ጕዕዞ ኤርትራውያን ንጅነቭ ን2. ዕላማ

  1. እቶም ሰብ ሕልና ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ሰሪዖም፣ ሕድሪ ሰማእታት ሰኒቖም፣ ሓበን ኣቦታቶምን ኣያታቶምን ተዓጢቖም፣ ንህዝብን ሃገርን ክጣበቑ ኢሎም ንዕለት 26 ሰነ 2015
  2. ሕልና አልቦ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከአ፡ ሞት ምስ ኢሰያስን ጕጅለኡን ከም ዕላም ወሲዶም አብ ልዕሊ ህዝቢግዱድ ውሳኔ ንኽትግብሩ ንዕለት 20 ሰነ 2015

 

ትርጕም ናይዚ ክልተ ጕዕዞታት ሰላማዊ ሰልፊ ኢዩ፤ መጸውዒኡ ከምኡ ጕዕዞ ሰላማዊ ሰልፊ ንጅነቭ ኢዩ፤ ይኹን ድአ‘ምበር ን2ተ ነንበይኑ ዕላማታት ኢዩ።

እዚ አብ ጅነቭ ዚካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ንመሰል ኤርትራውያን ዚገፍፍ ዘሎን፣ ንሃገርና ናብ ዘይህላውነት ዝነቍት ዘሎን ስርዓት ህግደፍ – ማለት ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ቀንዲ መጋበርያኡን – ዝቃወምን ዝዅንን ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።

ነቶም ንሰብኣዊ መሰላት መሰል ደቂ-ሰባት ዚጣበቑን ዚሕለቑን ዘሎዉ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፣ ኣህጕራዊ ማሕበራትን፣ መንግስታትን፣ ከምኡ ድማ ህርኩታትን ግዱሳትን ኤርትራውያን አሓትን/ኣሕዋትን ንዅሉ‘ዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ህርኩት ስራሕ ዕዉት ንክኸውን እምነ፤ ንኣበርክትኦም ድማ መጎስ ክብል እፈቱ።

ብሓቂ እዚ ናይ መሰላት ደቂ-ሰባት ዕላማታት‘ዚ ነቶም ትጽዕሩ ዘሎኹም ንበይንኹም ዚምልከት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዅሉ‘ቲ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን፣ ንሕብረት ኤውሮጳን፣ ንሕበረት ኣፍሪቃን፣ ንሕብረት ዓረብ-ሊግን፣ ንዅሉ መሰላት ደቂ-ሰባት ዚግደስ ማሕበራዊ ትካላትን ንውልቀ-ሰባትን ይምልከት። ብዓቢኡ ድማ ንዓና ነዞም መሰልና ተረጊጹ ዘሎ ኤርትራውያን፣ ካብኡ ሓሊፉ ደማ በልማማ ንኵላትና ኤርትራውያን ዜጋታት፣ ጸረ‘ዚ ንመሰል ህዝብና ዚረገጽን ዚግህስን ዘሎ ስርዓት ሓቢርና ክንምት፣ መኪትና ድማ ነቲ ዚጽንት ዘሎ ህዝቢ ከነድሕን ብቀዳምነት ከም ዚምልከተና ክዝንጋዕ አይምተገብኦን። የግዳስ ከምቲ ምስላ ኣቦሓጎታትናን ወለድናን ዚብሎ፡- „ከስዐ‘ደ ጕራ-ጉራ“  ኢዩ፤ ከምኡ ክንዲ ዚኾነ ከአ ጕዕዞናን እቲ እንገብሮ ዘሎናን ዚምስክሮ አብ ባይታ ዘሎ ሓቂ‘ዩ። እዚ ማለት ግና ናይ ህዝብናን ሃገርናን ጕዳይ ንኵላትና ስለ ዘይብጽሓና ወይ ዘይትንክፈና ዘይኮነስ – ይብጽሓናን ይትንክፈናን እንሃለወ – ገለ-ገሌና ፈሊጥካ ምስቃጥ ስለ ዝመረጽና ምዃንና አሉ ዘይባሃሎ ጭቡጥ ነገር‘ዩ። ከም ዘይሳሓት ግና ዚሓለፈ ታሪኽናን ተግባራትናን ብታሪኽ ስኑድ‘ዩ፤ ሎሚ ዚግበር ዘሎ‘ውን ከምኡ  ከከም ሓቁ አብ ኤርትራዊ ታሪኽ ክሰፍር‘ዩ። ስለዚ ካብ ዓይኒ ታሪኽ ዚኽወል ከም ዘየሎ ኣስተውዒልና ጕዕዞና ብኣጋ እንተ-ኣታዐራሬና ይሓይሽ። ከም ዚሓለፉ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዚወረዱ መረርቲ ቃልሲታትን ብድሆታትን ናይ ሊሚ ህልቀታትን ሓሳረ-መከራን እንተኰኑ‘ውን ብቃልሲ ክሳዓሩ‘ዮም። እሞ ንኵላትና ኣሕዋትን/ኣሓትን ደቂ‘ዛ ሓላል-ሃገር፡ ካብ ጽባሕ-ንግሆ ዚመጽእ ተሓታትነትን ሕማቕ ታሪኽን ነብስና እንተድሓና ስለዚሓይሽ፡ ኣንዊሕና ክንጥምት፣ ማለት ንዲክታቶርን ጕጅለኡን መኪትና ህዝብና ከነድሕን፣ ሰዓቱ ሎሚ‘ዩ ምበልኩ ኣነ። ዳግም አብ ቅድሚ ዓለም ታሪኽ ክንሰርሕ፣ ማለት ነዚ አብ ውሽጢ 20 ዓመት ዘይኣክል ካብ ጥርዚ ጎቦ ናብ ጕድጓድ ኣንቆልቊሉ ዘሎ ቅያ ሰውራናን ስዉኣትናን ከንሐድሶ ሃየ ብሓባር ንልዓል!

ንሕና አብ ወጻኢ ሃገራት እንርከብ ኤርትራውያን ኢና ነቲ ከይዛረብ ብኣፉ ተታሒዙ ዘሎ ህዝብናን ብኣማኢት ኣስሓት አብ ኮንቴነራት አብ ትሕቲ-መሬት ሰፊሩ ዘሎ ፖለቲካዊ-ዜጋናን ክንዲ ዓይኑ-ዓይኒ ክንዲ ልሳኑ-ኣፍ ኴና ክንዛረበሉን ክንምክተሉን ዘሎና፤ ስለዚ ሃየ ሎሚ‘ውን ከም ትማሊ ዕጥቅና ሸጥ ነብል!

አወ፣ እዚ ዚተባህለ ጻውዒት ብፍላይ ነቶም ሕልና-ኣልቦ፣ ነቶም ሕልንኦም ዘዕረቡን ዚደቀሱን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ-ሃገር ካብ ድቃሶም ንኽባራበሩ/ራ ዚጠልብ ኢዩ።

አስዒበ‘ውን ነቶም ዛጊት አብ ቃልሲ ዘሎና፣ እወ፡ ነቶም አብ ደንበ ተቓውሞ አሎና ንብል፣ ከም ደለይቲ ለውጢ‘ውን እጃምና ንገብር አሎና ንብል …ወዘተ፣ አብዚ መዳይ‘ውን ኣነ ርእሰ-ውከሳ የድሊ‘ሎ ምበልኩ። ንኣሰራርሓናን ኣከያይዳናን ብምግምጋም ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ቅኑዕ ትሕዝቶን መንፈስን ምሓዝ የድሊ‘ሎ። ቅድምያታትና ነተዓራሪ፤ ከመይሲ አብ ዘሎናዮ ግዚያትን ኵነታትን ብዘይካ ንጕጅለ ህግደፍ – ከም ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ መጠን – ሓቢርካ ምምካት ካልእ አብ ቅድም ዚስራዕ ዋላ ዚኾነ ይኹን ነገር የሎን።

አብዚ ጕዳይ‘ዚ ክተኵረሉ ዝደልን ክስምረሉ ዝግባኣንን ነገር አሎ። ማለት ሎሚ ከምዚ ኣጋጣሚ ስለ ዚተረኽበ‘ኳ ዘይኮነስ ብዓንተብኡ‘ውን ናትና ዋኒንን ዕማምን ስለ ዚጽንሓ፣ ኵነታት ሃገርን ህዝብን ከአ ሕጂ‘ውን ገና ፍታሕ አብ ምንዳይን  አብ ዚኸፍአ ጥርዙን ብምህላዉ …ወዘተ፡ ብዘይ ዋዓል-ሕደርን ብዘይውልውልን ንክንቃልስ መድረኽ ይጽውዕ አሎ። ብፍላይ ኣንቱም መንሰያትና፣ ተካእቲ ወለዶና ንስኹም ስለ ዚኾንኩም፣ ንስኻትኩም ኢኹም ናይ ሎውጢ ሓይሊ‘ሞ ብሓድነትኩም ንህዝቢኹም አበሽርዎ። ስለዚ ድማ ቀንዲ ኣትክኵሮ ዚግበረሉ፡ ናታትኩም ሓድነትን ጥምረትን ኢዩ‘ሞ አብ ቀዳማይ ደረጃ ንክትሰርዕዎ እምሕጸነኩም፣ ተስፋ‘ውን አሎኒ። ነዚ ጠስጢሱ ዘሎ ስርዓት ህግደፍን መጋበርያኡን ካብ ሱሩ ምሒኹም ብህዝብኹም ራህዋን መስተርሆን ከተልብሱን ታሪኽ ከተሐድሱን፣ ብኡ መጠን ከአ ንናይ ጽባሕ ብልጽግትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ፍትሓውን ቅኑዕን ኣንፈት ከተትሕዙ መድረኽ ይሓተኩም አሎ። ንስኻትኩም ሓድነትኩምን ቅሩብነትኩምን አመስክሩ፣ ዚተረፈ „ናይ ቀውዒ ጕዳይ ብምዃኑ“ አብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሓውኩም ክልዓለሉ‘ዩ፣ ንኵላትና ብዘርዊ ክዛዝሞ ከአ‘ዩ። ተወፋይነት ካባና ካብ ወለዶ ሰውራ፣ ሓድነት ድማ ካብ መጽናዕትኩምን ተወሳኺ ናይ ባዕልኹም ኣስተብህሎን ውሰዱ።

ምሉእ ሓላፍነት ከም ትርከቡናን ብዓወት ከም ተሰንይዎን ተመክሮይን ሕልናይን ይደፋፍአኒ‘ሎ!!!!!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ዓወት ንደለይቲ ዲሞክርስያን ፍትሓዊ ለውጥን!

ውድቀት ንዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍን መጋበርያኡን!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!

ካብ ሓውኹም

ፍሻለ ገ/እየሱስ

ሃገረ-ጀርመን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9705

Posted by on Jun 23 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net