ሓባራዊ ቃል ጽላል ስ ዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት

sesadu

2015-05-23

በዓል ናጽነት ኤርትራ

 

ዝኸበርኩም ሓይሊ ዕማም መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን!

ዝኸበርኩም ስነጥበባውያን!

ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካውን በርጌሳውን ማሕበራት!

ዝኸበርኩም አሕዋትን አሓትን!

ዝኸበርኩም ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጻእኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!

 

መጀመርያ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጭርሖ፣ እምቢ ንምልኪ ኢሎም ስዊደን መሓውር ናይ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ስለዝኾነት ንመጀመርያ ኡደቶም ናብ ስዊደን ገጾም ክገብሩ ዝወሰኑ ክፍሊ ባህሊ መንእሰያትና ዮሃና ክብሎም ኣፍቅዱለይ። ቀጺለ ድማ ነዚ ሃገራዊ ጽንብል ክውን ዝገበሩ መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ከተማ ስቶክሆልም ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ብሓባር ከነብዕል ብዝገበሩልና ድልውነትን ተቀባልነትን ብስመይን ብሰም ኩሉኹም ከመስግኖም እፈቱ። ብሕልፊ ድማ ንክልተ ብጾት ናብዚ ናይ ሓባር መኣዲ ንክንበጽሕ ዘቀራረቡና ክልተ ኣሕዋት ዶር ሃብተሚካኤልን ዶር ተስፋይን ምስጋናይ የቅርብ፣ ኣሰዒበ ድማ ንብጾት ኣባላት ጽላል/SESADU በቲ ዘርኣይዎ ልባውን ሓላፍነታውን ነዚ ጽንብል ብሓባር ክነኽብሮ ኢሎም ብምውሳኖም ፍሉይ ምስጋና ብሽምኩም ከቅርበሎም እፈቱ፡

 

ክቡራንን ክቡራትን ተሳተፍቲ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ!

 

ልክዕ ኢዩ ፣ ሎሚ መዓልቲ እነኽብሮ ጽንብል  ንዕላማታት ሕዝብና ንምዕዋት መዳርግቲ ኣልቦ ቅያን ጅግንነትን ዝፈጸሙ ምእንቲ ነጻነትን፤ ፍትሕን፤ ግዝኣተ ሕግን፤ ሰብኣዊ መሰልን  ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉ፤ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምስባር፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብቅሳነትን፤ ራህዋን ከይተሰከፈ ዝነብረላ ሃገር ህያው ንምግባር በጃ ዝሓለፉ ሕዝብና ንዝከረሉን ንመሃረሉን፣ ብሓደ ሸነኽ ፣ ብካልእ ድማ ስቅያት ሕዝብና ኣብ ሃገርናን ስደት ዝረኽቦ ዘሎ ዘሕዝን ኩነታትና ንምጽንንናዕን ንምድባስን ብሓንሳብ እንጽንብሎ መዓልቲ ኢዩ። ኩልና ከምንዝክሮ ዓሚ ብ2014 ብምኽንያት መበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት በተክርስትያን ኤርትራ ስፊሕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣምሪሮም ኣተንቢሆምና ነሮም ኢዮም፣ ሓደ ሕዝቢ ኣብ ሃገሩ ማዓር እንተድኣ ሃልይዎ ማዓር ክደሊ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣይሰደድን ዝብል መልእኽቶም ክሳብ ሕጂ ሰማዒ ኣዝኒ ኣይረኸበን እንሆ ድማ ኤርትራውያን መቃብሮም ማእከላይ ባሕሪ ኮይኑ፣ግዳይ ነጋዶ ሰብን በቶም ኣብዚ ግዜዚ ብስም ኢስልምና ዝተላዕሉ-ብጥሩፍ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ዝፍለጡ ከም እንስሳ ይሕረዱ ኣለዉ። እዚ ምሸት እዚ ነዚ ዝጠፍእ ዘሎ ሕዝብና ከመይ ገርና ነድሕኖ ኢዩ ዝብል ሕቶ ነፍሰወከፍና ክንምልሽሉ ዝሓትት ኣገዳሲ ምሸት ኢዩ፡፤

 

ክቡራንን ክቡራትን ደለይቲ ሰላም ኤርትራ!

 

ሎሚ እውን መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነብዕል ከሎና፤ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንሕዝቢ ኤርትራ እቲ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ውሒዱዎ ኣባይቲ ዜጋታት ብቡልዶዘር ኣብ ምፍራስ ተዋፊሩ ይርከብ ኣሎ ሕዝቢ  ድማ ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ተሳጢሑ ኣብ ዘብሎ ጠፊእዎ ፣ እቲ ክሃድም ዝኸኣለ ድማ ንስደት እናምረሔ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ደንደስ ናይ ምህላውን ዘምህላውን ኢያ ዘላ፣ ኤርትራ ሕዝባ እናጸነተ፣ መረታን ምንጭታትን ድማ ነቶም ተቃውምቲ ናይ ጐራባብቲ ሃገራት መደበር ታዕሊምን ኣገልግሎት ኮይኑ ሎሚ ሕዝብና ኣብ ትሕቲ ዝሓሰመ ጭቆና ኣብ ዝለወሉ ኩነታት፣ገባቲ ስርዓት ውልቀ-መላኺ እቲ ኣብ የመን ተላዒሉ ዘሎ ኩናት ሓድሕድ ሰለዘፍርሖ  ፍሉያት ሉኡኻት እናሰደደ ኣነ ምስ ሑስዪን ዝምድና ዝብሃል የብለይን እናበለ ይጠርዕ ኣሎ፣ ኣነ ምስ ኣልሸባብ ሶምሊያ ርክብ የብለይን እገዳ ኣልዕሉለይ፣ ኣነ ኣንጻር ሑቲ ምስተን ምሕዝነት ሃገራት ኣዕራብ ክሳብ ወተሃደራት ክሰድድ ኢየ ኢሉ ድሮ እኮ ብማዕከናት ዓለም ወተሃደራት ካብ ኤርትራ ይሃርሙና ኣለዉ ዝብል ካብ ሰንዓ ይስማዕ ኣሎ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ካብ ተነጽሎ ናይ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ነጻ ክወጽእን ገለ ገንዘብ ዝረኽበሉ መገድታት ኣብ ምድላይ  በቶም ኣገልገልቱ ኣምባሳዶራት ገሩ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ።ከምኡ  እውን ነቶም ካብኡ ዝሃደሙ ካድራትን ሓለፍትን ናብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ከይጽንበሩ ኪኢላታት ካድራት ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቃውሞ  ኣዋፊሩ ኣሎ፡፤

 

 

ክቡራንን ክቡራትን ተቃለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!

 

ኣብዚ ግዜዚ ምልካዊ ስርዓት ወልዕ-ፓይሮማንያክ ንሕዝቢ ኤርትራ ምንዳድ ከይኣኽሎ ንምሉእ ዞባና ከባእስ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድማ ከምቲ ንሕዝቢ ኤርትራ ወትሩ ዓመት መጽኤ  ብናይ ሓሶት መብጻዓታት ዘታልሎ ከምኡ ድማ ንአህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምትላል፣ ንወተሃደራዊ ዕስክርና 18 ወርሒ ክኽውን ኢዩ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ደሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ኢና፣ ካብ ኤርትራ ዋሕዚ ስደተኛታት ጠጠው ከነብሎ ገንዘብ ሃቡና፣ እናበለ በቶም ዕሉላት ሉኡኻቱ ገሩ ብሓይሊ ይንቐሳቐስ አሎ፡፤

 

ነዚ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ድማ ልዑላውነት ኤርትራ ብዝብል ሽፋን ገሩ ንደገፍቱ ዝኾኑ ኤርትራውያን  ርድኡንን ሓግዙንን እናበለ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ጉዕዞ ቢሽክለታን  ኣብ ዝግዕረሉ ዘሎ ከንቶ ፈተነ ኢና ንርከብ ዘሎና።

 

ኢ- ሰብአዊ  እኩይ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ፤ ሕብረተሰብ ዓለም ክጉህየሉን፣ ክዛረበሉን ክሎ፣ እቲ ዘጉሂ ንሕና እቶም ንድሕነት ሕዝብና ንቓለስ ነዚ ናይ ምትላልን ምጥላምን ዝኾነ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ዘይምፍሻልና ኢዩ፣ በዚ ታሪኻዊ መዓልቲ  ነዚ ናይ ሓሶት ጉያ ብናይ ሓቒ ጉያ ነቲ አብ  ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት በዚ ስርዓትዚ ንምፍሻል ቓልስና ከነበራትዕ እምበር ግዜና ኣብ ዘይኣፍራዩ ምንጽጻግን ምትፍናንን ክኸውን ኣይነበሮን፣እዚ መዓልቲዚ መዓልቲ ካብዚ ምትህልላኽ ወጺኢና፣ ንድሕነት ሕዝብና ክንሓብር ዝጽውዕ እምበር ናይ ሳዕሳዒት ጽንብል ኣይኮነን።

 

ኩቡራትን ኩቡራንን!

 

ሎሚ ነዚ መዓልቲ እዚ ኣብ እንዝክረሉ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርናን ሕዝብናን ምሕሳብን ምስትንታንን ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ንኩሉ ካልኣዊ ሕቶታትና ገዲፍና ነዚ ሕዝብና ዘጽንት ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓትን ካብ ሱሩ ምሒኻ ሕዝቢ ኤርትራ ምድሓን ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ሕዝባዊ ምልዕዓላትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ወፈራን ሓድነት ተቛወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን  ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓባር ስራሓት ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖሊቲካውን፣ መራኸቢ ብዙሓን፣ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ተቃውሞ ክስጥምን ክሓብርን በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ፡፤

 

 

እቲ ካብ 2009 ዝተመስረተ ናይ ሓበር ጽላል ፖሊቲካውያንን በርገሳውያንን ውልቀስባትን ኣብ ከተማ ስቶክሆልም በቲ ዝተለሞ መደባት ፖሊቲካውን ሕዝባውን፣ ደፕሎማስያውን፣መራኸቢ ብዙሓንን፣ ዝተዓመ ስራሓት ቀሊል ኣይነበረን።ዝተገብረ ዝምድና እውን እናዓበየ ብምኻዱ፣ምስተን ካልኦት ሰልፍታት ሽወደን ድማ ሓያል ጽልዋ እናሕደረ ይኸይድ ኣሎ። ሎሚ እቲ ብኣፍልጦ ወይ ብዘይ ኣፍልጦ ነቲ ስርዓት ክድግፍ ዝጸንሔ፣ገሊኡ ናብ ደንበ ተቃውሞ እናተጸንበረ ዝተረፈ ድማ ኢዱን ኣፉን ሒዙ ገዝኡ ከምዝተርፍ ይርኤ ኣሎ  ውዒሉ ሓዲሩ እዚ እውን ኣብ ደንበ ተቃውሞ ከምዝጽንበር ርግጸኛታት ኢና፡፤ዕላማ ናይ ሓባር ጽላልና ኣብዚ ከይትሓጽረ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድናታትን ርክባትን ክሕይልን ቀጻልነቱ ክሳብ ዝረጋገጽን ከኣ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ኮይኑ ግን ክእለትን ዓቕምን ናይ ኵሎም ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዝሰርሑ ዘለዉ ወገናትና ብፍላይ ድማ እቶም ተወዲቦም ዝቃለሱ ፖሊቲካውን በርገሳውን ትካላት እምነት ሕዝቢ ንምኽሳብን ኣህጉራዊ ኣቃልቦ ንኽረኽቡ ሓያልን ድልዱልን ምትሕብባር ከምዝጽበዮም ብዙሕ ጻዕሪ ድማ ከምዝሓትት ከነዘኻኽር ንደሊ።

 

 

ክቡራትን ክቡራንን፣

 

ሎሚ መዓልቲ ከምዚ ኢልና ኵልና ኣብዚ ከባቢ እንርከብ ፖሊቲካውያንን ሲቪካውያንን ማሕበራት ብሓባር ኮንና መዓልቲ ናጽነት ምኽባርና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጥምረትን ውህደትን ህዝቢ ዘቃላጥፍን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ናብ ዓወት ገጹ ዘምርሕን ኢዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፣ ኩሎም ግዱሳት ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ሓጎጽጎጽ ከይሰንበዱ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ጐድኒ  ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ማሕበራትን ተቓወምቲ ውድባትን ብምስላፍ ሓድነቱ ንምርግጋጽን፣ ንምድልዳሉን ዝዓለመ ተበግሶ ብምውሳድ ክደፉኡሉን ክተሓባበሩን በዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ደጊምና ከነዘኻኽር ንፈቱ።

 

ኣብዚ ግዜዚ ደንበ ተቃውሞ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ኢንቲፋዳ ወይ ድማ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ተቃውሞ ጥራሕ ከይተሓጽረ ብኣካል ኣብ ነፍሰ ወክፍ ሃገርን ከተማታትን ዝቅመጥ ናይ ምቅርራብን ምውህሃድን፣ ምምኽኻርን ማእከል ክምስርትን፣ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ሂቡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ኩናትን፣ድኽነትን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ናይ ሕዝቢ ምጽናት ኣዊጁ ዘሎ ናይ ውሑዳት ስልጣን/ ስርዓት ወልዕ ካብ ሱሩ ምሒኻ ንምድርባይ ነቲ ቀንዲ ስርሑን ዕላማኡን ፈሊጥካ፣ ነቲ ድኹም  ጐድኑ እናሃረምካ ነቲ ሓያል ጐድኑ ድማ እናኣፍረስካ ከስርሕ ዝኽእል ስትራተጅያዊ ውጥን ክሉ ሕዝቢ ኤርትራ ዝዓስለሉን ዝኣምነሉን ናይ ሓባር ኮሙኒቲ ምቛም። ቅድሚ ሕጂ ፈቲና ኢና ኢልካ ተስፋ ከይቁረጽካ ክሳብ ትዕውት ምቅላስ እዋናዊ ዕዮ ገዛና ገርና ኣብ ምሉእ ሃገረ ስዊደን ሰፊሕ ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ንደሞክራስያ ለውጢ ንምምስራት ከይተሓለልና ክንሰርሕ በዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ጻዋዒትና ነቅርብ።

 

ይኣክል 24 ዓመት ኣብ ባርነት!

እምቢ ንምልኪ እው ንደሞክራሲ!

 

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ዝኽርን ክብርን ንስዉአትና!

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9652

Posted by on May 25 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net