ጋዘጣዊ መግለጺ

ሓምሌ 17, 2010

ኦታዋ

ቁጽሪ ሰነድ:       02/10

ጋዘጣዊ መግለጺ

ጋሳ ዝሰኣነ ህዝቢ

ህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ተቓሊሱ ናጽነቱ ክጭብጥ ከሎ ትምኒቱ ዝነበረ ብእፎይታ ኣብታ ዝፈትዋ ክብርቲ ሂያብ ስውኣት ሃገሩ ተሓቓቒፉ ክነብር ዝተሰደደ ዓዱ ክምለስ ጽሩይ ኣየር ከስተንፍስን እዩ ኔሩ እቲ ሕልሙ።ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣንጻር ናይቲ ኩሉ ሕልምታቱን ኣንጻር ፍረጻማ ቃልሱን ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝግደደ ሽግርን ሓሳረ መከራን ተሳጢሑ። ኣደዳ ማእሰርቲን መግረፍቲን ከኣ ኮይኑ። እታ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ከናግፋ ኢሉ ሂወቱ ዝኸፈለላን ኣካሉ ዝሰኣነላን ሃገሩ ንረብሓ ውሕዳት ጃንዳ ኮይና ምስተርፋት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝገደደ ናይ ሰላም ህውከት ክሳጣሕ ምስ ጀመረ ዝተወልደ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ዝመሃርን ዝዝምድን ከምኡ ከኣ ሰሪሑ መነባብሮኡን መነባብሮ ቤተሰቡን ክንዲዝኣሊ ባርያ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት  ኮይኑ ክነብር ምስተበየነሉ፡ ዝበልናካ ግበር ብዙሕ ዝስከም እምበር ብዙሕ ዝሓስብ ኣየድልየናን ስለ ዝኾነ እት መምሪሒኦም እታ ሓንቲ ኣማራጺ ኮይና ዝረኸባ ኩሉ ዓለም ይኹን ወዲ ሃገር ብኹፉት ዓይኒ ዝርእዮ ዘሎ ስደት ጥራሕ ብጭራ ቁረጽ ዝዓይነቱ መንእሰይ ዓዱ ለቒቑ ንስደት ከምርሕ ተገደደ።

እቲ ውጺኢቱ ከኣ እዚ ትማሊ ብዕለት 11 ሓምለ 2010 ኣብ ካምፓላ ኡጋንድ ዘጋጠመ ሽግር ኣብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለም ናይ መንእሰያትና መዓልታዊ ዕድል ወይ ተውህቦ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ክንብል ከሎና ካብ ካምፓላ ብሓደ ደቂቅ ክንድዚኦም ዝኾኑ መንእሰያት ክጠፍኡ ከለው ብድሕሪ ማዕጾ ኣብ ብዓል ግብጺ፡ ሊብያ፡ ከምኡ ኣብ ካልእ ቦታታትከ ክንደይ ዝኣክል ሂወት ኤርትራውያን ይሃልቅ ኣሎ ኢልካ ሕቶ ምስተልዕል ብዓሰርተ ዕጽፊ እዩ። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ግዋሳ ምስኣን ንጹር መንግስቲ ማሌት ሕጋዊ መንግስቲ ብሕጊ ዝምእዘዝ ስርዓት ስለዘየለ ወይ ስለዝስኣነ እዩ ናብዚ ዓቅሊጽበታዊ ውሳኔ ክኣቱ ዝተገደደን ዝግደድ ዘሎን። ሳዕቤኑ ከኣ ከምእንርእዮ ዘሎና ኣብ ፎቖድኡ ተበታቲኑ ከም ቶኽላ ዝኣተወን ኣባጊዕ ኮይኑ እርከብን ኣዚዩ ዘስካሕክሕ መሪር ሂወት እስሕን ኣሎ።

በኣንጻሩ ግን እቲ ግዋሳ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ ስርዓት ናይ ኣስመራ ግን ንዲቨርቲረ ወይ ንዕረፍቲ እዮም ዝኸዱ ዘለው ክብል ክሕጭጭን ከባጩን እርከብ።

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ካናዳ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ኣብ ኡጋንዳ መሪር ሓዘን እንዳተሰምዓና ንቤተሰቦምን ከምኡ ንኣብ ኡጋንድ ዘሎ ማሕበረሰ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ነቲ ዘይሰብኣዊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝተፈጸመ ከኣ ኣትሪርና ንኹንን።

እቲ ኣልሸባብ ዝተባህለ ናይ ግብረሽበራ መሳሪሒ ኣብ ልዕሊ እዞም ካብ ሞትን ሂልቂትን ከምኡ ማእሰርትን ከምልጡ ከም ኣማራጺ ስደት ወሲዶም ሰላማዊ ናብራኦም ኣብ ስደት ዘካይዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ግዳያት ናይ መጥቃዕቲ ንክገብሮም ከሎ ምልክት ናይ ፈርሓት ስርሒት ምኻኑ እዩ ንብል። ወይ ውን ኮነ ኢልካ በቲ ጃንዳ ስርዓት ህግደፍ ዝተወጠነ እውን ክከውን እኽእል። ከም ዝፍለጥ ስርዓት ህግደፍ ህዝቡ ኣብ ውሽጢ እኹን ኣብ ወጻኢ ቅሱን ሂወት ንከይ ህልዎ ናይ መዓልታዊ ስራሑ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ስርሒት እዚ ኢድ ክህልዎ እኽእል እዩ ዝብል ጥርጣሬታት እውን ነሕድር። ምክንያቱ ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ኤርትራውያን ቀሲኑ ስለ ዘይ ሓድርን ኣልሸባብ ተሓገዝቲ በቲ ስርዓት ብምኻኖምን።ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓት እገዳ ጌረን ከምዝነበራ ብሰንኪ ኢዱ ምስ ኣልሸባብ ኣእቲዉ ዝብል ከምዝነበረ እቲ ክሲ ከነዘኻኽር ንደሊ።

ስርዓት ህግደፍ ከም መንግስቲ መጠን ካብቲ ክገብሮ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ኣብ ኪንዲ ዜጋታቱ ክሕለቅን ክጋየን ብኣጋኡ ብዛዕባ መንነቶም ከረጋግጽን ስድራቤት ግዳያት ከጸናንዕን እዩ ዝነበሮ። ናይ ካልኦት ሃገራት ማሌት ኤምባሲታት ጉድኣት ዜጋታተን ክረድኣ ክጋየያ ከሎዋ ብኣንጻሩ ግን እቲ ስርዓት ነቲ ኣልሸባብ ባዕሉ ዝኣመነሉ መጥቃዕቲ ክሸፋፍን ፈቲኑ። ኣብቲ መጥቅዕቲ ኤርትራውያን ተጎዲኦም ክነሶም እቲ ስርዓት ግን ከም ሓደ ተራ ዜና ኣቅሪቡ ክሓልፎ ምፍታኑ እዩ። ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታትና ግን ሓላፍነት ወሲዶም ነቲኦ ኣብቲ ሓደጋ ግዳያት ዝኾኑ ኣሕዋትና ተጋየይሎምን ኣብ መንነቶም ምርግጋጽ ዓቢ እጃሞም ኣበርኪቶምን ምስ ሰበስልጣናት ናይ ቲ ሃገር ኮይኖም ሃገራዊ ሓላፍነቶም ኣመስኪሮም በዚ ቅዱስ ስራሖም ኣዚና ነኽብሮምብ ነመስግኖምን።

ከም ዝበልናዮ እቲ ስርዓት ካብ ሓላፍነትን ስራሕን ናይ መንግስቲ ሪሒቑ እነብር ኣሎ።

ካብቲ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ከኣ ጽባሕ ብዛዕባ ኩሉ ኸልበትበትን ዕንወትን ግስርጥናን መን ክኸውን እዩ ተሓታቲ?

ኣብ መጨርሻ፡ በቶም ናይቲ ኣረሜናዊ ተግባር ግዳያት ዝኾኑ ኤርትርውያ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃ መንእሰያት ኤርትራ ካናዳ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ንስድራቤቶም ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ካብዚ ኡጋንዳ ዘጋጠመ ፍጻሜ ዝተዓዘብናዮ ነገር እንተሃልዩ ህዝቢ ኤርትራ ሓላይ ከም ዘይብሉ ግዋሳ ዝሰኣነ ህዝቢ ከምዝኾነ እዩ።ንሕና ኤርትራውያን ክሳዕ መኣስ ኢና ኣማዕዲና ክንዕዘብ ህልቂት መንእሰያትና? ኣብ ስደት ንነብር ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ሕጂ እዩ እቲ ግዜ ብሓባር ኮይንና ድምጽና ነስምዓሉን ስቓይ መንእሰያትናን ህዝቢናን ይኣክል ንብለሉ ምናልባት ጽባሕ ናይ ታሪኽ ተሓተቲ ከይንኸውን።

eygmcanada@yahoo.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=970

Posted by on Jul 27 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net