ሕወሓት ነቲ ኣብ ጊዜ ሰውራ ኤርትራ ብደም ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዓቂብዎ’ዶ ኣሎ?

ታሪኽ ከም ዘለዎ ይዕቀብ’ምበር ኣይቅየርን፡ ኣይጽገንን፡ ኣይኩሓልን፡  ኮታ መድረኽ ምስ ተቐያየረ ንኣኻ ክጥዕመካ ኢልካ ነቲ ኩነተ ሓቂ ቀይርካ ካልእ መዝገብ ታሪኽ ክትደርስ ኣይትኽእልን፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ግን ኩሉ ተቐያይሩ ኢዩ፡ ታሪኽ ተበሪዙ፡ ኣሽንኳይ’ዶ ናይ ጎረባብትኻን ፈተውትኻን ጅግንነትን ቅያን ሓቀኛ ታሪኽን ይትረፍ ናይቶም ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝወጹ ጀጋኑ ኤርትራውያን ሓቀኛ ታሪኽ’ውን ተደፊኑ ተሪፉ ኢዩ፡ ህግደፍ ዝሓለፈ 25 ዓመታት መዝገብ ታሪኽ ጀጋኑ ቀቢሩ ዘይወዓሎ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክደርስ’ዩ ምርጫ ወሲዱ፡ እዚ ዘሕዝን ናይ ታሪኽ ዘመን’ዚ ናብ ሓቀኛን ንቡርን መድርኽ ክንመልስ ኢና ስመርርር ንማሕበራዊ ፍትሕን ህዝባዊ ሓርነትን ኢልና ዝተደፍነ ታሪኽና ህያው ክንገብር ንቃለስ ኣለና፡ ፡ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብዛዕባ ህግደፍን መዝገብ ታሪኹን ኣይኮንኩን ክጽሕፍ ደልየ ዘለኹ እንታይ ደኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጎድንና ኮይኑ ንናጽነት ኤርትራ ብመትከል ኣሚኑ ዝተቓለሰ “ሕወሓት” ኢየ ርእይቶይ ክህብ፡

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣቶ ስብሓት ነጋን ኣምባሳደር ስዩም መስፍንን ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮ ኤርትራ ካብ ጊዜ ሰውራ ጀሚሩ ከመይ ነበረን መርገጺ ሕወሓት እንታይ ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ከብርሁ ሰሚዐ፡ ብወገነይ ንትሕዝቶ ቃለ መሕትቶም ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ እቲ ሓቂ ኣየናይ ኢዩ ኢለ ክግምግምን ርእይቶይ ክህብን ክፍትን ኢየ፡ ልክዕ’ዩ ታሪኽ ክንብርዝን ክንቅይርን ኣይንኽእልን፡ እዞም ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ እቲ ዝነበረ ታሪኽ ከምዘለዎ ኣቐሚጠሞ ኣለዉ፡እቲ ናተይ ስክፍታ ግን ብዛዕባ ሓቅነት ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይኮነ ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን መድረኽን ፖለቲካዊ እምነት ሕወሓት ድሕሪ ኩናት 1998 ኢዩ፡ ታሪኽ ሰውራ ወላ ህግደፍ ክቕይሮን ክኽሕዶን ይፈትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ግን ከቶ ክኽሕዶ ኣይክእልን ምኽንያቱ ብደም ጀጋኑ ደቂ ኤርትራን ትግራይን ተፈሪሙ ዝተሰነደ ታሪኽ ስለ ዝኾነ፡ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን “ደቂ ሓራስ ነብሪ ይብለና ኔሩ ህዝቢ ኤርትራ ንክሊቴና ተጋደልቲ ክርእየና ከሎ” ይብል፡ ፡  ልክዕ! ሓቁ ኢዩ፡ ኣብዚ ፍጹም ጌጋ የብሉን፡ ሕወሓት ብመትከል ንሰውራ ኤርትራ ደጊፉ ኣብቲ ክፉእ እዋን ኣብ ጎቦታት ኤርትራ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ኢዩ፡ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ብሉጽ ሂወት ከም ዝኸፈለ ታሪኽ ተሰኒዱ’ሎ፡ ብካልእ ወገን ከኣ እዞም ክልተ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ትግራይ ከምዘለዎ ኣቕሪቦሞ ኣለዉ፡ ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ከም ዝብሃል ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ትግራይ ንኽዕወት ደሙ ከምዝኸፈለ ብትብዓት ይገልጹ፡

እዞም ክልተ ዓበይቲ ሰባት ርክብ ኢትዮ ኤርትራ ብሰንኪ ተናኻሲ ባህርይ ሰበ ስልጣናት ኤርትራ ብፍላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምሕዝነት ክልቲኡ ህዝብታት ዕንቅፋት ኣጋጢሞዎ’ሎ ዝብል ምኽንያት ይህቡ፡ ንሶም ኣብ መግለጺኦም ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክትፍጠርን ካብን ናብን ዘሎ ርክብ ኣብ ንቡር ተመሊሱ ነቲ እንኮ ናይ ሓባር ጸላኢና ዝኾነ ድኽነት ብሓባር ክንገጥሞ ኢና ንደሊ ዝብል መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ፡ ቀጺሎም ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ብደቃ ኤርትራውያን’ዩ ዝረጋገጽ ድሕሪ ምባል ሓደ ሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ደርጉሖምሉ፡ ፡ ንሶም  ኤርትራ “መንእሰይ ዘይብላ ሃገር ኮይና ኣላ”  ክብሉ ተዛሪቦም፡ መንእሰይ ኤርትራ ጠቕሊሉ ንስደት ካብ ወጸ ደኣ እቲ ለውጢ ብመን’ዩ ክመጽእ ዝብል ሕቶ ጎስየሞ ሓሊፎም፡ ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክትፍጠር ኢና ንደሊ ክብሉ ከለዉ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንኽትፍጠር ሕወሓት እንታይ ዓይነት ኣበርክቶ ጌሩ ዝብል ሕቶ ፍጹም ኣይመለሽዎን፡ ነዚ ኢየ ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፈይ እቲ ብደም ዝኣተውዎ ቃልኪዳን ዓቂቦሞ’ዶ ኣለዉ ዝብል ሕቶ ዘልዓልኩ፡

ዝሓለፈ ታሪኽ ናይ ህዝባዊ ግንባር ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ’ዩ፡ ዝተሰነደ ታሪኽ ከኣ ቅርሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡ ሕወሓት ነዚ ሓቂ’ዚ ኣሚኑ ነዚ ኣብ ሚድያ ዝዝምርሉ ዘለዉ ሕውነት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽዕቀብን እቲ ብደም ዝፈረምሉ ሕውነታዊ ቃልኪዳን ክልቲኡ ህዝብታት ህያው ኮይኑ ክነብርን ምእንቲ ኣብዚ ንገብሮ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ዘለዎም ኣበርክቶ ክሳብ ክንደይ ኢዩ ክንድህስሶ መደረኽ ዝጠልብ ዘሎ ይመስለኒ፡ ልክዕ’ዩ መንጠሪ ባይታ ሂቦሙና ኣለዉ፡ ነዚ ክነመስግኖም ይግባእ ግን እዚ ዝብሃል ዘሎ መንጠሪ ባይታ ብውሕሉል ኣገባብ ተመድሚዱ ድዩ? ሃጓፋት የብሉን ድዩ? እምነትን መትከልን ሕወሓት ኣብ ናጽነት ኤርትራ ከም ቀደሙ ተዓቂቡ’ዶ ኣሎ? ጭርጭር ዓበደ ንጻወት ከይንህሉ ስክፍታ ኣለኒ፡ እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተቋውሞ ውድባት እንኮላይ እዚ ኣነ ዝድግፎ ምንቅስቓስ ስምረት እንታይ ኢዩ ስክፍታኻ ኢልኩም ክትሓቱኒ ትኽእሉ ኢኹም፡ ፡ለውጢ ዝመጽእ ብሓያል ተሳትፎ መንእሰይ ወለዶ ኢዩ፡ ዝሓለፈ 3 ዓመታት መንእሰይ ወለዶ ይአክል ባርነት ኢሉ ስመርርር ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብወገን ሕወሓት ነዚ ናይ መንእሰይ ዓርሞሽሞሻዊ ሓይሊ ዝገበረሉ ሓገዝ እንታይ ኢዩ ዝብል ሕቶ ክንምልስ ኣለና፡ ሕጂ’ውን ብወገነይ ኢትዮጵያ እንኮ መንጠሪ ባይታና ምዃና ጽኑዕ እምነት ኣለኒ፡ ብመትከል ዝኣምነሉን ከዐውተና ይኽእል’ዩ ዝብል ነቕ ዘይብል ኣምነተይ ኣብ ቦትኡ ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ብወገን ሕወሓት ብተግባር ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኣሎ፡ ንሕና ኣብ መሰረታዊ ለውጢ እንአምን ሓይልታት ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ዝምድና ኣብ እንካን ሃባን ሓባራዊ ጥቕሚ ዝተሰረተ’ምበር ምእዙዛት ጎረቤትና ኮይንና ምጽዋት ክንቅበል ከምዘይኮንና መሰረታዊ እምነትና ኢዩ፡ ሕወሓት ብወገኑ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር መሓዛ ህዝባዊ ግንባር(ህግደፍ) ከምዘይኮነ ብተግባር ከርእየና ይግባእ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ዝደልየሉ ዘሎ እዋን ብወገን ሕወሓት ተግባራዊ ሓገዝ ክገብር ድሉውነቱ ክሳብ ክንደይ ኢዩ? ህዝቢ ኤርትራ ሓገዝ’ምበር መዕቆቢ ኣይኮነን ዝደሊ ዘሎ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣሚኑ ሕወሓት ሓቀኛን ኣብ ሕድሕዳዊ ጥቕሚ ዝተሰረተ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ናይ ለውጢ ሓገዝ ክገብር ይግብኦ፡ እቲ ኣብ ሚድያ ዝገብሮ መብጽዓታትን መግለጺታትን ኣብ ባይታ ብተግባር ምስ ዝትግብሮ እቲ ቅድሚ ሓደ ዘመን ዝኣተዎ ቃልኪዳን ተዓቂቡ ከምዘሎ ከመስክር ይግብኦ፡ ህዝብን ሃገርን ኢትዮጵያ ብድኽምቲ ኤርትራ ዘይኮነ ብቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳይ ሓያልን ምዕብልትን ጎረቤት ኤርትራ ከምዘድልዮ ተረዲኡ ሕወሓት ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ሓቀኛን ልባውን ደገፍ ክገብረሉ መደርኽ ይጠልብ ኣሎ፡ ናይ ጽባሕ ምዕብልቲ ኤርትራ ንጎረባብታ ሓደጋን ጸላኢትን ዘይኮነት ሕጋዊ መንግስቲ ተኺላ ምስ ህዝባን ጎረባብቲ ህዝብታትን ብሰላም እትነብረሉን ባይታ ምፍጣር’ዩ ዝብል እምነት ናይ ህዝብን ሃገርን ኢትዮጵያ ክኸውን ኣለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም’ምበር ህኮት ኣይደልን፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍቅርን ሕውነትን ዝሕላገቱ ባህሊ ዝውንን ውርዙይ ህዝቢ ኢዩ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ዝኽሕዶ ኣይመስለንን፡ ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከምዝብሃል ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ህግደፍ ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ተፈላልዩ ይነብር ኣሎ፡ ነዚ መንደቕ’ዚ ክንኣልዮ ምእንቲ ስርዓት ህግደፍ ክእለ ስለ ዘለዎ ሕወሓት ኣብ ቃል ኪዳኑ ጸኒዑ ጉቡእ ሓገዝ ክገብር ንጽበዮ፡

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ክንገብሮ ዘለና ስራሕ አሎ፡ ሓድነት መሰረታዊ ሕቶ ጉዕዞና ኮይኑ’ሎ፡ ሽግርና ንካልኦት ክነላግበሎም ኣይግባእን፡ ዕዮ ገዛ ኣለና፡ ወላ’ኳ እቲ ዝግባእ ሓገዝ ንርከብ ሕቶ ሓድነት ክሳብ ዘይተመለሸ እቲ ዝድለ ለውጢ ክነምጽእ ከቶ ኣይንኽእልን፡ እንደልዮ ሓገዝ ብናትና ሓድነት’ዩ ዝውሰን፡ በበይንኻ ጉዕዞ ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ኣይሰርሐን፡ ነዚ ዝብሃል ዘሎ ሓርገጽ ኣብ ጎድንና ክነሰልፎ ናትና ሓድነት ወሳንን ክኸውን ዘለዎ መስርሕ ኢዩ፡ ኣብ ሓደ ተጠሚርና ውድብና ህዝብና’ዩ ክንብል እንተ ኪኢልና እቲ ንደልዮ ሓገዝን ሓቀኛ ለውጥን ኣብ ሓጺር ጊዜ ክዉን ከም ዝኸውን ፍጹም ጥርጥር የብለይን፡ ስመርርር ኢልና ህዝብናን ጎረባብትናን ኣብ ጎድንና ክንሰልፍ መድረኹ ሕጂ ኢዩ፡

ፍትሒ ይንገስ!!

ወልዱ ተኽለ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9768

Posted by on Jul 11 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net