መግለጺ ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ነጸነት ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

rsado

መግለጺ ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ነጸነት ኤርትራ

ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

23 ግንቦት 2015

 

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጻነት ሃገሩን ሰብኣዊ ክብረቱን ንምርግጋጽ  ዘካይዶ ናይ 30 ዓመታት  መሪር ቃልሲ  ንመሬቱ ነጻ›ካ  እንተወጸኤ ህላውንኡን ሰብአውነቱን ግን አብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፡ ከምእውን ንአደዳ ስደትን ጥሜትን ተቓሊዑ አብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ተበታቲኑ ይነብር አሎ፡፡ ብሄራት ኤርትራ  መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምምጽኡ ብባህላዊ ሕግን መምሪሒታትን ባዕለን ንባዕለን ዝመሓደራ ዝነበራ ኮይነን ምስ መግዛእቲ ጣልያን ዝመጸት ሃገረ ኤርትራ፡ ከምተን ኩለን አብ ትሕቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ዝነበራ ሀገራት አፍሪቃ ነጻ ንከይትወጽእ ዝተገብረ ውዲታት ንህዝቢ ኤርትራ ብረት ከልዕል አገዲድዎ ን30 ዓመታት ዝአክል መሪር ቃለሲ አካይዱ አዕጽምትን ደምን አሸሓት ደቁ ከፊሉ፡ በቲ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ድማ ሩፍ ኢሉ አብ ሀገሩን አብ መሬቱን ንከይነብር ብቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሸፊኑ ዝመጸ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር፡ ንሃንቀውታን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝመክን ገይሩ፡ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ በታቲኑን አብ ቅርሕንቲ ብምሽማም ዉሑዳት ወገናት ጥራሕ ተጠቀምቲ ናይታ ሃገር ኮይኖም አብ ልዕሊ እቶም ካልኦት ወገናት ኤርትራ ዝግበር ናይ ምግላልን ናይ ምጭፍጫፍን ናይ ምብራርን አጀንዳታት አተግበርትን ፈጸምጽን ኮይኖም ጸኒሖም፡ አብዚ እዋን እዚ ኤርትራ ናይ ውሑዳት ሰባት መዐንደሪኦምን መራገጺኦምን ኮይና፡ እንተ ነቶም ካልኦት ወገናት ኤርትራ ካብ ጊዜ ምግዛእቲ ዝሓሰመ ናብራ ኮይኑዎም መሬቶም ምደረ ሲኦል ተቐይራቶም ንአደዳ ስደትን ጥሜትን ተቓሊዖም ይነብሩ አለዉ፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንኣሻሓት ዓመታት ካብ መሬቱን መረበቱን ተዘናቢሉ ዘይፈልጥ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ ህላወ ህዝባዊ ግንባር አብ ስልጣን ግን ንኩሉ ዓይነት ሽግራት ተቓሊዑ ህላውንኡ አብ ሓደጋ ተቓሊዑ አብ ዝከፈኤ ኩነታት ሂወት ይርከብ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ፖሊሲ ህዝባዊ ግንባር አብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብዚ ጥራሕ ዝተሓጸረ አይኮነን፡ ህላዌኡን መንነቱን ካብዚ ዞባ እዚ ንምሕካኽ ክይተሓለለ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጉዳይ ምኻኑ ከይተዘንገዔ እቲ ፈጣሪ ዝሃቦ ሃብቱን ጸጋታቱን መሬቱን ንምትራፍ ዝዓለመ እስትራተጂ ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ፡ አብዚ እዋን እዚ ኤርትራ እታ ብድኽነትን ብምግሃስ ሰብአዊ መሰላት ዜጋታታ አብ ቀዳማይ ተርታ ሒዛ እትስራዕ ኮይናትሉ አብዘላ እዋን፡ በዚ መሰረት ድማ ማሕበረ-ሰብ ዓለም  ትም አብ ዘይብለሉ እዋን ስለዝበጸሔ አብ ዝተፈላለዩ መጋባእያታት ዓለም ጉዳይ ኤርትራ ካብቶም አገደስቲ አጀንዳታት እንዳኾኑ ስለ ዝመጹ ነቲ ስርዓት ዓብይ ሻቕሎት ኮይንዎ ጸኒሑ ፡ ነዚ ሓያል ወቐሳታት ንምሽፋን አብ ኤርትራ ዝርከብ ገባቲ ስርዓት ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከነምጽእ ኢና ቅዋም ከነረጋግጽ ኢና ብማለት ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ዝገብሮ ዘሎ ስልቲ ብምኻኑ ኩሉ ደላይ ለውጢ ወገን ከይታለልን ከይደናገርን ብምዝኸኻር፡፡  ስርዓት ኢሰያስን ጉጅልኡን ዘዳልውዎ ዝኾነ ዓየነት ቅዋም ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክልን አገዲድካን አምሲልካን ዝግበር ብምኻኑ፡ እቲ ሓቀኛ ቅዋም ክኸውን ዝኸእል ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘውሕስ ቅዋም ኮይኑ ንሱ ድማ እዚ ሕጂ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ፈሪሱ ሓድሽ ብድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዝቐውም ንኹሉ አቃውማ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ምስ ዝትከልን ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ዝኽእል፡፡ ኢዚ ን 24 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራን ጎረባብቱን ክሕምስን ሰላም ክኸልእን ዝሓገየ ስርዓት ዘረግቲ ሰላም አእዳዉን ትካላቱን ከይተደምሰሰ ዞባናን አከባቢናን ብሰላም ክነብር ማለት ዘይሕሰብ ብምኻኑ፡ መንግስታት ናይዚ ዞባ እዝን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኩሉ ደላይ ሰላምን ዲሞክራስን ዝኾኑ ወገናት  ንሓቀኛ ቃልሲ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክድግፉን ነቲ ስርዓት አብ ምእላይ አድላይ ዲፕሎማስያውን ንዋታውን ሓገዝ ከበርክቱ ንጽውዕ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነቲ ወሪድዎ ዘሎ ሕሰም ከቅንጠጥ ምእንቲ ሓያል ቃልሲ ከካየድ ጻዊዕትና ነቕርብ፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9644

Posted by on May 23 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net