ፍትሕ ህግደፍን ደምህትን

eudc
ብቀደሙ’ውን እንተኾነ ቅዱስ መርዓስ ኣይነበረን!!! ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን ኣብታ ኩሉ ዘይሰኣና ሃገርና ኤርትራ ሓደ ነገር ተኸሲቱ። ብርግጽ እቲ ተርእዮ መኣስ ይትኮስ ደኣ’ዩ ኔይሩ እቲ ሕቶ እምበር ከም ታይም ቦምብ ቲክ-ቲክ ክብል ዝጸንሐ ጉዳይ’ዩ። ሞላ ኣስገዶም ምስ 800 ዝኾኑ ሰዓብቱ ካብ ኤርትራ ዶብ ሱዳን ሰጊሮም ኣብ ገዳርፍ ኣትዮም። መንግስቲ ሱዳን ብዝገበረሎም ምትሕግጋዝ ከኣ ምስ ምሉእ ኣጽዋሮም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ጉዕዞኦም ምስ ወተሃደራት ኤርትራ እናተታኾሱ እናቐተሉን እናተቐትሉን ከም ዝሰገሩ’ውን ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ሓበሬታ ክንግንዘብ ክኢልና ኣለና። ሕጂ’ውን ንሸውሃት ገባቲ ህግደፍ ንምርዋይ ኣሕዋትና ኣብ ዘይምልከቶም ጉዳይ ኣብዚ ኲናት’ዚ ንመስዋእትን መውጋእትን ተዳሪጎም ኣለዉ።
ደምህት ዝተባህለ ምንቅስቓስ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተፈጥረ ወይ’ውን እንተወሓደ ህላወኡ ኣብ ኤርትራ ከምዝፍለጥ ዝኾነ ሓይሊ’ዩ። ህግደፍ በቲ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝኽእል ምትንኳላት ናይ መጨረሽታ መጠንቀቕታ ምስ ረኸበ ብኢድ ኣዙር ኣቢሉ ደምህትን ካልኦት ከም ኣርበኞች ግንባር፡ ግንቦት 7፡ በንሻንጉልን ኦ.ኤል.ኤፍ ዝተባህሉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ውድባት ከሰልጥንን ከዕብን ከም ዝጸንሐ’ውን ባዕሉ ህግደፍ ከይተረፈ ጉራ እናወሰኸ ክገልጾ ዝጸንሐ ሓቂ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ሓደ ግንባር ፈጢሮም ብዶ/ ብርሃኑ ነጋ ክምራሕ ምክትሉ ድማ ሞላ ኣስገዶም ( ኣቦ-መንበር ደምህት) ከም ዝኾነ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መስከረም 2015 ብዘውጽእዎ ኣዋጅ ሰሚዕና ነይርና። ቅድሚኡን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበረ እዋናት ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣብ ልዕሊ ወያነ ተወጢኑ ዝነበረ ናይ መጨረሽታ መጥቃዕቲ ግዚኡ በጺሑ’ዩ፡ ናይ ዜሮ ሰዓት ይቀራረብ ብምህላው ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ኩነታታ ፋሕ ብትን ክትብል ምዃና ክትንበ ጸኒሑ’ዩ። ኮይኑ ግን እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓድሽ ግንባር ፋሕ ብትን ኣትይዎ ኣሎ። እቶም ኣብ ግንባር ዝተጠርነፉ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ምዃኖም ከይኣኽል፡ ኣብ ገለ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢድ ዘእትዉሉ ኩነታት ስለ ዝጸንሐ ኣሰካፍን ኣስጋእን ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ሞላ ኣስገዶም ምስ ብጾቱ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም እቶም ዝተረፉ ሓይልታት ደምህት ከኣ ኣጽዋሮም ከውርዱ ብህግደፍ ከም ዝተኣዘዙን እቶም ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ክውቅዑ ከምዝተወሰነን ክሳብ ዕለት 15 መስከረም ፈቐድኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጋሽ ድምጺ ኲናት ይስማዕ ከምዝነበረን ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ ኣሎ። ድሕር’ዚ ዝሰዓበ ሓበሬታ እንተሎ እቶም ካልኦት ተቓውምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ከካብ ቦትኡ እናተለቕሙ ናብ ሳሕል ኣኪቦሞም ከምዘለዉ እቶም ስድራ ቤት ናይቶም ንኢትዮጵያ ሰጊሮም ዘለዉ ድማ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናብ ተሰነይ ኣኪቦሞም ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ግምት እዚኣቶም’ውን ናብ ሳሕል ገጾም ምዃዶም ኣይተርፍን ዝብል’ዩ። ህግደፍ ነዚ ጉዳይ ኣቐዲሞም ይፈልጡ ኔሮም እዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣሲሩ ከምዘሎ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ዕለት 17 መስከረም 2015 ልክዕ ሰዓት 1፡30 ናይ ለይቲ ኣብ ገሉጅ መዓስከር ሓሬና ዝነበረ መኽዘን ኣጽዋር ተቓውምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ምሉእ ብሙሉእ ዓንዩ ከምዘሎ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዜጋታትና በቲ ፈቐድኡ ዝዓልብ ዘሎ ጠያይትን ስከጆታትን ክውቃዕን ክሸማቐቕን ከምዝሓደሩ ብድሕሪኡ’ውን መኽዘን ኣጽዋር ጀበል ሓምድ ከምዝተቓጸለ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ዝፈጠሮ ኩነታት እንተልዩ፡- ብዓቢኡ እቲ ብደምህት ኣቢሉ ክግበር ዝተሓስበ ናይ ብርሰትን ምብትታንን ፕሮጀክት ህግደፍ ተበቲኑ ምህላዉ’ዩ። እዚ ፕሮጀክት እዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ’ውን ዝዓለመ ናይ ጥፍኣት ፕሮጀክት’ዩ ኔይሩ። ከመይሲ እቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ወፍሪ ናይ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኔይሩ እንተዝኸውን መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ደጋጊሙ ከም ዝበሎ ህግደፍ ክሳብ ዳግማይ ተመሳሳሊ ወፍሪ ከካይድ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ዘብጽሕ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኔይሩ’ዩ። ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ኣሽሓት ህይወት ዜጋታትና ክቐዝፍ ከምዝኽእል ኣይንጠራጠርን። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ብርሰት ሓደጋ እንተወሓደ ንግዚኡ ድሒንና ኣለና ክበሃል ይከኣል። ንግዚኡ መበሊና ቀንዲ ምኽንያት ህግደፍ እንተቐንዩ ብዘይ ኲናት ክነብር ስለ ዘይክእል ካልእ ናይ ኲናት ምኽንያት ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑ ዘይንጠራጠረሉ ስለ ዝኾንና’ዩ። ህግደፍ ከምኡ ዘግብሮ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ካብ ናይ ደገ ኲናት ኣዕሪፉ ቅሳነት እንተረኺቡ ሽዑ ሽዑ ኣብ ናይ ውሽጣዊ ጸገማቱ ከድህብ ስለ ዝኾነ ውሽጣዊ ኩነታት ከኣ ብሰንኪ ህግደፍ ዝንቀፍ እምበር ዝምስገን ስለ ዘይብሉ ሽዑ ሽዑ ዕምሪ ህግደፍ ዘሕጽር ኩነታት’ዩ ዝፍጠር። ስለዚ ህግደፍ ክነብር እንተኾይኑ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ወይ መሻርኽቲ ኢሉ ዝውንጅሎም ናይ ውሽጢ ሓይልታት እናተላሃመ ክነብር ጥራይ ኣለዎ። ህግደፍ ንሰላምን ምዕብልናን ዝተወደበ ሓይሊ ኣይኮነን። ህግደፍ ሞቱን ሕየቱን ኣብ ኲናት ዝገበረ ናይ ራዕድን ሽበራን ሓይሊ’ዩ።
ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ንሳልሳይ ግዜ ፕረሲደንት ሱዳን ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ኣብ ሱዳን ብመንገዲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣቢሎም ዓቢ ሓላፍነት ሒዞም ዝጸንሑ ኣካላት ንህግደፍ ደስ ዘየብል ምቅይያር ከም ዝተገብረሎም ርኢና ኔርና ኢና። ህግደፍ ብፍላይ ድማ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ቂምታ ገና ከይሃሰሰ እዚ ሕጂ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ መሊሱ ምስ ሱዳን ዝነበሮ ቅሬታ ክዓቢ ጌርዎ ኣሎ። ከመይሲ ደምህት ምስ ብረቶም ብመንገዲ ገዳርፍ ጌሮም ንኢትዮጵያ ስለ ዝኣተዉ። ሰብ ዘለዎ ኣራፊዱ ሞተ ዝተባህለ’ውን ከምዚ ምስ ተረኸበ’ዩ። እምበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መሬት ሱዳን ምስ ኣተወት ብረትኩም ኣውርዱ ምስ ተባህለ ዘተኣናግድ ዘራይ ኣይተረኽበን። ብህዝቢ ቁማር ዝለመደ ኢሰያስ ግን ኣብ ርእሱ ክሳብ ትመጾ እቲ ክሳራ ክሳራ ኮይኑ ኣይስመዖን’ዩ። እታ ዓንኬል እናጸበበት ምስ ከደት ድማ ናብ ርእሱ ክትመጽእ ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንሕጂ ግን ካብ ሳዋን ካብ ካልእ ቦታታት ኤርትራን ዝተዋጽኡ ሓይልታት ኣብ ዶብ ሱዳን ክዓርዱ ተጌሩ ኣሎ። ብሸነኽ ሱዳን ድማ ከምኡ ብዙሓት ወተሃደራት ናብ ዶብ ኤርትራ ኣምሪሖም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እንታይ ክስዕብ ምዃኑ ሓቢርና ንርእዮ ነገር ክኽውን’ዩ።
ስግኣትን ፍርሕን ተንተንቲ ዞባና ግን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ከምቲ ዝፍለጥ ብዙሓት ጥሩፋት ጉጅለታት ሶማልን የመንን ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ሃገራትን ቀንዲ መዕረፊኦም ኣብ ኤርትራ ጌሮም ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓበሬታ ከለብሙና ጸኒሖም እዮም። ህግደፍ ነዚ ብምዕራብን ብደቡብን ክመጾ ዝኽእል ተጻብኦ ንምምካት እኹል ኤርትራዊ ሓይሊ እንተዘይረኺቡ (ካበይ ክመጽእ) ነዞም ጥሩፋት ሓይልታት ከዋፍር ከም ዝኽእል ይግመት’ዩ። ከምዚ ክገብር እንተጀሚሩ ድማ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነስ ዞባና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክወርድ ከምዝኽእል ክግመት ይከኣል። ህግደፍ እዚ ከይመጽእ ዝፈርሕ ኣካል ኣይኮነን። ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኣጥፊኡ ዕድሚኡ ንሳልስቲ’ውን ክትውስኽ እንተኺኢላ ዓይኑ ዝሓሲ ሓይሊ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ዘብርስ ዝተጠጀአ ፕሮጀክት፡ ካብ ሕጂ ንህግደፍ ጥራሕ ተማሊኡ ክኸይድ ክኸውን ጻዕርታት ኩላትና ክኸውን ይግባእ።
ህግደፍ ዘዝዓጠቖ እናተፈትሐ፡ ዘዝፈሓሮ ጉድጓድ ንባዕሉ እናኣተዎ ዕብራኑ ንኹሉ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ህግደፍ እናዓበረ ኣብ ዝኸደሉ ሰዓት ደንበ ተቓውሞ ብኣንጻሩ ክሃጥር ምተገበአ። ግን ከኣ ህግደፍ ጸይቂ ስርሑ ስለዘይገድፍ ንገለ ኣካላት ደንበ ተቓውሞ ዓሲቡ ከይኸውን ሃሰስ ምባል ከድልየና’ዩ። ካልኦት ዘናፍስዎ ሕሜት’ውን መሊኡ’ዩ። ጭብጢ ረኺብና ብግብሪ ምቅልዑ ግን ናትና ዕዮ ገዛ ክኸውን’ዩ። እዚ ጥራሕ ግን ኣይኮነን። ደንበ ተቓውሞ ካብ ዝለመዶ ጸቢብ ዓንኬላት ክወጽእ እንተዘይክኢሉን ብግብሪ ነቲ ዝሓንጸጾ ክመስል እንተዘይበቒዑን እቲ ዝመጽእ ማዕበል ለውጢ ተማሊእዎ ዝኸይድ እምበር ሃዋርያት ለውጢ ክኸውን ኣይክእልን‘ዩ። ደንበ ተቓውሞ ብርግጽ ሃዋርያት ለውጢ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብዙሕ ግዜ የብልናን። መሬት ይዓርበና ኣሎ። ታሪኽ ከም ዝምህረና ለውጢ ንምምጻእ ኩልኻ ክትሰማማዕ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ምስ ዘይኸኣል ግን ግድን ኣይኮነን። ሕጂ’ውን እንተኾነ እቲ ዝኸኣለ ይጉየ፡ ዝደኸመ ይሳለ፡ ዝተሸኽለ ከኣ ይተኣለ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
19/09/15

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9919

Posted by on Sep 20 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net