ቃል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ENSF

ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ኣዕናዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ጽንኩርን ኵነታት ኣብ ዝርከበሉን፣ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ደንደስ ሓደጋ ምብትታን ኣብ ዘላትሉ፣ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገር ኣብ ዓሚቕ ምንዋጽ ስለ ዘሎ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካብ ህዝብና፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያዊ ሓይሊ፡ ካብ ገሃነም መላኺ ስርዓት ኣምሊጡ ክዕቆብሉ ናብ ዝኽእሉ ሃገራት ክሰደዱ ተገዲሙሉ ኣብ ዘሎናሎ ሁመት፣ ህዝብና፡ ነቲ ብመሪሕነት ጅግና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርተራ፡ ብሓደ መስከረም 1961 ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ብምዝካር ከብዕል ይርከብ።   

 

 

ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ጉዳዩ ንምዕዋት ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከፊሉ ኢዩ፣ ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቁ ድማ ነቲ ዘጋጠሞም ጽንኩር ኩነታት በዲሆምን ዕንቅፋታት ጠሓሒሶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ክቡር ህይወቶም ከፊሎም ኢዮም። ብሳላ’ዚ ዘይሕለል ቃልሲ ድማ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ካብ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ክትከውን በቐዐት። ድሕሪ’ዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ፣ ሓርነትን ፍትሕን ዲምክራስን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ባህግን ትጽቢትን ነይርዎ። መስርሕ ህንጻ ሃገርን ከቢድ ዋጋ ይሓትት ምዃኑ ብምርዳእ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣሰራት መዋእል ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ብምምሓው፣ ሃገር ንምህናጽ ካብኡ ዝጥለብ ንዋታውን ንያታውን ኣስተዋጽኦ ንክገብር ድሉው ነበረ። እንተኾነ ግን ካብ ከርሱ ዝወጹ ደቁ፡ ነቲ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተኸፍሎ ዕላማታት ሰውራና ጠሊሞም ኣብ ሃገርና ጨቋኒ ስርዓት ብምቛም፡ ኣብ መዋእል መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ግፍዕን መከራን ከወርዶ ፈጺሙ ትጽቢት ኣይነበሮን። ስርዓት ህግደፍ ንባህግታት ህዝብናን ፍትሓዊ ድልየታቱን ረጊጹ ኣዕኑድ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምትካልን ምሕያልን ተጓየየ። ካብ’ቲ ሰዓት’ቲ ጀሚሩ፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ህዝብና ቀንጢጡን ንሃገርና ርግኣትን ሰላምን ከሊኡን፡ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ንኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ሰብ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኢዩ።

 

   ENSF

ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና፡ ኣብ እነብዕለሉ እዋን፡ ብዛዕባ’ቲ ሰውራና ዘማዕድዎ ዝነበረ ልዑል ዕላማታት ተመሊስና ክንሪኦን፡ ካብኡ ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ክሳብ’ቲ ዝተረፈ ዕላማታት ሰውራና ንምምላእ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ዓቅሚ ኣብ ምድላብ ደራኺ ክዀነና ይግባእ። ብርግጽ፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ቃልስና፡ መሬትና ካብ ኢትዮጵያዊ ጐበጣ ነጻ ብምውጻእ ተረጋጊጹ ኢዩ። እንተዀነ ግና ካብኡ ዘይንእስ ዕላማ፡ ማለት ኤርትራዊ ዜጋ ሓርነቱ ክጐናጸፍ ዝግብኦ፡ ጌና ከይተረጋገጸ ተሪፉ ኣሎ። ዜጋታታ መበእታዊ ኣድማሳዊ መሰላቶም ተሓሪሞም ዝነብሩላ ሃገር ድማ ዋጋ ዘይብላ ሃገር ኢያ ትኸውን።

 

 

ኤርትራ ሃገርና ካብ’ዚ ኩነታት ንክትላቐቅ፡ ንህልውን መጻእን ህይወት ሃገሩ ዝሓስብን ንዕላማታት ሰውራናን ንለበዋ ስዉኣትናን ዘኽብርን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ካብ’ዚ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ንሓዋሩ ንምግልጋልን ዲሞክራስያዊ መተካእታ ንምምጻእ፡ ከይተሓለለ ክቃለስ ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ጉጅልኡን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር፡ ሃገራውያን ውድባት ግዜኦምን ዓቕመምምን ብጽቡቕ ከግልገልሉን፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ካብ ዘካይድዎ ከንቶ ውድድራት ክርሕቁን፡ ዝለዓለ ሓላፍነት ከም ዝስከሙ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ ትሕቲ  ገስጋስ ፖለቲካዊ ቻርተር፣ ንሰፊሕ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ኣካውና ሕብረተሰብና ዝጠርነፈ ናይ መጀመርታ ጽላል ከም ምዃኑ መጠን፣ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ኢዩ። እንተኾነ ግን ካብ ግዜ ምቛሙ ኣትሒዙ ኣብ ቀጻሊ ቅልውላው ተሸሚሙ ምጽንሑ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ናይዚ መሰረታዊ ምኽንያት ኣለሊኻ መዋጽኦ ብምርካብ ህዝብና ዘማዕድዎ ዕላማታት ንምርግጋጽ ንምስራሕ ክንጽዕር ናይ ግደን ኢዩ።  መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶን ሓለይቲ ኣካላትን፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ  ኣብ ላዕላዋይ ጽፍሒ ሃገራዊ ባይቶ ኣጋጢሙ ንዘሎ ቅልውላው ንምጽጋን፣ ነቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንከይካየድ ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለዉ መሰናኽላት ንምእላይን፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት መጎስና ነቕርብ። መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዕድመ ሃገራዊ ባይቶ ክሳብ መጨረሽታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ንክናዋሕ ካብ ወሰኑ፡ እዘን ዝመጻ ዘለዋ ኣዋርሕ፡ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት  ካብ ከንቶ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ርሒቖም ኣብ ኣፍራዪ ስራሕ ክጽመዱ ምስ ዝበቕዑ፣ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ተቓውሞ ደምበ ኣውንታዊ ነጥበ-ተቕይሮ ክኸውን እንጽበዮ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነካይድ ክንበቅዕ ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንሕና ከም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶን ኩሉ ትካላት ሃገራዊ ባይቶን ደው ብምባል፡ ውሽጣዊ ጸገማት ባይቶ ብምፍታሕ ናብ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ንምእታው፣ ዓቕምና ዘፍቅዶ ከነበርክት ድሉዋት ምዃንና ንሓፋሽ ተቓላሳይ ህዝብና መብጻዓና ነሐድስ።

 

 

 

 

ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን፡ ዕላማታት ሰውራ ባሕቲ መስከረም ብምሉኡ ንምርግጋጽ ቃልስታቶም ንከኻዕብቱ ንጽውዕ። ሰውርኡ መስሪቱ ነጽነቱ ክምንዝዕ ተኣምራታዊ ዕማም ዝፈጸመ ህዝብና፡ ሎሚ’ውን ንገባቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣሊዩ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንከረጋግጽ ከም ዘይሕርብቶ እምነትና ጽኑዕ ኢዩ።

 

 

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና

ዕድመ ንዝኽሪ ሰውራ ባሕቲ መስከረም !

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና !

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

01/09/2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9901

Posted by on Sep 2 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net