ናብ ፌስቲቫል ደሞክራስያዊ ማሕበር መንእስይ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ዝቐረበ መልእኽቲ፣

eudc

ዝኽበርካ ኣቦ-መንበርን ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ግ.ሃ.ድ.ኤ.!
ዝኸበርኩም ኣባላት ደሞክራስያዊ ማሕበር መንእስይ ኤርትራ!
ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፌስቲቫል ካስል 2015!
ዝኸበርኩም ወክልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዕዱማት ኣጋይሽ!

ብቐዳምነት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፌስቲቫል ካስል 2015 ኣብ ፌስትቫልኩም ክንሳተፍን ውድባዊ መልእኽትና ከነሕልፍ ንዝገበረትልና ዕድመ ብስም ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ገድላዊ ምስጋናይ የቕርብ። ኣስዒበ ፌስቲቫልኩም ኣብ ኣገደስቲ ሃገራውን ህዝባውን ዛዕበታት ብምዝታይ ንቓልስና ዝሕግዙ ሓሳባት ኣጠናኽሩ ብዓወት ክዛዘም ዘለኒ ሰናይ ትምኒት ክገልጸልኩም እፎቱ።

ዝኸበርኩምን ዝኽበርክንን ተሳተፍቲ ፌስትቫል!
ፌስቲቫልኩም ዝካየደሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ኩነታት ህዝብታትናን ሃገርናን ክንርኢ ከለና፡ ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ እና ተኸተሎ ዝመጸን ዝቕጽሎ ዘሎን ኩሉ መዳያዊ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ተግባራትን ህዝብታትናን ሃገርናን ካብ ክሕልፍዎ ዝጸንሑ ሓደጋታት ናይ ፍርሰትን ጸገማትን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሖም ህዝብታትና ንስደት ከም ግዝያዊ መፍትሒ ናይ ጸገሞም ብምውሳድ ንኣሉታዊ ሳዕቤኖም ተሳጢሖም ሓሳረ መከርኦም ኣብ ምርኣይ ይርከቡ ኣለዉ።

በቲ ካልእ ገጽ ድማ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ፡ ናብ ኩሉ መዳያዊ ምድኻም ተቓልዑ ለኪሙ ናይ ምውዳቕ እከይ ተግባራቱ እናፈጸመ ፡ብሕብረተ ሰብ ዓለም እከይ ብህሪያቱን ተግባራቱን ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከም ዝኾነ ጭቡጥ ግንዛበ ኣብ ዝተታሕዘሉ ንቓልሲ ሓጋዚ ኩነታት’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ስለ ዝኾነ ፌስትቫልኩም ንጠንቂ ሓደጋታት ናይ ህዝብናን ሃገርናን፡ ኩሉ መዳያዊ ወጽዓናን ጸገማትናን ስደትን ምፍንቓልን ዝኾነ ስርዓት ህግድፍ ኣብ ምውጋድ ዝሕግዙ ሓሳባትን ውጥናትን ተማያይጡ ብዓወት ክዛዘም ዘለና ሰናይ እምነት ንገልጽ።

ዝኸበርኩምን ዝኸብርክንን ኣባላት ፌስቲቫልን ዕዱማት ኣጋይሽን!
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ህዝብን ሃገርን ካብ ውድቀትን ምብትታን ብምድሓን፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋዝጽ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልስና፡ ሕመቓትን ዘይምውህሃድን ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ፡ ብግንባራት ዝተወደቡ ካኣ ብፍላይ ህያው ብምህላዉ ዕድመ ፖለቲካዊ ስልጣን መንግስቲ ህግደፍ ንክናዋሕን፡ ጭቆናን ጸገማትን ናይ ህዝብታትና ክኸብድን፡ ቀጻልነት ክህልዎን ዝግብር ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት’ዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ ተቓዋማይ ሓይልና ካብዚ ዘርእዮ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ድኽመታትን ዘይምስናይን ተላቒቑ ካብኡ ዝሕተት ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ክገብር ንኽበቅዕ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ግልጽን ቀጻልነት ዘለዎን ናይ ምርድዳእ መድረኻት እናኸፈተ ክዛተን በቶም ዘራኽብዎ ዕላማታትን እምነታትን ተዳጋጊፉን ተዋሃሂዱን ክቃለስ፡ ናይ ህዝብታትና ሕሰመ-መከራን ስቓያትን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓላፍነታውን ግብራውን ዝኾነ ቃልሲ ከነካይድ መድረኽ ይሓተና ሰለ ዘሎ ንድሕነት ህብናን ሃገርናን፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ክንነጥፍ’ዩ ዝህልወና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ፌስቲቫል!
ህዝባዊ ቃልስና ብኣድማዕን ስሉጥን ኣገባብ ንከይሰላሰል ዝገብር ዘሎ ምኽንያት፡ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና ድኽመታትን ብስኒት ምቅላስ ዘይምብቃዕን ኣብ ኣቶምን፡ ኣብቲ ከበርክትዎ ዝግበኦም ናይ ቃልሲ ብጽሒትን ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። እንታይ ዳኣ ውጹዓት ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ደቀ-ኣነስትዮን ምሁራትን ድማ ብፍላይ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣካላት ሕብረተ-ሰብናን ካለኦትን ተወዲቦም ክቃለሱን ካብኣቶም ዝድለ ናይ ቃልሲ እጃም ከበርክቱ ኣብ ምግባር ዘርእዮ ዘሎ ድኽመታት’ውን ህልዊ ስለ ዝኾነ እዩ።

ስለ ዝኾነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልስና ብዘይ ውዱብ ተሳትፎን ኣበርክቶ ናይ ቃልስን ናይዞም ኣገደስትን ደረኽቲ ቃልስን ዝኾኑ ኣካላት እዚኣቶም ክዕወት ፈጺሙ ስለ ዘይክእል፣ ኣብ ጭቡጥ ኩነታትን ኣበርክተኦም ኣብ ቃልስን ዘጋጥሞም ዘሎ ወድዓውን በዓልቤታውን ጸገማትን ዕንቅፋታትን ናይ መንእሰያት፡ ደቂ-ኣነስትዮን ምሁራትን ኣመልኪቱ ተቓዋማይ ሓይልና ብዕምቆት ክዝትን፡ ነዞም ኣገደስቲ መሻርኽቲ ናይ ቃልሲ ዝኾኑ ኣካላት እዚኦም ኩሉ-መዳያዊ ጭቡጥ ናይ ቃልሲ ድጋፍ እናበርከተ ነብሶም ወዲቦም፡ ድኽመታቶምን ዘጋጥሞም ዘሎ ዕንቅፋታትን ብቓልሲ እናፈትሑ ኣብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ምርግጋጽ ደሞክራስያዊ ለውጥን ኣብ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ቃልሲ ካብኣቶም ዝጥለብ ልዑል ናይ ቃልሲ ተረኦም ክጻወቱ ኣብ ምብቃዕ ግቡእናን ሓላፍነትናን ስለ ዝኾነ ትዂረት ሂብና ክንቃለሰሉ ዘለና ዓቢ ናይ ቃልሲ ዕማምና እዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ፌስቲቫል!
ኣብዚ ግዜ’ዚ ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ብክልተ ኣገደስቲ ዛዕባታት ኢና እንጥቀስን እንልለን ዘለና። ንሳተን ካኣ ኤርትራውያን ብብዝሒ ንስደድን ብሓሳረ-መከራ ናይ ስደት ንሳቐን ምህላውና፣ ብሰኪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ከቢድ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያ መሰል ይካየድ ምህላዉን ዝምልከትን እዩ። ካብዚ ብህግደፍ ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም ዘሎ ወጽዓን በደላትን ዝብገስ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ኣንጻር ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ዘቕነዐ ንፍትሓዊ ቃልስና ብወድዕነቱ ዝሕግዝ፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኣብ ምስልሳል ይርከብ ኣሎ። እዚ ኣወንታዊ ቆላሕታ’ዚ ድማ ንእነካይዶ ዘለና መሪር ፍትሓዊ ቃልሲ ዘተባብዕ ኣወንታዊ ተርእዮ ስለ ዝኾነ፡ ብስሙርን ዝተወሃሃደን ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ብምክያድ ናብ ረብሓ ቃልስና ንምውዓል ግዜ ከይወሰድና ሃገራዊ ዓቕምታትና ወዲብናን ኣወሃሂድናን ከየምልጠና ክንቃለስ እዩ ዝህልወና።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ፌስቲቫል!
ተቓዋሚ ሓይልታትና መብዛሕትኡ ክበሃል ዝካኣል፡ ኣብ ናይ ዕላማ ይኹን መልክዕ ውደባ ፈልልይ ዘይብሉ ወደባን ውድባትን ተመቓቒሉ ይቃለስ ብምህላዉ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ወድዓውን ባዕላውን ድኽመታቱን ጸገማቱን እዚ መልክዕ ኣተሃላልዋ’ዚ እውን ኣብ ምድኻሙ ኣሉታዊ ተራ ዝጻወት ዘሎ ኩነታት ምዃኑ ኣቃሊልካ ዘይረኤ ድኹም ጐኒ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና እዩ።

ካብዚ ዓንቃፊ ኩነታት መልክዕ ውደባን ኣተሃላልዋን እዚ ተገላጊልና፡ ዝተወሃሃደን ኣድማዕን ሃገራዊ ሓይሊ ኮይና ክንቃለስ ክንበቅዕ እንተዳኣ ኮይና፡ እቶም ሓደን ተመሳሳልን ዕላማ ዘለና ውድባት ብዘተኣማምንን ውሕስነት ዘለዎን ደሞክራስያዊ መስርሕ ቃልሲ ኣቢልና ናብ ሓደን ዝተሓናፈጸን ውድብ ክንመጽእ ክንቃለስ ኣለና።

በቲ ካልእ ገጽ ድማ እቶም ኣብ መሰረታዊ እምነታትን ዕላማታትን ፈልልይ ዘለና ኣካላት /ውድባት/ ድማ ፍልልያትና ዓቂብና ብደሞክራሲ እናማሓደርና፡ በቶም ዘራኽቡናን ዘሰማምዑናን ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ዕላማታት /ነጥታት/ ኣብ ሓደ ሰፊህ ሃገራዊ ግንባር ዓሲልና ብሓባር ተወሃሂድናን ተደጋጊፍናን ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ህዝብን ሃገርን ንምድሓንን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ዓቲብና ክንቃለስ ከም ዝግባኣና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ናይ ቃልሲ ጸዋዒታ ከተመሓላልፍ ትፎቱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ደሞክራስያዊ ማሕበር መንእስይ ኤርትራ ኣብዚ ፌስቲቫል’ዚ ክንሳተፍን ውድባዊ መልእኽትና ከነሕልፍን ንዝገበረልና ዕድመ ደጊምና እናመስገና፡ ፌስቲቫል ብስኒትን ምርድዳእን ክዛዘም ዘለና ሰናይ ትምኒት ደጊምና ንገልጽ።

ውድቀት ንጸረ ህዝብን ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ!
ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!
ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደ.ግ.ሓ.ኤ)
ነሓሰ 07/08/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9845

Posted by on Aug 16 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net