መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብኣጋጣሚ ጽንብል 24 ዓመት ነጻነት ኤርትራ

eda

ሎሚ 24 ግንቦት 2015 ንመበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነብዕል ከሎና፡ ህዝብና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስታት፡ ዝኸፈሎ ከቢድ ጅግንነታዊ መስዋእትነት ንዝክረላ፡ ምልካውነትን ህልዊ ብድሆታቱን ንገጥመላ፡ ሓርነት ንምርግጋጽ እንደገና ሕድሪ ሰማእታትን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ መብጽዓና ነሓድሰላ፡ ክብርቲ መዓልቲ እያ።

 

ህዝብና ንሓይልታት ባዕዳውያን ገዛእቲ ከይተንበርከኸ ምእንቲ ሓርነቱ ነዊሕን መሪርን ቃልስታት ብምክያድ፡ ዝኸፈሎ ከቢድ ጅግንነታዊ መስዋእቲ እንደገና ከም ብሓድሽ ኣብ ትሕቲ ግብረ-ሽበራዊ ስርሓት ዝዋፈር፡ ውሽጣውን ግዳማውን ፖሊሲታቱ ኣብ ክንዲ ሰላም ኲናት ዝጽሕትር፡ ብምልካዊ ስርዓት ክጭፍጨፍን ክውጻዕን ኣይጽበን ኔይሩ። ውጽኢቱ ድማ፡ ሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ምዕባሌን ሸቶታቱ ተኾሊፉ፡ ሓራ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ክኽውን ኣይኸኣለን። ብኣንጻሩ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ነጻን ልዕላዊትን ዝኾነት ሃገር ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ገዛእቲ ደቂ ሃገር ክትቁረንን ክትወድቕን ብምዃና፡ ህዝብና ንዝተፈላለየ ከቢድ ሓደጋታት ተሳጢሑ ይርከብ።

 

ትጽቢት ህዝብና ካብ መስርሕ ሓርነታዊ ብረታዊ ተጋድሎኡ ኣብ ናጻ ኤርትራ ብሰላምን ደሞክራስን ዝነብረላ፡ ሃብቲ ሃገርን ሰልጣንን ብምዕሩይ መንገዲ ዝመቓረሓላ፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝነገሰላ፡ ክትኸውን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታት ዓለምን ኣብ ማዕርነት፡ ሓባራዊ ረብሓን ምክብባርን ኣብ ውሸጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምትእትታው፡ ንሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ ተሓጋጊዝካ ንምጉዓዝ‘ዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ውሸጢ’ዚ 24 ዓመታት’ዚ ህዝብና ዝተበገሰሉ ቅዱስ ዕላማታትን ልዑል ትጽቢታትን መኺኑ’ዩ ተሪፉ፡፡ ጻሕታሪ ኲናት ስርዓት ህግደፍ ብግስ ከይበለ ኣብ ቀጻሊ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት በብእብረ ኲናት እናባረዐ ንግብረ-ሽበራዊ ስርሓት እናዕጠቐን እናዋፈረን ንህዝብና ይኹን ንዘቦና ንሓደጋ ኣሳጢሕዎ ይርከብ፡፡ ሎሚ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝተኸሎ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተነጺሉ ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ትካላት ጥራይ ተንጠልጢሉ፡ ብውሽጢ ብጉቦን ብልሽውናን ጠስጢሱ በብግዜኡ ንነሕድሕዱ እናተበላልዐ ንውደቀት ተሳጠሑ ይርከብ።

 

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ መሓውራት ጭፍጨፋ ብምቋም ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ብምግሃሱ ህዝብና ኣደዳ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ወጽዓን ቁጠባዊ ምዝመዛን ኣድልዎን ባርነታዊ ወፍርታትን ገደብ ዘይብሉ ኣስገዳዲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ተሳጢሑ ኣሎ። ውጽኢቱ ከኣ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘቓልዕ፡  መንእሰያት ብብዝሒ ንስደት ከውሕዙ ዘገድድ ውድዕነት ተጋሂዱ ምህላዉ የረጋግጽ። ብተወሳኺ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣኳዋውና ህዝቢ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ግርጭታት ብምብላሕ፡ ኣብ ኤርትራ ዘላቒ ጸጥታን ሰላምን ከይሰፍን ንምግባር ብቀጻሊ ዝጽዕር ዘሎ ስርዓት’ዩ።

 

እዚ ጽንብል’ዚ ንህግደፍ ንምግጣም ብውሑዳት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበሩ ውድባት ዝተበገሰ ተቓውሞ፡ ቀጻልነት ናይዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምብቓዕ፡ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ኣካላት፡ ማሕበራውን ባህላውን ክፍልታት፡ ናጻ ሃገራውያን ባእታትት፡ ዝጥርንፍ ናብ ጠቕላላ ሃገራዊ መስርዕ ኣብ ተሰጋገረሉ እዋን’ዩ ዝጽንበል ዘሎ። ከምኡ’ውን ካብ ዕለት ንዕለት ትጽቢት ዝግበረሉ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ብሓፈሻ፡ እቶም ብኣዕናዊ ፖሊስታትን መርሆታትን ስርዓት ህግደፍ ዝግፍዑ ዘለዉ፡ ወጽዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ ብፍላይ፡ ኣካል ህዝብን ወጽዓታትን ከም ምዃኑ መጠን፡ ንህልዊ መሪር ኩነታት ንምብቓዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጎኒ ዝካየደ ዘሎ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ክስለፍ ይግባእ።

 

እዚ ብመስርሕ ዝምዕብል ዘሎ ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዝርከብ መሪር ውድዕነት ዝነጽግ፡ ንመላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ነዚ ህሞት’ዚ ክጋደድ ዝደረኸ ሕሉፍ ሕጽረታቱ ግቡእ ሚዛን ድሕሪ ምውሳዱ፡ መስርዑ ኣመዓራርዩ ኣብ ሰረት ስሩጽ ቻርተር ተመርኲሱ፡ ንዝሓለፈን ህልውን መጻእን ትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ምዃኑ ይእምት። እዚ ሎሚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህልዊ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምግጣምን መተካእትኡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን ግዜ ዘይህብ ወይ’ውን ዘገምታዊ ጉዕዞ ዘይቕበል ኩነታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንትጽቢታትን ተስፋታትን ህዝብና ዝምልስ፡ ህዝቢ ብነጻ ድሌቱ ከምቲ ንሱ ዝብህጋ ሃገር ክሳብ ዝሃንጽ፡ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ መርሆታትን ኣገባብ ቃልስን ምኽታል መድረኻዊ ሕቶ’ዩ።

 

24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ከነብዕል ከለና ህዝብና ምእንቲ ሓርነታዊ ዕላማታቱ ኣብ ፈቐዶ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ብጅግንነት ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ ክንሱ፡ ዝተማለአ ዓወት ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ሓሳረ መከራ ወዲቑ ዘብዕላ ዘሎ ይኹን ደኣ እምበር፡ ጀጋኑ ተቓለስቲ ደቁ ሕጂ’ውን ሕድሪ ስውኣት ተሓንጊጦም ፍትሓዊ ሕቶኡ ንምምላስ ከየተሓለሉ ዘካይድዎ ዘለው ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ዘተባብዕ ውድዕነት’ዩ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መላእ መንእሰያትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ውጹዕ ህዝቦም ጠጠው ብምባል፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ኣገዳሲ ተርኦም ክጻወቱ ጸዊዒቱ የመሓላልፍ፡፡ ኣብ ውሸጢ ኤርትራ ሓሳረ መከራ ዝርኢ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ይኹን ብሰንኪ ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ በብመዓልቱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታትና ንስደት ተሳጢሖም ኣብ ፈቐዶ ምድረ-በዳታት፡ ባሕርታት፡ ስንጭሮታት ዝጠፍኡን ብነጋዶ-ስብን ኣረመናዊ ጉጅለ ዳዕሽን ንሓደጋ ሞትን ዝቃልዑ ዘለው ስደተኛታት ዜጋታትና፡ ከም’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን መደበራትን ዝገጥሞም ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሎምን ክተሓጋገዞምን ይጽውዕ፡፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ንዝተፈላለየ ግዚያዊ ውልቃዊ ረብሓታቶም ክብሉ ኣብ መጻወዲያ ስርዓት ህግደፍ ወዲቖም ዘለው ዜጋታት እዚ ጨፍጫፊ ምልካዊ ስርዓት’ዚ ነባሪ ከም ዘይኮነ ብኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታቱን ወንጀላቱን ጽባሕ ኣብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ተሓታቲ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንፍትሓዊ ሕቶ ህዝቦም ክድግፉን ክቃለሰሉ ይጽውዕ።

 

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንንጥፈታት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምድጋፍን፡ መድረኻዊ ዕማማቱ ንምፍጻምን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ኩሉ ጻዕርታቱን ዓቕምታቱ ከም ዘይበቅቕ ከስረሕ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ የረጋግጽ።።

 

ኣብ መደምደምታ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንኩሎም’ቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዘይሕለል ደገፎም ዝህቡ ዘለዉ ብሓፈሻ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ንደሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብርዎ ምድግጋፍ፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ተቐቢሎም ምትእንጋዶም፡ ንመንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ዩኒቨርስትታት ኣትዮም ክምሃሩ ዝኸፈትሉ ዕድልን ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ፡፡

 

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

24 ግንቦት 2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9645

Posted by on May 23 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net