ወይ`ዛ መንበር

ትዕዝብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጂነቫ ብፍረወይኒ ሃብተማርያም

በርሊን፡ 29.06.2015

Broken Chair

ዕለት 26.06.2015 ነፋሪተይ ኣንጊሃ ጂነቫ ስለ ዘብጽሓትኒ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስትታት ብኣጋ በጺሐ። ተሰለፍቲ የሕዋት ብጾተይ ገና ኣብቲ ቦታ ኣይበጽሑን ኔርም፡፡ ብዘይካ ንስራሕ ክኸዱ ብቕጽበት ዝስግሙ፡ ገለ ድማ ኣጋይሽ መሰልቲ ሰኣልትን ተስኣልትን፡ ሰብ ኣይነበረን። ቀልጢፈ ድማ ኣብዚ ነጻ ቦታ ነዛ መንበር ተገንዘብኩ፡ ትርጉማ ክግምት ውን ፈቲነ።

በቲ ዝነበርኩዎ ቦታ ሙሉእ  ኣእጋር ዘለዋ ድልድልቲ መንበር ትመስል ነበረት፡፡ እናቐረብኩ ምስ ከድኩ ግን እታ መንበር ሓንቲ እግሪ ዝጎደላ ከም ሙኻና ተዓዚበ። ደጊመ ውን ብትርጉም እቲ ዕብየታን፡ ቆራጽ እግራን ብዙሕ ተመራሚረ። ኣብቲ ሓበሬታ „ሰባር መንበር“ („BROKEN CHAIR“) ዝስማ ሃወልቲ ኮይና ረኸብኩዋ። ለበዋ ፈንጂ ንዝሰርሑ ሃገራት፡ ማለት ስጋብ ክንደይ እቲ ዝሰርሕዎ ፈንጂ ሰላማዊ ህዝቢ፡ ማለት ቆልዓ ሰበይቲ ዝጎድእ ከም ሙኻኑ ዝምህጸን፡ ካብ ምስርሑን፡ ኣብ ውግኣቶም ካብ ምጥቃምን እውን ንኽቑጠቡ ናይ ለበዋ ሃወልቲ እያ። ቤት ምኽሪ ሕቡራት መንግስትታት፡ ህዝቢ ዓለም ብዙሕ ጥርዓናቱ ዘቕርበሉ ደብሪ ኮይኑ ውን ተሰምዓኒ።

 

 

Broken Chair 2

 

ንውጹዕ ህዝብና ከነእውየሉ፡ መንግስትታት ዓለም ኣድላዩ ዝኾነ ስጉምትታት ንኽወስዱ፡ ንነዊሕ ግዜ ካብ ዝተፈላለየ ዓንኬላት ጥርዓናት ክሕበር ጸኒሑ እዩ። 2015 ግን ሓዳስ መድረኽ ዝፈጠረት ትመስል። ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ሰድት፡ እሞ ብዙሕ ናይ ሂወት ዋጋ እናተኸፈሎ፡ ንሃገራት ኦይሮጳን/ ዓለምን ተጓሊሑ ተራእየ። ኣውያት ግዳያት፡ ብቛንቛ ውጻእ-መዓት ተብዓት መናእሰይ ኣሓትን ኣሕዋትን ተገሊጹ። መብዛሕትኦም ግዳያት፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ነኣሽቱ ዝነበሩን፣ ገለ ውን ብድሕሪ ነጻነት ዝተወልዱ  ክነሶም፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ባርነት ኣገልግሎት፡ ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም፡ መሳትኦም ኣብ መንገዲ፡ ብሕጻ ክድበዩ፡ ብሸፋቱ ክጭወዩን ክግፍዑን፡ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉን ርእዮም ስለዝኾኑ፡ ዝረኣይዎን ዝወረዶምን ተቢዖም ተንቲኖም  ጸብጻብ ብምቕራብ ንእከይ ተግባራት ውልቀ መላኺ ኣቃልዕዎ፡። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘሕለፍዎ ሽግር ኣብ ገጾም ዝርአ፡ ገና ዘየዕረፉን ዘይቀሰኑን መንእሰያት፡ ከም ማይ ውሒዞም ነዚ ቦታ ሰልፊ መልእዎ። ኣብ ጎኒ ኣብ ቃልሲ ዝጸናሕናዮም ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን፡ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ሰጢሞም  ነቲ „innovating together 2015“ (=ን2015 ሓቢርና ብራኢ ንምርሓያ“) ዝብል ኣቐዲመ ዝተገንዘኩዎ ጭረሖ ቤት ምኽሪ ሕቡራት መንግስታት፡ ብተግባር ኣርኢናዮ። ዓቢ ምስ ንእሽቶይ፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓደስትን ገዳይምን፡ ጎኒ ንጎኒ ብሽም ፍትሓውያን ተሰሊፍና፡ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ የብቅዕ! ብማለት ደገፍቲ ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መርማሪት ሽማግለ ሕቡራት መንግስትታት  ከም ሙኻና ንዓለምን ኣቃሊሕና።

ኣብዚ ንእግረ መንገደይ ዝተዓዘብኩዎ እንተሎ፡ እታ „ሰባር መንበር“ ብዝሒ ጎበዝ ተሞርኪሳ ድልድልቲ መንበር መሲላ ተራእየት። እንደገና ውን ነቲ ኣብ መጀመርያ ዝነበረኒ፡ ነዛ መንበር ዝምልከት ሓሳበይ ተዘከረኒ።

Broken Chair 3

ነዛ መንበር ብዝተፈላለየ ኩርናኣት፡ ብቕድሚትን ብድሕሪትን እንተተገንዘብኩዋ ውን፡ ኣብ ገለ እዋን፡ ወላ ውን ብዝሒ እቲ ሰልፈኛ ነታ ጎዶሎ እግራ ክኽውሎ ኣይክእልን ነበረ።

 

 

Broken Chair 4

ቀጺለ ውን ኣብቲ ዋና ጭርሖታት ኣተኮርኩ። ንሱ ድማ ንጹርን ተሪርን ነበረ። „ይኣክል! ውልቀ መላኺ ኢሳያስ የልግስ“ ዝብል ኩነና ስጋብ፡ „ኢሳያስ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍረኢ ገበናት“ ይቕረብ ዝብል ብብዝሒ ይርአ ነበረ። ምስኡ፡ ነድርን ናህርን ዝመልኦ፡ ብስነስርዓት ዝተሰነየ ተቓውሞ ንህግደፍን ተደናገጽቱን፡ ብኣንጻሩ ደገፍ ንጸብጻብ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ሕቡራት መንግስትታት ይርአን ይስማዕን ነበረ። ገዳይም ተቓለስቲ ብዝሒ መንእሰይ ብምርኣይ፡ መንእሰይና ድማ ንገዳይም ተቓለስቲ ብምርካቡ፡ እቲ ሰልፊ ንቕድሚት መልእኽቱ እና ኣቕረበ፡ ኣብ መንጉኡን ኣብ ነንሕድሕዱን፡ ብፍቕርን ሰላምን ዝተሰነየ፡ „ይርእየካ/ኪ ኔሬ ሎሚ ግን ኣለልየካ/ኪ፡ ይሰምዓካ/ኪ ኔሬ ሎሚ ግን ተረዲአካ/ኪ“ ዝዓይነቱ ንይ ናፍቖት ሰላምታ ኣብ ነንሕድሕዱ የቕርብ ነበረ። ሓደ ካብቶም ኣጋይሽ መንእሰያት ኣቐዲመ ኣብቲ ናይ ሰልፊ ቦታ ዝረኸብኩዎ፡ ኣነ ጋሻ እየ፡ ዝፈልጦ ሰብ የብለይን በለኒ። ኣይምሰልካ፡ ብዙሓት ኣብዚ ውን ንበይኖም እዮም ጸኒሖም፡ ሕጂ እዮም ዝላለዩ ዘለዎ፡ ኣይትሕፈር ኣይትፍራሕ፡ መሳቱኻ ተላለ ኢለ ኣተባቢዐዮ። እና ክንራኸብ ውን ብፍሽኽታ ተዛሚድና ውዒልና። ናብቲ መአከቢናን መራኸቢናን ፓርክ ዝመርሓና መንእሰይ እውን ኮምኡ ጋሻ መንእሰይ እዩ ዝነበረ፡ ድሮ መጺእካስ፡ ድሮ መሪሕካ መንገዲ ኣርኢኻና ኢለ ውን እናሰሓቕኩ ኣመስጊነዮ። ኮምኡውን ብፓል-ቶክ ዝፈልጠኒ ዝነበረ ገዲም ተቓላሳይ፡ ክዳውንቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንዘለዉ ኣሕዋትና ሒዙ፡ ምሳና ናብቲ ፓርክ ከደ፡፡ ብኣውቶቡሳት ካብ ርሑቕ ዝተጓዕዘ ህዝቢ ኣብኡ ተኣኪቡ ምስ ጸንሓና ሓጎስና ወሰን ኣይነበሮን።

 

 

Broken Chair 5

ሓደ ሰብ ዝፈልጦን ይመስለኒ ግን ንሱ ድዩ፡ በየን ደኣ መጺኡ ዝበልኩዎ፡ ሓጋዚ ውጻእ-መዓት መንእሰያትና ኣብ ግብጺ/ሳይናይ ንዝሞቱ ውን ናይ ክብሪ ሓመድ-ድበ እናገበረ ናይ መንነት ወረቐቶም እናኣከበ  ዓቢ ኣበርክቶ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገበረ ሓምዳይ ኣል-ዓዛዝይ ተላለኽዎ። ብንእሽቶይ ዓቕመይ ውን ብኽብሪ ኣመስጊነዮ። ናብ ሰልፍና ኣብ ዝመራሕናሉ፡ ናብዚ ዘብጽሑና፡ ንውልቀ መላኺ ዝነቕነቑን ዘውደቑን፡ እንቢ ኣይንምእዘዘካን ኢሎም መሰል ናይ ሂወቶም ምምራሕ ክጥቀሙ ገዲፎሞ ዝወጹ፡ ሞት ብሞቱስ ኣብ ጉዕዞ ሓርነት ዝበሉ፡ እግሪ እግሮም ብልኡኻቱ ጌሩ ብዙሕ ገና ዘይተገልጸ ዕንቅፋታት ስርዓት ህግደፍ እናሰገሩ ዝመጹ እዮም። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓል እቲ ዝመረረን ኣጽማሚ ዝኾነ ኣውያትን ንዓለም ዘድመጹ ስዉኣትና እዮም። ምስኣቶም ዝነበሩ ውጻእ-መዓት መንእሰያትና ብኣድማዒ ኣገባብ ኣብ ጎንና ተሰሊፎም ክንርኢ ዝተሰምዓና ሓበን ወሰን የብሉን።  በዚ ምኽንያት ንኹሎም ኣብዚ ንኽንበጽሕ ግዲኦም ዘበርከቱ ዋናታትን ተሓጋገዝትን ምስጋና ይብጻሕኩም፡፡

 

 

 

 

Broken Chair 6

 

ካብዚ ትዕዝብተይ ጸሚቐ ኣብ መደምደምታይ ክብሎ ዝደሊ እንተሎ። እታ ብሕጂ ትድየብ መንበር ብህዝቢ ዘይተደገፈት፡ ብግዜን ሕግን ዘይተቐየደት ውን እንተድኣ ኮይና፡ ንኸደይበካ ዕድል ዘይሃብካዮ ህዝቢ፡ ግዚኡ ሓልዩ፡ ሓይሉ ኣደልዲሉ፡ ንኸውርደካ ዘይጽግሞ ሙኻኑ ዘይምዝንጋዕ። እቲ ተጻውደሉ ፈንጅታት ውን ብምንም ኣይክዓግቶን እዩ። ኣብ ትሕቲ መንበርካ ዘሎ ህዝቢ ንባዕሉ፡ ፈንጂ ውልቀ ምልክታትት ከም ሙኻኑ፡ ዘመስከርናሉ ዕለት ሰልፊ ጂነቫ ዕለት 26.06.2015 ኔሩ ክብል ይደፍር።

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ስልጣን ናትካ ሙኻኑ ኣሚንካ፡ ታሪኽ ከምዝምስክሮ፡ ኣብ መንበራትካ፡ ምስ ደየቡ ክወርዱ ዘይደልዩ፡ ብዘይ ሕጊ ዝነግሱ ከመጹ እንከለዉ ፡ ንስኻ ከም ህዝቢ ውን ተሓታቲ ከም ሙኻንካ ኣቐዲምካ ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ። እትቆጻጸረሉ ሕጊ፡ ዝቆጻጸራ ትካላት፡ ብሕጊ ዝምእዘዙን፡ ንህዝቢ ብግሉጽነትን ተሓታትነትን ሓላፍነትን ዘመሓድሩ መራሕትኻ ከተምጽእ፡ ዓቢ ዕዮ ገዛ ከብ ሰልፊ ጂነቫ ተሰኪምካ ተመሊስካ ኣለኻ!

ሕቶ፡

ነዛ ብህዝቢ ዝተደገፈት መንበር መን ተቢዑ ይስቀላ? ከም ቀደም ይመለክን፡ መንበር ይኽንበለክን እዩ ሎሚ!

ዝመርሑና ውፉያት ኣብ ዝመጹሉ ግዜ ድማ፡ ከገልግሉና ሙኻኖም እንተድኣ ቀይድን ሕግን፡ ኣሰኒና ኣምጺእናዮም፡ ብዘለና ዓቕሚ ክንተሓባበሮም ክንበቅዕ ኣለና። ደገፍ ህዝቡ ዘይብሉ ክውክልን ክመርሕን ስለ ዘይክእል። ዝምድና ህዝብን መራሕቱን፡ ብሕግን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ሓላፍነትን ዝተሰነየ እንተድኣ ኮይኑ፡ ዲሞክራሲ ከይደቀስካ ለይትን ቀእርን ዝስርሓሉ ዓቢን ከብድን ሓላፍነት ሙኻኑ፡ ብምርዳእ፡ ኣብ ክንዲ ምትሕኑኻል፡ ብምክብባር፡ ነቲ ዝጽበየና ዘሎ፡ ህግደፍ ገዲፍዎ ዝኸይድ ዘሎ ስንኩል መንበር፡ ደጊፍና ከነደልድሎን ህዝብና ከንረድእን ከነቕስንን ክንበቅዕ ኢና።

 

Broken Chair 7

 

 

 

ዓበይቲ ምስ ነኣሽቱ ተራኺብካ ብጉዳይ ሃገርካ ክትዝቲ ዓቢ ጸጋ እዩ።

Broken Chair 8

ብሰላም የራኽበና!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9739

Posted by on Jul 1 2015 Filed under Articles, News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net