ጸብጻብ ናይቲ ካብ 28 – 29 ነሓሰ 2015 ዓ.ም አብ ከተማ ኦክላንድ ዝተኻየደ ቦሎኛ ፎረም

bolonia form usa
ቦሎኛ ፎረም ኦክላንድ ዓርቢ 28 ነሓሰ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ብዕሊ ተኸፊቱ። ካብ ርሑቑን ቀረባን ንዝመጹ አጋይሽ እንቋዕ ናይ ደሓን መጻኹም መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፉ፤ ዝኽረ ሰማእታት ሲዒቡ፤ ቀጺሉ ንተሳተፍቲ ነንሓድሕዶም ንኽላለዩ ዕድል ተዋህቦም። ድሕሪ እዚ ናይ መእተዊ መደባት ድማ እቲ ኣኼበኛ ናብ ወግዓዊ ስርሑ አተወ። ብአዳለውቲ መደብ ከም ዝተሓበረ እዚ ጭርሖ ካብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም ስጋብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ራእይ ምዃኑ፤ አብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ አብ ከተማ ቦሎኛ ሃገረ ጣልያን ዝቐጸለ ምዃኑን ሕጂ ድማ አብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ አሜሪካን ይቕጽል ምህላው ተሓቢሩ።
እዚ ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን ዝብል መሪሕ ጭርሖ ሒዙ ዝተጋብኤ ቦሎኛ ፎረም ኦክላንድ አብቲ ናይ መጀምርታ መዓልቲ ንዘተን ሓባራዊ ክትዓትን ዝዕድሙ መደባት እዩ ተጸሚዱ ዊዒሉ። አብ ዕለተ ዓርቢ ይካየድ ብምንባሩ ናይ ስራሕ መዓልቲ እውን ስለ ዝነበረ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ከይውሕዱ ስክፋታታት እኳ እንተነበረ፤ እቲ ግብረ መልሲ ግና በንጻሩ እዩ ኔሩ። አዝዩ ዘተባብዕ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት አንጻር ኩሉ ናይ ስራሕን ካልእን መደባትን ከምኡውን አሉታዊ ናይ ተጻብኦ ጎስጓሳትን በዲሆም ክሳተፍዎ ዝኸአሉ። ተጋባእቲ ቦሎኛ ሓደ ካብ ሓደ ዘይበልጽ ዳርጋ ኩሉ ተሳታፋይ ትርጉምን ረብሓን ዲሞክራስን ፍትሕን ዝተሰቆሮም እዮም ክበሃል ይከአል።

ነቲ አኼባ ኣርባዕተ አገደስቲ ምርኩሳት ተሓንጊጡ ክኸይድ እዩ ኔሩ ውጥን አዳለውቲ መደብ። እዞም ምርኩሳት እዚአቶም ጉሉጽነት(Transparency)፡ ተጻዋርነት(Tolerance)፡ ሓቅን(Truth)፡ እምነትን(Trust) ዝብሉ እዮም። እዚ ከይኮነ አይተርፍን እቲ አኼባ ካብ ዝጅምር ስጋብ ዝውዳእ አብ መንጎ ተሳተፍቲ ዝነበረ ምርድዳእን ምክብባርን አዝዩ መሳጥን ሰሓብን ዝነበረ። አብቲ አኼባ ተሳቲፎም ነቲ ዘዳለውዎ ፖለቲካውን ስትራተጂካውን ትንታነታቶም ዘቕርቡ ዝነበሩ ዕዱማት አጋይሽ ዝተፈላለየ አረአእያታት ዘለዎም ክንሱ አብ ሓደ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ከመይ ጌርካ ተልግሶን ቀጺልካ ከመይ አቢልካ ቅዋማዊ ስርዓት ትተክልን አብ ዝብል አገዳሲ ነጥቢ ጥራይ ይዛረቡን ይካትዑን ምንባሮም ቦሎኛ ፎረም ማዕረ ክንደይ በተሓሳስባ ኮነ ራእይ ይዓብይ ምህላው ይበርሃልካ።
መንእሰያት ከመይ ጌርካ መሪሕ ተራ ንኽጻወቱ ባይታ ትፈጥረሎም፡ ደቂ አንስትዮ ከመይ አቢልካ ተሳትፎአን ከምቲ ናይ እዋን ገድሊ የዕዝዛ፤ ነቶም ብማዕዶ ድምጾም ዓቂቦም ዘለው አብዝሓ ህዝብና ከመይ ድምጾም ከም ዝስምዑን አካል ናይዚ ቃልሲ ይኮኑን ትገብር፤ ነዚ አብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ጋግ አጽቢብካ ናይ ሓባር ስርሓት ተካይድ ዝብሉ አገደስቲ ሓሳባት ናብ አኼበኛታት ወሪዶም፤ እቲ ተሳታፋይ ብጉጅለ ተመቓቒሉ ዘትይሎም። ድሕሪ ርሱን ክትዓት እውን እቲ ናይ ሓባር መደምደምታን ርእይቶን ነቲ አኼበኛ ከም መልክዕ ጸብጻብ ቀሪቡ። እቲ አዝዩ ዘገርም እቲ ዝነበረ መደብ ብሰንኪ ርሱን ክትዓት አብ ጊዜኡ ዘይኮነስ ካብቲ ዝተመደቦ ጊዜ ደንጉዩ እዩ ተዛዚሙ። ናይ ዓርቢ መደብ ድማ ብዕሊ ተዛዚሙ።
አብቲ ናይ ቀዳም መደብ ዝበዝሕ እቲ ሰዓታት ንክትዓት ዘይኮነስ ነቶም ተመኩሮ ዘለዎም ገዳይም ምሁራትን ተቓለስትን ኤርትራ ከምእውን ንምንታይ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክኸውን አለዎ፤ እቲ ዘይጎነጻዊ አገባብ ቃልሲ ንምንታይ ይምረጽ አብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኮረ እዩ ኔሩ። እቶም ነቲ ዝተፈላለየ አርእስቲ ሒዞም አስተምህርኦም ዝህቡ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ክብሉ ይደልዩ ከም ዘለው አዝዮም ዝፈልጡን ምኩራትን ሙሁራትን ብምንባሮም እቲ ተሳታፋይ ነቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ብአንክሮን ተመስጦን ክከታተሉ ግድነት እዩ ኔሩ። ነዚ አኼባ ቦሎኛ ፎረም ፍሉይ ዝገብሮ እቲ ኩሉ ዝዝረብ ዝነበረ ብዛዕባ ግብራዊ ንመጻኢ ዝጠመተ ቃልሲ ብምንባሩን፤ ንጓል መንገዲ ዝኸውን ንጽልእን አጉል ውድድርን ዘተአናግድ ምንም ጊዜ ዘይምንባሩን እዩ። ኩሉ አቕምታትን ጊዜን ቦሎኛ ፎረም ናብ አወንታዊ ናይ ስራሕ መደብ ዘተኮረ ምዃኑ ነቲ ፎረም ሓደ አገዳስን ገስጋስን ምትእኽካብ ኤርትራውያን ጌሩዎ ይርከብ።
ቦሎኛ ፎረም ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዓቢ ናህሪ ይውስኽ ምህላው እዚ ናይ ኦክላንድ መደብ እኹል መርትዖ እዩ። ቦሎኛ ፎረም ብስሚዒት ዘይኮነስ ብርድኢት ይኸይድን የሳትፍን ምህላው እቲ መሰረት አብ ዘተአማምን ባይታ እዩ ተሰሪቱ ዘሎ ክበሃል ይከአል። ከምዚ ዘልዎ እንድሕር ቀጺሉ እዚ ፎረም እዚ አብ ምውሓስ ብሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተሃንጸ ሃገራዊ ሓድነት ዘይነዓቕ ተራ ክጻወት ሙሉእ ዘይጉዱል እምንቶ አሎ። ከም ቦሎኛ ፎረም ዝአመሰሉ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፉ ኤርትራውያን ጥርናፈታትን ትካላትን ምስ ዝኹስኮሱን ዝዓብዩን መጻኢት ኤርትራ ብቐሊሉ ናብ ዲሞክራሲ ክትሰጋገር አይከጸግማን እዩ።
ቦሎኛ ፎረም ሓደ ካብቲ ክገብሮ ክቃለሰሉን ዝጸንሐ ታሪክን ክብርታትን ኤርትራ ምዕቃብ ዝብል እዩ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ ነቲ ዕድመ ልክዑ ንስለ ናጽነት ኤርትራ ዝተቓለስ ገዲም ሊቅ ናይ ሕጊ ምሁር አቦና ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሴ ንስለ እቲ አብ ሙሉእ ህይወቱ ዘበርከቶ ሃገራዊ ተወፋይነት ዘሞጉስ ናይ ክብሪ ሽልማት ዓዲልዎ። ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሴ አቦ መንበር ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ኮይኑ ነቲ አብ 1997 ዓ.ም ጸዲቑ ብሰንኪ ምሕደራ ውልቀ ምልኪ ዘይተተግበረ ቅዋም ኤርትራ አብ ምንዳፉ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ሓደ ካብቶም ኤርትራ አለውኒ እትብሎም ውሉዳ እዩ። እዚ ምቕሉልን ትሕትን፤ አነ አነ ወይ አኽብሩኒ ዘይብል ፈላጥ አቦ ነዚ ሽልማት ክወስድ እንከሎ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ነንሓድሕዱ ክፋቐርን ክከባበርን ጸዊዑ። እንድሕር ከምኡ ጌርና ድማ ሓርነትና ናይ ግድን እዩ ክብል አስሚሩሉ።
ቦሎኛ ፎረም ኦክላንድ ድማ አተሓሳስባ ህዝቢ አብ ዲሞክራስን ሰብአዊ መሰላትን ምምዕባልን ምቕያርን፤ ከምኡውን ኩሉ አቕምታትና አብ ምሕያል አብ ውሽጢ ዓዲ ንዘለው ዲሞክራሲያውያን ናይ ለውጢ ሃዋርያታት፤ አብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝብና ንዘይተደልየ ሓድሕዳዊ ጎንጺ ደው አቢሉ አንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ቃልሱ ከሕይልን ከወሃህድን ተላብዩ፤ ጎድኒ ጎድኒ ለበዋ’ውን መንፈስ ቃልሲ አባላቱ አብ ጥርዚ ሰቒሉ ብዓወት ተዛዚሙ። ነዚ አኼባ ንከተሰንይ ዝተዳለወት ባህላዊት ጉጅለ ድማ ንሃገራዊ ክብርናን ጅግንነትን ዘንጸባርቑ ፍናን ቃልስን ኤርትራዊ ፍቕርን ሓልዮትን ዘበርኹ ናይ መዘናግዒ መደባት አቕሪባ ንተሳተፍቲ አኼበኛታት አዘናጊዓ። አብ ናይ ሓጺር ጊዜ ዕድመ ፍቓደኛ ኮይኑ ካብ ሃገር ኖርወይ ነቲ መደብ ከማዕርግ ብዘይ ቶግላባ ንዝመጸ እሞ ብኽእለቱ ሰብ ዘስደመመ ድምጻዊ ፍጹም ዘሚካኤል ቦሎኛ ፎረም ምስጋናኡ ይገልጽ።
ዓወት ንውጹዕ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ኦክላንድ – ካሊፎርንያ
02 መስከረም 2015 ዓ.ም
ቦሎኛ ፎረም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9903

Posted by on Sep 3 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net