መግለጺ ሰደግኤ፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም፡ ምጅማር ዕጥቃዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡

erdf
ባሕቲ መስከረም፡ ኣብ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ፍሉይ ታሪኻዊ ስፍራ ዘለዋ ክብርቲ ዕለት እያ። ህዝብታትና፡ ካብ ኣርባዓታት ክሳብ መወዳእታ ሓምሳታት፡ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነቶምን ልኣላውነቶምን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ዘካየዱዎ ቃልሲ፡ ብሓያላት መንግስታት ፍትሓዊ ብይን ምስ ተነፍጎም፡ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ብሓይሊ ብረት ከረጋግጹ፡ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ዝጀመሩላ ዕለት ብምዃና ወትሩ ንዝክራን ነኽብራን። እነሆ ድማ ከም’ቲ ሕሉፍ፡ ንባሕቲ መስከረም መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ኣብ ክሊ’ቲ ዘሎናዮ ሕሱምን መሪርን ኩነታት ኮይና ነኽብራ ኣሎና። እዛ ዕለት’ዚኣ ብመጠን ክብደታን ታሪኻውነታን ድማ፡ ወትሩ ብድምቀት እናተኸበረት ክትነብር እያ።

ሎሚ መዓልቲ ባሕቲ መስከረም፡ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ክነኽብር እንከሎና፡ መበገሲ ዕላማታት፡ ናይ’ቶም ሕቶ ነጻነት ኤርትራ ብኣፈ-ሙዝ ብረት ክንምልስ ኣሎና ኢሎም ዝወሰኑ ፖሎቲካዊ መራሕትን፡ መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ነዚ ልኡኽቶ’ዚ ኣብ ምዕዋት በጃ ክኾኑ ብተወፋይነትን ብጅግንነትን ብረት ተሓንጊጦም በረኻ ዝወጹ ሓርበኛታት መስረቲ ዕጥቃዊ ተጋድሎናን፡ እንታይ ነበረ ኢልካ ምድህሳስ፡ ተሪፎምና ዘለዉ ዕላማታት ክንመሚ፡ ከመይ ነማልኣዮም ክንትልም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

መበገሲ ዕላማ ባሕቲ መስከረም፡ ሕቶ ነጻነት ኤርትራ ንምምላስ ምንባሩ ንኩላትና ዘሰማምዕ ሓቂ እዩ። ንህዝብታት ኤርትራ፡ ነጻነት ማለት ድማ፡ ካብ ኩሎም’ቶም ብተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝወርዱዎም ዝተፈላለዩ ዓይነት በደላት፡ ንሓንሳእን ንሓዋሩን መሊእካ ሓራ ምዃን ማለት እዩ። ምምሕዳር ባዕዳውያን ገዛእትን ባንደራኦምን ኣልጊስካ፡ ዝኸፍአን ጨካንን ኤርትራዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ኣብ ዝባኖም ተሰቒሉ፡ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ክኖቕቶም ፈጺሙ ኣይነበረን። ፈጺሞም ክሓልሙዎ’ውን ኣይክእሉን።

ብርግጽ፡ ካብ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም፡ ሕቶ ነጻነት ሃገር ተመሊሱ ኣሎ። ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ወጺኣ፡ መለለዪ ነጻነታ ዝኾነ ባንዴራ ኣብ ኣደባባያት ክተንበልብል በቒዓ ኣላ። ከም ሃገር ኣባል ሕቡራት መንግስታት ኮይና ወንበር ረኺባ ኣላ። እዚ ዓወት’ዚ ብትኳቦ ዝተረኸበ ኣይኮነን። ዋጋ ናይ’ቶም፡ ካብ ኣርባዓታት ጀሚሮም ኣብ ዝተናውሐ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎናን ብጅግንነትን ብተወፋይነትን እናተጋደሉ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑና እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ’ዚ ክቡር መዓልቲ’ዚ ኮይና፡ ንዝኽሮም ክንጽሊ፡ ብክቡር መስዋእቶም ረኺብናዮ ዘሎና ሃገራዊ ነጻነት ዓቂብና፡ ንዝተረፉና ዕላማታት ኣለሊና ብሕራነ ንምዕዋቶም ከም እንቃለስ ቃለ-መሓላ ክንኣትወሎምን ይግባእ።

ከምዝፍለጥ፡ ካብ ወጋሕትኡ ዝተሓንገጥናዮም ዕላማታት ባሕቲ መስከረም፡ ህዝብታትና ከም ዝሓሰቡዎን ዝተጋደሉሉን ዘይኮነሎም፡ ሰውራና ብብቑዕ መሪሕ ውድብ እናተኣልየ ስለዘይጀመረ ምዃኑ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ እዩ። ኣብ ክሊ’ዚ ድማ፡ ናይ መሪሕነት ህግሓኤ/ህግደፍ ጭካነን ቅሉዕ ጥልመትን መወዳድርቲ ዝርከቦ ኣይኮነን። ስለዝኾነ’ውን ኣብ’ዞም ዝሓለፍናዮም ልዕሊ 24 ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ህዝብታትና ኣብ መዋእል ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ዘጋጠሞም፡ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፣ ጥሕሰት ሕግን ፍትሕን፣ ደሃይ ምጥፋእ፣ ዘስካሕክሕ ማእሰርቲ፣ ሞትን ምስዋርን፣ ድኽነት፣ ጥሜት፣ ምምዝባል፣ ስእነት ሰላምን ምርግጋእን ኣዝዩ ዝኸፍአን መናብርቶምን ኮይኑ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ሕሱም ሂወት’ዚ ድማ፡ ንመጻኢ ዕድል ሃገርና ዘስግእ፡ መቋረጺ ዘይብሉ፡ ብማእለያ ዘይብሎም ሓደጋታት ዝተኸበበ ዋሕዚ ስደት ይረአ ኣሎ። ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ፡ ድሕሪኡ ኤርትራ ትበሃል ሃገርን ኤርትራዊ ዝበሃል ህዝብን እንተጠፍኡ ፈጺሙ ዘይዕጅቦ፡ ሓደገኛ ኣንፈት ተኸቲሉ ክጎዓዝ ኣብ ንርእየሉ ኩነታት ንርከብ። ሃገር ንልዕሊ 24 ዓመታት ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም፡ ብትእዛዝ ውልቀ ሰባት ዝገዝእ፣ ጥምየትን ዓጸቦን ህዝቢ ዘይዓጦ፣ ስደትን መዘዛቱን ኣብ ህልውና ሃገር ዘለዎ ሓደጋ ስኽፍ ዘይብሎ፡ ምእንቲ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ፡ ብፈጠራ ሓሶት መሬትን ሰማይ ዘላግብ ዝወጸሉ ፋሽስታዊ ጉጅለ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ቅንጣብ ሓልዮት ከርኢ ትጽቢት ኣብ ዘይግበረሉ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት ኮይና ኢና፡ ንታሪኻዊት በዓልና ባሕቲ መስከረም ነኽብራ ዘሎና።

ርእሰ ፋሽስት ኢሳይያስን ጉጅልኡን፡ ንኤርትራን ህዝባን ለኪሞም ክጠፍኡ ከም ሕሱም ይሕምበቡ ከምዘለዉ፡ ሎሚ-ሎሚ ኣይኮነንዶ ንህዝብታትና፡ ንመላእ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ተደቂኑ ከቢድ ብደሆ ኮይኑዎም ምህላዉ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። እቲ ነዚ ሓደጋ’ዚ ኣብ ምዕጻፍ ናይ ቃልሲ እጃመይ ከበርክት ተዓጢቐ ኣሎኹ ዝብል ሓይልታት ተቓውሞኸ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታት ይርከብ ዝብል ሕቶ ምስ እነልዕል ካልእ ጫፍ ናይ’ቲ ሕሰም ኮለል ኢሉ ይረአ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘሕምሞ ከይተተንከፈ እንከሎ፡ ብሰንኪ ፋሽስታዊ ዕላማታቱን ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ባህርያቱ፡ ብሓደ ሸነኽ ምስ ህዝብን መሓውራት ስርዓቱን እናተበታተኸ ኣብ ውሱናት ቀጠንቲ ገመዳት ተንጠልጢሉ ክሰሓግ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ከም ሕሱም ተፈንፊኑ ብዓቕሊ ጽበት ተወጢሩ ናይ ሞት ዓፍራ ክተፍእ ይረአ ኣሎ። ብምዃኑ’ውን ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ፡ ካብ’ዚ ዝበልጽ ብሱል ወድዓዊ ኩነታት ክርከብ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ምስ’ዚ ዝመጣጠን ሓላፍነት ክሽከም ኣይረአን፤ ብሓደ ሸነኽ፡ ብትምክሕቲ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ብጽበት ዝተወጠሩ ወገናት፡ ኣብ ሕድሕድ ምጽልላምን ምጥቕቓዕን ተጸሚዶም ንቀንዲ ኣጀንዳ ምውጋድ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካልኣዊ ቦታ ዘትሓዙዎ ክሳብ ዝመስል ክንሕቆን ንርከብ።

ሓይሊ ተቓውሞና፡ ወዲቑዎ ካብ ዘሎ ዓሚቕ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ንምውጻእ ዘላቶ ብሕታዊ ኣማራጺ፡ ረብሓን ድልየትን ህዝብታትና ማእከል ብምግባር፡ ኣብ እዋናውያን ዕላማታት፡ ብመንፈስ ስኒትን ምክብባርን ሓቢርካ ትቃለሰሉ ኩነታት ምፍጣር ጥራሕ እናሃለወ፡ ብትምክሕትን ብጽበትን ዝዓወሩ መራሕቲ ተቓውሞ፡ ንፍሉይ ርእይቶ ዘለዎም ፖሎቲካዊ ሓይልታት ናይ ምግላልን ነጺልካ ናይ ምድኻምን ፖሊሲ ብምኽታል፡ ናብ ዝኸፍአ ውድቀት ዝርግርጎም ኣንፈት ይኽተሉ ኣሎዉ።

ብሰንኪ’ዚ መድረኹ ዝሓለፎ፡ ኣግላልን ድሑርን ኣተሓሳስባ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ብውሽጥን ብግዳምን እናተሓቑነ፡ እነሆ ናብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ምእታው ተጸጊሙ፡ ኣብ ዕንክሊል ክወድቕ ኮይኑ ኣሎ። ናይ’ዚ ዘሕዝን ዓሚቕ ፖሎቲካዊ ቅልውላው መበገሲታት፡ ካብ ደለይቲ ለውጢ ህዝብታት ኤርትራን መሰረታት ኣባላትን ክሕባእ እንተዘይኮይኑ፡ ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይተኸወሎ ብታሕጓስ ኮቦሮ ሓምሓም ዝሃርመሉን፡ ብዝኸፍአ ንምብልሑ ከይደቀሰ ዝረባረበሉ ዘሎ ዘሕዝን ክውንነትና ምዃኑ ኣይሰሓትን። ብህዝብታትናን መሰረታት ኣባላት ውድባትናን ልዑል ትጽቢት ዝተነበረሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ውሽጡ ተኸሲቶም ዘለዉ ርኡያት ፍልልያት፡ ብልዙብን ሓላፍነታውን ኣገባብ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝኾኑ፡ ናይ ሓሶትን ጸለመን ስልቲታት እናፈብረኹ፡ ብቐሊሉ ክንወጾ ናብ ዘይንኽእል ቅልውላው ንምሽማም ዓሊሞም፡ ሒዞሞ ዘለዉ ድሑር ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣንፈት፡ ግቡእ ቱኽረት ክወሃቦን ዓገብ ክባሃልን ይህልዎ ኢልና ንኣምን።

ህዝብታት ኤርትራ ብዘይ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ካልእ ጸላኢ የብሎምን። ጸቢብ ረብሓታቶም ዘይተማልኣሎም ሽነኻት፡ ንፍሽለቶም ካልእ ተሓታቲ ሃሰስ ክብሉ፡ ጠመተ ህዝብታትና ንምስፋል፡ ብውነ ይኹን ብዘይ ውነ ዘካይዱዎ ዘሎዉ ምንቅስቓስ፡ ብትብዓት ክንምክቶ ይህልወና። ብርግጽ ጉዳይ ኤርትራ ብቐንዱ ንኤርትራውያን ዝምልከት ምዃኑ ካብ ኩሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን፤ እንተኾነ ግን፡ ናይ ፈተውቲ ሓገዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮ ሰውራና ሕርሕራይ ገይርና እንፈልጦ እዩ። ስለዝኾነ’ውን፡ ኣይኮነንዶ ብዘይ ብዙሕ ድኻም ኣሎኹልካ ዝብል ፈታዊ ተረኺቡስ፡ ማዕጾኦም ዝረገጡ’ውን ኳሕኵሕካ፡ ክኸፍቱልካ ምጽዓት ግድነትን ንቡርን መስርሕ ቃልሲ እናሃለወ፡ ኣብ ሎሚ በጺሕካ፡ ሕሉፍ ሃገራዊ ንምምሳል ዝግበር ብጣዕሚ ድሑር ወፈራ፡ ንእሽቶይ ዓቐብ ዘየደይብ፡ ቁልቁል ዘየውርድ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ዓቕምታት ደለይቲ ለውጢ በታቲኑ፡ ንረብሓ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ዝውዕል ”ጉንዖ” ምብርካት ምዃኑ ክነስተውዕለሉ ነዘኻኽር።

ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ህግደፍ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 24 ዓመታት ናይ ስልጣን ዕድሚኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ ሃገርን ህዝብን ንኸቢድ ሓደጋ ዝነቖተ ብሕታዊ ተሓታቲ እዩ፤ ይኹን’ምበር፡ ካብ’ዚ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ሓደጋ ውድቀት ክድሕን ክብል፡ ተሞኩሮ ሓምሳታት እናገናጸለ፡ ልኣላውነትና ብሓይልታት ግዳም፡ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከምዘሎ ኣምሲሉ ዘካይዶ ዘሎ ሕቡእን ቅሉዕን ወፈራ፡ ብስሙር መኸተ ህዝብታትናን ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጥን ንምፍሻሉ፡ ዕቱብ ምርብራብ ከምዘድልዮ ብኣጋጣሚ ክቡር መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ክነዘኻኽር ንደሊ።

ውድብና ሰደግኤ፡ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ኣበርዒኑ ህዝብን ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዝሽምም ዘሎ ቀንዲ ተሓታቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብጽንዓት ይኣምን። ስለዝኾነ’ውን፡ ምስ ኩሎም ህዝብን ሃገርን ካብ ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ሓደጋ ብርሰት ኣብ ምድሓን ብዕቱብነት ዝቃለሱ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ሲቪክ ማሕበራትን፡ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ክቃለስ ድሉው ምዃኑ የረጋግጽ። ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞና፡ ንዓመታት ተሽንኪሮም ንጸቢብ ጉጅላውን ውልቃውን ጥሙሓቶም ንምርዋይ ጎብለል ኮይኖም ክወጹ ዝደልዩ፡ ወይ ድማ፡ ምሕዝነታት ሓይልታት ተቓውሞ ካብ ቅልውላው ከይወጽእ ሸርሕታት እናመሃዙ ዝጸንሑ ሽነኻት፡ ብዘይ ምሕረት ካብ ምቅላስን ካብ ምቅላዕን ወጻኢ፡ ጥዑይ ሓባራዊ ጽላል ተቓውሞ ከምዘይህልወና፡ ካብ ሕሉፍን ህሉውን ተሞኩሮኡ እናተማሃረ መጺኡ ምህላዉ የመልክት። ስለዝኾነ’ውን ኣብ ቅኑዓት መስመራዊ እምነታቱ ኣትኪሉ፡ ብቕኑዕ መርሆታት እናተገርሐ፡ ኣብ እዋናውያን ዕላማታት ብሓባር ተኣማሚኑን ተወሃሂዱን ዝቃለሰሉ ኩሎም ዕድላት ንምፍጣር፡ ብዘይ ምስልካይ ክጽዕት ምዃኑ ብኣጋጣሚ’ዛ ሕላገት ጅግንነትናን ሓርበኝነትናን ዝኾነት ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም የረጋግጽ። ባሕቲ መስከረም ንዘልኣለም እናተኸበረትን እናተዘከረትን ክትነብር እያ።

ባሕቲ መስከረም ሕላገት ጅግንነትናን ሓርበኛነትናን እያ!!
ዝኽርን ክብርን ንዕላማታት ባሕቲ መስከረም ተሓንጊጦም ብጅግንነት ዝሓለፉ ሰማእታትና!!
ባሕቲ መስከረም ንዘልኣለም ተኸቢራ ትንበር!!

ማእከላይ ሽማግለ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)
01 መስከረም 2015.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9891

Posted by on Sep 1 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net