መግለጺ ፈጻሚ ኣካል ብኣጋጣሚ መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

ensf baner

ናጽነትን ልዑላውትን ሃገረ ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ሓቂ ካብ ዝኸውን 24 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። በዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣገዳሲ ዕላማ ተረጋግጹ‘ዩ። እዚ ክቡር ዕላማ‘ዚ፡ ውጽኢት ቃልስታት ዝተወሰነ ውድብ፣ ሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ወይ‘ውን ናይ ቀቢላ ኣይኮነን። እኳ ዳኣ፡ ናይ‘ቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ፖለቲካን እንከይተፈላለየ ዘካየዶ ዝተናወሐን መሪርን ቃልሲ፡ ዝወለዶ‘ዩ።

ጉዕዞ ቃልሲ ህዝብና፡ ብመሪሕነት ስዉኣት ቀዳሞት ሓርበኛታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኣርበዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ጀመረ። እዚ ወለዶ‘ዚ ኣብ ሑቕፊ ኤርትራዊ መከወኒታት ሕብረተሰብ ዝሰረጸ፡ ኤርትራዊ ሃገርነትን ኣተሓሳስባን ንምዕማቝ ተቃለሰ። ምእንቲ ናጻ ሃገር ንምርግጋጽ ረዝን መስዋእቲ ከፈሉ። ብድሕሪኦም ድማ ኢምቢታ ህዝቢ ኤርትራ ንኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ብምግላጽ፡ ዓበይቲ ሃገራውያን መራሕቲ ሰንደቕ ቃልሲ ተሸኪሞም ቀጸሉ።

እቲ ዝተበገሰ ቃልሲ፡ ሓዲሽ ወለዱ እናሰሓበ ቐጸለ። ምስረታ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ከም ቀዳማይ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ዘርኢ፣ ሃይማኖት፣ ኣውራጃ ብዘይምፍላይ ኣብ መሳርዕኡ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ኣሰለፈ። መግዛእታዊ ጨካን ጭቆና ንጉዕዙ ሃገራዊ ተጋድሎ ህዝብና ክገትኦ ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ‘ኳ ዳኣ ሃገራዊ ቃልሲ ሓዲሽ ስልቲ ብምኽታል ክብርኽ ጀመረ። ብ1960 ኣብ ካይሮ ብመርሕነት ስዉእ እድሪስ መሓመድ ኣደም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተመስረተት፡ ኣብ 1961 ድማ ጅግና ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ኣወጀ።  

ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ፈለማ ቁልዒ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝተበገሰትሉ ጊዜ፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ መግዛእታዊ ወተሃደር ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ24 ግንቦት 1991 ተሳዒሩ ካብ መሬት ኤርትራ ዝወጺእ፡ ጀጋኑ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን፣ ህዝባዊ ሰራዊትን፣ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነትን፣ ሰበኽ ሳግም፣ ሓረስቶት፣ ሰርሓተኛታትን፣ ሙሁራትን፡ ኮታ መላእ ህዝቢ ኤርትራን፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ክቡር ዕላማ ንምርግጋጽ ኩሉ ዝውንንዎ ብምኽፋል፡ ሰፍ ዘይብል ረዚን መስዋእቲ ከፊሎም‘ዮም።

ናጽነት፡ ናይ ዝሓለፈ መግዛእታዊ መዋእል መዳእታን፡ ናይ ዝበረቐ ሓዲሽ መዋእል ጥጡሕ ባይታን ንምዃን፡ ናይ ህዝብና ተስፋ ዓቢ‘ዩ ነበረ። ምኽንያቱ ህዝብና ሰላም፣ ምርግጋእ፣ ዲሞክራስን ክብረትን ይብህግን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ነዊሕ መዋእላት ንዋታውን ንያታውን ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ተቑሪኑ ዝጸነሐ ሃገር ብኩለንትናዊ ዓቕሚታቱ ከሃንጾ ዓቢ ተቐራብነት ነበሮ።

ኮይኑ ግን፡ በሓቲ መርሆ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ጻውዒት ሃገራዊ ዕርቅን ስልጣን ንህዝቢ ምርካብን ብምንጻግ፣ ፖለቲካዊ ውሳኔ ብምብሓት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ድልየቱ ብምጽዓን፣ ብሓዲሽ መልክዕ ኣዕኑድ ዲክታቶርያዊ መርሆን ኣሰራርሓን ብምትካል፡ ከም መቐጸልታ መግዛእቲ ክኸውን ብምድላይን፡ ንሃገርና ናብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ብምቕያርን፡ ናይ ህዝብና ተስፋ ምቊራጽ ዝዓበየ ኮኑ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደት ከባቢታትን፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ኣሰቃቒ  ህይወትን ሃገርና ትሓልፎ ዘላ ጠቕላላ ሃገራዊ ቅልውላው፡ ናይ‘ቲ ህላዊ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግጉይ ምሕደራ ቐጥታዊ ውጽኢት‘ዩ።

ስለ‘ዚ፡ ህያው ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምሕላው፣ ሓፋሽ ህዝብና ብዝኸፈሎ ኩቡር መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ናጽነት ንምዕቋብ፣ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕን ሰላምን ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ዘውሕስ ዲሞክራያዊ ቅዋማዊ ብዝሐ ሰልፋዊ ስርዓት ንምትካልን፡ ኩሎም ሃገራውያንን ዲሞክራስያውያንን ደቂ ሃገር  ዕቱብ ቃልሲ ንምክያድ ንጽውዕ። እዚ ድማ ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዝሰማምዑሉ መሰረት፡ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ገድላዊ ጸዓት ኣብ ዝተሓተ ሃገራዊ መድረኻዊ መደብ ዕዮ እንከይ ጠርነፍካ ክረጋገጽ ኣይክእልን‘ዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ዓጽረ ሞት ብጺሑ ይርከብ። ኣብ ሃገርና ተመኩሮ ሶማልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ብምድጋም ሕንፍሽፍሽን ምብትታንንን ንከይሰፍን፡ ህዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ከዕቍብ ዝኽእል መተካእታ ሓይሊ ኣብ ምምዕዳው ኢዮም ዘሎዉ።

ኣብዚ  ዕዙዝ ሃገራዊ ኣጋጣሚ‘ዚ፡ ምእንቲ‘ዚ ሎሚ እነጸምብሎ ዘሎና ሃገራዊ ናጽነት ዝፈትዎም ውላዱ ዝኸፈለ ጽኑዕ ህዝብናን፡ ኩሎም ተቓለስቲ ደቁን ክብ ዝበለ መጎስን ኣድናቖትን ይብጻሓዮ።

ከምኡ‘ውን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘቕነዐ ሓለንጊ ከይከውን፡ ሃገራዊ ዝናኡን ክብሩን ንምዕቋብ፡ ነቲ  ንሓደጋ ተሳጢሑ ዘሎ ሃገራዊ ልዑላውነት ንምዕዛዝ ኣብ ጐድኒ ጭቁን ህዝቡን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ክስለፍ ኣትሪርና ንጽውዕ።  

ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ትካላት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጌና ዘዓዩ ዘሎዉ እውን፡ ኣብ ጐድኒ‘ቶም ምእንቲ ድሕነት ሃገር ዝቓለሱ ዘሎዉ ሓይልታት ብምስላፍ፡ ኣካል ሃገራዊ ፍታሕ ብምዃን፡ ካብ‘ታ እትጥሕል ዘላ መርከብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ነፍሶም ከድሕኑ ንጽውዕ።

ዓወት ንቃልሲ ህዝብና ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን!!

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት!!

ክብሪን ዝኽሪን ንስዉኣትና!!

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ“ !!

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

24 ግንቦት 2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9654

Posted by on May 25 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net