ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝወጸ መግለጺ

eda
ሎሚ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጀግና ስውእ/ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተጅምረ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ህልው ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ መድረኽ ዝኾነት መበል 54 ዓመት ነኽብር ኣሎና፡፡ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ፍሉይነትን ተዘክሮን ዘሎዋ ዕለት ኮይና፡ ኣብ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ ዝሰግር መድረኽን ግዜን ዘይገትኦ ነባሪ ታረኽ ብምዃና፡ ጸገማትን ግርጭታትን ንምስጋርን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ነጻ ሃገርን ንምርግጋጽ መሰረት ዘንጽፍን ሃገራዊ ትልሚ ንምስራጽ ሞራላውን ንያታውን ድፍኢት ዝህብን’ዩ፡፡

ምኽነያቱ ንኩሉ መልክዓት ጭቆናን ምጽንባርን ምብርካኽን ወሳኒ ሃገራዊ መልሲ ዝሃብን ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ህዝባዊ ሰውራ ብምብጋሱን’ዩ። ስለዚ እዛ ዕለት ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉዕዞና ህይወቶም ዝኸፈሉ ስውኣትና ሕድሮም ተቐቢልና ንምፍጻም ሓቀኛ መምዘኒ ብምዃና ኣብ ህልው ታሪኽና ዘረጋገጽናዮ ዕላማታት መስከረም መሊእና ንምርግጋጽን ንዘሎ ብዶሆታት ንምግጣምን ሃገራውን ታሪኻውን ግቡኣትናን ክንፍጽም ይግባእ፡፡

ነዛ ታሪኻዊትን ክብርቲ ዝኾነት ዕለት ከነብዕል እንከሎና፡ ድሕሪ ምውጋድ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ቶተለታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጭቆናን ምዝመዛን ዘእተዎን፡ ንባህላውን ማሕበራዊ ኣከናውንኡ ብምዕፋን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝገደደ መልክዑ ሒዙ ይርከብ። ከምኡ’ውን ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሖ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ወጽዓታት ናብ ናይ መወዳእታ ጥርዙ በጺሑ ብምህላዉ ፖሎቲካዊ ጭቆና፡ ቁጠባዊ ወጽዓታት፡ ጅምላዊ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ቅትለታትን ብምቅጻሉ ንዝተፈላለዩ ቀጸላታት ናብ ስደት ንክውሕዙ ዳሪጉ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ንሞት ክቃልዑን ይገብር ኣሎ። እዞም ኢ-ሰብኣዊ ስጉምትታት ዝኾኑ ዘለዉ ኣካላት ንስቓይን ምግሳስን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መሸጣ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝተዋፈሩ ነጋዶን፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ገምገም ባሕሪ መደተርያን ብግብረ ሽበራዊ ጉጀለ ዳዕሽን ዝገጣሞም ኣረሜናዊ መቅትልቲ ግዳይ ኮይኖም ኣብ ሕሰመ መክራ ከምዝወደቁ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ጽንብል’ዚ ንህግደፍ ንምግጣም ብውሑዳት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበሩ ውድባት ዝተበገሰ ተቓውሞ፡ ቀጻልነት ናይዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምብቓዕ፡ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ኣካላት፡ ማሕበራውን ባህላውን ክፍልታት፡ ናጻ ሃገራውያን ባእታትት፡ ዝጥርንፍ ናብ ጠቕላላ ሃገራዊ መስርዕ ኣብ ተሰጋገረሉ እዋን’ዩ ዝጽንበል ዘሎ። ከምኡ’ውን ካብ ዕለት ንዕለት ትጽቢት ዝግበረሉ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ብሓፈሻ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ኣካል ህዝብን ወጽዓታቱን ከም ምዃኑ መጠን፡ ንህልዊ መሪር ኩነታት ንምብቓዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጎኒ ዝካየደ ዘሎ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ክስለፍ ይግባእ።

እዚ ብመስርሕ ዝምዕብል ዘሎ ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዝርከብ መሪር ውድዕነት ዝነጽግ፡ ንመላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ነዚ ህሞት’ዚ ክጋደድ ዝደረኸ ሕሉፍ ሕጽረታቱ ግቡእ ሚዛን ድሕሪ ምውሳዱ፡ መስርዑ ኣመዓራርዩ ኣብ ሰረት ስሩጽ ቻርተር ተመርኲሱ፡ ንዝሓለፈን ህልውን መጻእን ትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ምዃኑ ይእምት። እዚ ሎሚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህልዊ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምግጣምን መተካእትኡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን ግዜ ዘይህብ ወይ’ውን ዘገምታዊ ጉዕዞ ዘይቕበል ኩነታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንትጽቢታትን ተስፋታትን ህዝብና ዝምልስ፡ ህዝቢ ብነጻ ድሌቱ ከምቲ ንሱ ዝብህጋ ሃገር ክሳብ ዝሃንጽ፡ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ መርሆታትን ኣገባብ ቃልስን ምኽታል መድረኻዊ ሕቶ’ዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጉዕዞ መስከረምን ዘበገሶም ዕላማታትን ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ክብርን መስልን ሓርነትን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ንምምላስን ዝቖመ ጽላል ኮይኑ፡ ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዕላማታት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዘይተሓለለ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከካይድ ምዃኑ ደጊሙ መብጽዑኡ የረጋግጽ። ኤ.ዲ.ኪ ኩሎም ተቓለስቲ ሃገራውያን ሓይልታቱን ሓዲሽ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ህይወት ኣብ መንጎ ኣከዋውና ህዝቢ ኤርትራ ንምፍጣር ይዓዪ። ሓቀኛ ሃገራዊ ሓድነትን ሽርክነትን ኣብ ሕድሕድ ብሰላም ዝነብሩላን፣ ንሕሉፉን ህልውን ጸገማት ንምስጋርን ጸዕሪታቱ ክብ ክብል’ዩ። ኣብ መጻኢ ክገጥሙ ዝኽእሉ ጸገማትን ብዶሆታትን ንምግጣምን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት ኣብ ሃገራዊ ዕዩን ህንጸት ሃገርን ተራኦም ንምዕዛዝን ምንጣፍን ዓቕምታቶም ክብ ክብሉን ክምዕብሉን ብምዕያይ ይኽውን።

ተምክሮ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከካይድዎ ዝጸንሑ ተጋድሎ ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ክቃለሱ ዝጸንሑን ዘለዉን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪካዊ ማሕበረ ሰባትን’ውን ናይ ዘተን ሽርክነትን ናይ ቃልሲ ምሕዝነትን ክዓቢ ናቱ ተራ ተጻዊቱ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ምርግጋጽ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ከም ኣገዳሲ ምሕዝነታዊ ነጥበ መቐይሮ ዝግለጹ ኮይኖም ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኣካላት ኣብ ሕዳር 2011 ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክምስረት ተኻኢሉ። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ተጋድሎ ብምንኣድ፡ ሃገራዊ ጉዳይና ዝገጥሞ ዘሎ ታኣፋፊ መድረኽ ማለት ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸጥታውን ኩነታት ብምስትውዓል፡ ካብ መሰረታዊ ዕላማታትና ዘርሕቑና ነገራት ብምእላይ ንምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐዳምነት ምስራዕ ኣድላይነት ከምዝለዎ ኤዲኪ የረጋግጹ። ገድላዊ መድርኻዊ ሕቶታት ንምምላስ ኣድላይ ዓቕምን መሳርሕታትን ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን፡ ኩሉ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ መሳርዒታቶም ብምስማር፡ ሚዛን ሓይሊ ናብ ራብሓኦም ንምውዓልን፡ ነዚ ሓደጋ እዚ ንምዕጻፍን ህልዊ ብዶሆታት ብግቡእ ንምግጣምን ልዑል ጻዕርታት ክግብሩ ኤዲኪ ይጽውዕ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መላእ መንእሰያትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ውጹዕ ህዝቦም ጠጠው ብምባል፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ኣገዳሲ ተርኦም ክጻወቱ ጸዊዒቱ የመሓላልፍ፡፡ ኣብ ውሸጢ ኤርትራ ሓሳረ መከራ ዝርኢ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ይኹን ብሰንኪ ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ በብመዓልቱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታትና ንስደት ተሳጢሖም ኣብ ፈቐዶ ምድረ-በዳታት፡ ባሕርታት፡ ስንጭሮታት ዝጠፍኡን ዝሞቱን ዘለው፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን መደበራትን ዝገጥሞም ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሎምን ክተሓጋገዞምን ይጽውዕ፡፡

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንንጥፈታት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምድጋፍን፡ መድረኻዊ ዕማማቱ ንምፍጻምን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ኩሉ ጻዕርታቱን ዓቕምታቱ ከም ዘይበቅቕ ከስረሕ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ የረጋግጽ።

ኣብ መደምደምታ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንኩሎም’ቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዘይሕለል ደገፎም ዝህቡ ዘለዉ ብሓፈሻ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ንደሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብርዎ ምድግጋፍ፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ተቐቢሎም ምትእንጋዶም፡ ንመንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ዩኒቨርስትታት ኣትዮም ክምሃሩ ዝኸፈትሉ ዕድልን ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ፡፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን
ባሕቲ መስከረም 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9887

Posted by on Sep 1 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net