስግንጢር ክነሓንሑ ምርኣይ ከኣ በቲ ካልእ ወገን፤ ንደንበ-ሰውራና ስሕበት ዝኸልእዎ ዘለዉ ስንክልናታት ምኻኖም ክዝንጋዕ ኣይግባእን፡፡ እዚ ዘይተኣደነ ሕጽረታቱዚ ድማ፡ ነቲ ናይ ህዝብታትና ማዕበላዊ ሰውራዊ ቁጠዐን ናይ ለውጢ ባህግታቶምን ኣዘሓሒሉ፤ ኣብ ልዕሊ ሰውራኦም እምነት ክስእኑ ዝገብሮም ዘሎን እዩ፡፡ እዚ ድማ ብርኡይ፡ ሰውራዊ ዓቕምታት ሓፋሽ ምብኻን እዩ፡፡ ድምር ናይዞም ኩሎም ንሰውራና ኣጋጢሞሞ ዘለዉ ስንክልናታት ድማ፡ መፍቶትቲ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዝገብረና ዘሎ፡ ፈውሲ ዘድልዮ ሕማም ደንበ-ተቓውሞና እዩ፡፡ ሓፋሽ ህዝብታትና፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻ፡ ክልተ ግዜ ይውቃዕ” ዝበሃል፡ ንካልኣይ ግዜ ግዳይ ግርህነቱ ከይከውን ስኽፍታኡ ይገልጽ ኣሎ፡፡ ምስቲ ኩሉ ቁጠዐኡን ናይ ለውጢ ድልየቱን፡ ኣብ ጎኒዚ ህሉው ደንበ-ተቓውሞኡ ዘይስለፈሉ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪቲ ንውድባትና ኣጋጢሙዎም ዘሎ ስንክልናን፡ ኣብቲ ቀንዲ ውራይ ሃገሩ ዝውዕል፡ እምነት ዘንብረሉ፡ ብቑዕን ዱልዱልን መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሰንኪ ዘይምርካቡ እዩ፡፡ ስለዚ እዩ ድማ ኤስደለ፡ ነዚ ክሳዳዊ ሕቶዚ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ብግንባር ቀደምትነት ተበጊሱ ዘሎ፡፡

እዚ ሓቂዚ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡  መቃለሲ መድረኽ ምኳኑ ኣጽኒዑ ብምእማን፤ ባይቶ ካብ ዝጸንሕዎ ዓበይቲ ሕጽረታት ንክገላገልን ካልኣይ ጉባኤኡ ብዓወት ንክጽንበልን፡ ካብ ውድብና ኤስደለ ዝግበር ትጽቢት፡ ሎሚውን ከም ትማሊ ዓቲቡ ከበርክት ምኳኑ ደጊሙ የረጋግጽ፡፡

በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፤ ፍሉይ መጸዋዕታን ቆላሕታን ንምሁራት ኤርትራውያን!

ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ናይ “ኣፍ-ኣርክቡ” ኩነታት ከምዘሎ ነጋሪ ትደልዩሉ ኣይኮነን፡፡ ህዝብታትና ካብዚ ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ህግደፋዊ መዓት ንክድሕኑን ክንዮኡ ዝህሉ መጻኢ ኣንፈት ሃገርና ኣብ ምንጻርን፡ ናትኩም ናይ ምሁራት ኤርትራውያን ንቑሕን ተባዕን ተሳትፎ፡ መተካእታ’ኳ የብሉን፡፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ሰለስተ መሰረታውን ህጹጽን ፍታሕ ዝደልዩ ግድላት ተገቲሮም ኣለዉ፡፡ እቲ ቀዳማይ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝብን ሃገርን ከብርስ ዝጨከነ ደመኛ ጸላኢና እዩ፡፡ ካልኣይ፡ ነቲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ቃልሲ ደነበ-ተቓውሞና ዝመርሑ ዘለዉ ውድባትና ካብ ንጸረ ህግደፍ ዝቀንዕ ኣተሓሳስበኦም ንላዕሊ እቲ ኣብ ሕድሕዶም ምጥቕቓዕ ዝጠፍእ ጉልበት፣ ግዜን ጻዕርን  ዝዓቢ ምዃኑ እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ፡ ደለይቲ ለውጢ ህዝብታትና፡ ብቑዕ ዝኣምንዎ መሪሕ ስኢኖም፡ ኣዝዩ ፍኑው ተቓውሞ ከስምዑ ኣብ ዝርከቡሉን ዘማእዝኖም መሪሕ ሓይሊ ኣብ ዘናድዩሉን ኩነታት ምህላዎም እዩ፡፡ ከም ሳዕቤን ከኣ፡ መፍቶ ኣራዊት ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኸውን ኣለና፡፡ ናይዞም ኩሎም ግድላት ክሳዳዊ ሕቶ ድማ፡ እቲ ንሰውራና ካብ ዓንተቦኡ ኣትሒዙ ከሳቕዮ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ሕቶ ብሱል መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ፡ ብቑዕ ምላሽ ብሰንኪ ዘይምርካቡ ምኳኑ ትዝንግዕዎ ኣይንብልን፡፡

ሰውራና ካብዚ ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ ጸገምዚ ንክገላገል፡ ታሪኽ ይሓተኩም/ይሓተና ኣሎ፡፡ ኣብ ሰውራ፡ እቲ መዳርግቲ ዘይርከቦ ወሳኒ ሓይሊ፡ እቲ ተኣምራታዊ ዓቕሚ ሓፋሽ ምኳኑ ከይዘንጋዕና፡ ነዚ ክሳዳዊ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ፡ ግደ ምሁር መተካእታ ከምዘይብሉ፡ ውድብና ኣጽኒዑ ይኣምን፡፡ ብፍላይ ድማ ህዝባዊ ምሁራት ኤርትራውያን፡ እዚ መድረኽ ኣትሪሩ ዝሓተኩም ዘሎ ግደኹምዚ ንከተበርክቱን፡ ብታሪኽ ዘየሕምየኩም ሓድጊ ንክትገድፉን፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፡ ሎሚ መሪሕ ግደኹም ክትጻወቱ ትሕተቱ ኣለኹም፡፡ ተባዕን ህዝባውን ኣረኣእያ ተዓጢቅኩም፡-

  • ንባህርያት ስርዓት ህግደፍ፣ ጸረ-ህዝቢ ትካላቱን ክፍጽሞም ዝጸንሐ ገበናትን ኣዕነውቲ ሳዕቤናቶምን ካብ ሱሩ ተንቲንኩም ክትግምግምዎ፤ንምውጋዱ ንዝካየድ ናይ ቃልሲ ጥበብ ክትእምቱን፤
  • ጠንቂ ናይቲ ኣብ ደንበ-ሰውራና ኣጋጢሙ ዝጸንሐን ዘሎን ድኽመታት፡ ካብ ሱሩ መርሚርኩም ብምትንታን ክትግምግምዎ፣ ካብ ቀንፈዘው ዘውጽኦ ስትራተጅን ስልትን ክትልሙን፤
  • ንኩሉ ማሕበራዊ ሓይልታት ሃገርና (ንደርባዊ፣ ብሄራዊ፣ ጾታዊ፣ ውድባውን ናይ ዕድመን…ብዙሕነታት ህዝብታትና) ብግቡእ ብምትንታን፡ ብመጠን ዝህልዎም ተሳትፎን ዝረጋገጸሎም ረብሓን፡ ንቑሕ ተሳትፎኦም ዘረጋግጹሉ ኣንፈትን ጥሙር ኣዋፍራን ኣብ ምንጻር፤
  • ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ንእትቅጽል ሃገርና፡ ብሩህ መጻኢ ንክህልዋ፡ ነዊሕ ዝጠመተ ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፤ ኣብ ምትእምማንን ምክብባርን ህዝብታታ ዝሰረተ ስጡም ህዝባዊ ሓድነትን፤ ንህንጸት ሃገርን ዝኸውን ርጡብ ውጥናት ኣብ ምስኣልን፤
  • ብድምር ድማ፡ እቲ ቦኺሩ ዝጸንሐን ገና ንሰውራና ዘሳቕዮ ዘሎን ናይ መሪሕ ሕቶ ኣብ ምምላስ ንዝህልወኩም ንቑሕን ተባዕን ተሳትፎ፤…..ወዘተ ብናይ ኣፍ-ኣርክቡ ናህሪ ክትለዓሉ መድረኽ ይጠልበኩም ኣሎ፡፡ ነዚ መተካእታ ዘይርከቦ ግደኹምዚ ክዉን ንምግባር፡ እኹል ዓቕሚ ከምዘለኩም፡ ውድብና ኤስደለ ንካልኢት’ኳ ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን፡፡ መራሕቲ ሰውራና ብሓፈሻ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብፍላይ፡ ንኣገዳሲ ተራኹም ዘነኣእስ፣ ዝኾልፍን ዝቕንጽልን፡ ዘተኣታተውዎ ህልም ዝበለ ድሑር ጸረ-ደሞክራስያዊ ባህሊ ስዒርኩም፤ ቅኑዕ ህዝባዊ መስመር ተዓጢቕኩምን ሰውራዊ ትብዓት ሰኒቕኩምን ንእትገብርዎ ግስጋሰ ድማ፡ ውድብና ኤስደለ ወትሩ አብ ጎንኹም ምኳኑ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክሕብር ይፈቱ፡፡

ኣብ ምጥቕላል ሎምዘበን፡ ነዛ ንመበል 24 ዓመት እነብዕላ ዘለና መዓልቲ ናጽነት ክንዝክር እንከለና፡ ብምጥሓል ባሕርን ብጭካኔ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽን፡ መሪር ናይ መንእሰያትና ዋጋ ኣብ ዝኸፈላናሉን ሓዘንና ዘይወዳእናሉ እዋንዩ፡፡ ስለዚ፡ ብጎይላን ዳንኬራን ዘይኮነ፡ ሕድሪ ሰማእታትና ንምፍጻም ቃል-ኪዳንና ዘሕድሱን፤ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ነድርና ዘበራብሩን፡ ዘተታት፣ ሰሚናራትን ገምጋማትን ብምክያድ፡ እሳተ-ጎምራዊ መሳርዕ ሰውራ ዘስምሩ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ተዓጢቕና ንምውጻእ ኢና እነኽብራ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ወጻኢ ዘለኹም ደለይቲ ፍትሒ ህዝብታትና፡ ንኣበዓዕላ መበል 24 ዓመተ-ናጽነትና ኣመልኪትኩም ገይርኩምዎ ዘለኹም ጻውዒት፡ ለባም ውሳኔ ምኳኑ፡ ውድብና ኤስደለ ብልቢ ከምዝተቐበሎ ክሕብር ይፈቱ፡፡

 

ቅኑዕ መስመር ኤስደለን ንቑሕ ሓፋሽን ሒዝና ክንዕወት ኢና!!

24 ግንቦት ንዘልኣለም ደሚቓ ትንበር!!

ውድቀትን ስዕረትን ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ነዚ በዓልዚ ክዉን ዝገበሩ ጀጋኑ ስዉኣትና!!

24 ግንቦት 2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9640

Posted by on May 23 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net