ብኣጻራዪ ኮምሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንዝወጸ ጸብጻብ

eudc

ኣመልኪቱ ብኤስደለ ዝተዋህበ ውድባዊ መግለጺ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ኣጻራዪ ኮምሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ በዓል 483 ገጽ ጸብጻብ ምቕራቡ ይፍለጥ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ዝቐረበ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ብግቡእ ብምውካስ፥

  1. ብፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ: ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ፡ ብውልቀን ብጅምላን ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጽም ከም ዝጸንሐን ዘሎን፡
  2. ብስም ሃገራዊ  ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን፡ ንጊላነት ዝዳረግ ግህሰት ምዃኑ፡
  3. ኤርትራ ኣብ ግሉጻትን ስውራትን ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተዳጎኑ ብዙሓት እሱራት ዝርከቡላ ሃገር ምዃና፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዘሰቅቑ ናይ ምርመራ ሜላታት ከም ዝግበር፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡሉ ኩነታት ዘይምህላዉ፡ ፍትሒ ግዝኣተ-ሕግ ዘይብላ ሃገር ምዃና፡
  4. ብሓፈሻ ኤርትራ፡ ሰፊሕ፣ ዝተራቐቐ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝካየደላ ሃገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሕጊ ዘይኮነስ፡ ብፍርሒ ተሸቁሪሩ ዝግዛኣላ’ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት (Crime Against Humanity) ዝፍጸመላ ዘሎ ሃገር’ያ ክብል’ውን ጸብጺቡ።

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)፡ እዚ ብመርማሪ ኮምሽን ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓትን ዘስካሕክሑን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብቁም-ነገሩ ቅኑዕ ጸብጻብ ምዃኑ ይኣምን። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሒዙ ንክርመስ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ግህሰታት፡ እቶም መሰረታዊ መግለጺታቶም፡ እዚ ብመርማሪ ኮምሽን ቀሪቡ ዘሎ ሰፊሕ ጸብጻብ’ዩ። ስለዚ ኤርትራዊ  ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ንመርማሪ ኮምሽን ከኣ ብፍላይ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝወርዶም ዘሎ ህግደፋዊ መዓት ግቡእ ኣድህቦ ብምሃብ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ ብምቅራቦም፡ ዘለዎ ደገፍን ምስጋናን ከቕርብ ይፈቱ። ብእኡ ጥራሕ ከይተሓጽረ ድማ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመጠን’ቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ “ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት” ግህሰታት፡ ናብ ዓለም-ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ቀሪቦም፡ ናይ ኢዶም ንክረኽቡ ጻዕርታቶም ንክቅጽል ይጽውዕ።

ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ዕዉት ስራሕ’ዚ፡ ናይቶም ኣብ ጎኒ ጭቁን ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፎም፡ ጨካን ህግደፋዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕ፡ መተካእታ ዘይርከቦ ግዲኦም ዝተጻወቱ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዝለዓለ ኣድናቆቱን ምስጋናኡን ይህቦም፡፡ ጥብቅናኩም ንህዝቢ ዘረጋገጽኩምሉን ዝተዓወትኩምሉን ዓውዲ’ዩ እሞ፡ “ሓበን ይሰማዕኩም” ድማ ይብል። ሓርነታዊ ሰውራ ኤርትራ፡ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ናይ ዕንክሊል ዓንኬል ወጺኡ፡ መድረኽ ንዝሓቶ ዘሎ ዕማም ዝበቅዕ ማኣዝን ንክሕዝን፤ ንብሩህ መጻኢ ናይታ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ትህነጽ ኤርትራን መሪሕ ግደ ህዝባዊ ምሁራት መተካእታ ስለዘይብሉ፡ እዚ ሕጂ ተነዓዒቡ ዘሎ ርሱን ተሳትፎ ምሁራትና ናብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ ንክብርኽ፡ ሎሚ’ውን ከም ኩሉ ግዜ፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) መጸዋዕትኡ የቕርብ።

ዝኸበርኩም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምዑታት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ዘተሓሳስብ ተረኽቦ ምዃኑ መስኪሩ’ዩ። ብግብሪ’ውን ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ብተነጽሎን ብሕትውናን ክኽርድድ ከሎ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ኣብ ጎኒ’ቲ ጭቁን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዘምስከረ ታሪኻዊ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ።

ነዚ ሓቂ’ዚ ብግቡእ ብምግንዛብ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ እትርከቡ ምዑታት ደለይቲ ለውጢ ህዝብታትና፡ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለኩም ደገፍን፡ ኣብ ልዕሊ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ዘሕደርኩሞ መሪር ቁጠዐን ብማዕበላዊ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ንዓኻትኩም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣፉ ተለጒሙን፡ መሓውሩ ተቐይዱን ዘሰቅቕ ሂወት ዘሕልፍ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብታትና ዝውክል ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ደገፉን ኣድናቖቱን ይገልጽ።

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) እዚ ሰለማዊ ሰልፍታት’ዚ፡ ብናይ ሓደ መዓልቲ ማዕበላዊ ቁጠዐ ክሕጸር ኣይግባእን ይብል። ንገበነኛ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣብ ቅድሚ ዓለም-ለኻዊ ቤት-ፍርዲ ጠጠው ብምባል፡ ዲኖ ህበይ ተኸዲኖም  ንፍትሒ ክንብርከኹን ንዝፈጸምዎ ገበናት ዝምጥን ፍርዶም ክረኽቡን ዝድርኽ ቀጻልነት ክህልዎ የድሊ ይብል። ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ካብ’ዚ ኣትዮሞ ዘለዉ ዓዘቕቲ ብምውጻእ፡ ኣብ መንገዲ ሰላም፣ ደሞክራስን ልምዓትን ንክግስግሱ፡ ካብ ቅልጽም ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ወሳኒ ረቛሒ ከምዘየሎ ውድብና ኣጽኒዑ ይኣምን። ሓፋሽ ህዝብታትና፡ በዚ ወሳኒ ናይ ለውጢ ዓቕሞም ኣቢሎም መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ድማ፡ ኣብ ጎኒ ብቑዕ መሪሕ ውድብ ተጠሚሮም ምስ ዝቃለሱ ምዃኑ፡ ርእሰ-ግሉጽ ሓቂ’ዩ፡፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) መስመር ሓፋሽ ጨቢጡን ኣብ ጎኒ ሓፋሽ ተሰሊፉን ነዚ ኣገልግሎቱ’ዚ ንክህብ: ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ቁሩብ ምዃኑ ከኣ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ ከረጋግጽ ይፈቱ።

 

ሞት ንስርዓት ህግደፍ!

ዓወትን ፍትሕን ንህዝብታት ኤርትራ!

ቤ/ጽ ዜናን ባህልን ኤስደለ

07 ሓምለ 2015

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9756

Posted by on Jul 8 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net