ደምዳሚ ኣዋጅ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ!!

ensf baner
ኩነታት ኤርትራ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋንን፡ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብድኽመትን ምብትታንን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ሁመትን፡ ከምኡ’ውን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ብሓፈሻ ንኤርትራ ድማ ብፍላይ ዝጸሉ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባሌታት ኣብ ዝንህረሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ካብ 11 – 14 መስከረም 2015 ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ካብ ዝሓለፈ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ክሳብ እዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሰርሐ ናይ ሰክርታርያ ባይቶን፣ ናይ ፈጻሚ ኣካልን ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣገዳሲ ምይይጥ ብምክያድ ነቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት ብምሉኦም ኣጽዲቕዎ።
ኣብ ግንቦት 2014 ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ ግዜ ንውድብና ከቢብዎ ዝነበረ ኩነታት ፡ ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሃገራውን ዲሞክራስያውን መርሆኡ ንምጥፋእን፡ መጻኢ ዕድሉን ታሪኻዊ ውርሻኡን ዝሃደደን ውዲታት ብዑምቀት መዚኑ። እንተኾነ ግን፣ እቲ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ህጹጽ ኣኼባ፡ ምስ’ቲ ኩሉ ወድውን በዓል ቤታውን ዘጋጠሙ መኸታት፡ ካብ ውድብ ዝወጸት ጉጅለ ንውድብ ካብ’ቲ ዝረግረጎ ውዲታዊ ዓዘቕቲ ብምውጻእ ፣ ውድብ ንጹር መደባት ክሕንጺጽን ክኢሉ’ዩ።
ማእከላይ ባይቶ፡ ብኩሎም ትካላት ውድብ ዝተሳላሰለ መደባት ብወድዓውነት ብምግምጋም፣ ሓያልን ድኹምን ጎድንታቱ መዚኑ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት’ዚ ዝተረጋገጹ መኽሰባት ኣድናቖቱ ገሊጹ። ካብኡ ብምብጋስ ድማ እዋናዊ መደባት ሓንጺጹ። ኩሎም ውድባዊ ጽፍሕታት ዝተጻወትዎ ግዴ ብሓፈሻ፡ ኣውራ ድማ ሰፊሕ መሰረታትና፣ ውድቦም ንምድሓንን ሃገራዊ መርህኡ ብምዕቋብን፣ ”ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” ዝብል ማእከላይ ጭርሑ ግሃድኤ ህያው ኮይኑ ንክቕጽል ክገብሩ ምብቐዖም ልዑል ናእዳኡ ገሊጹ። ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ፣ ብዙሓት ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታትን ሃገራውያን ባእታታትን ከምኡ’ውን ሰፊሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ካስል ክገብሩ ምብቀዖም ብጣዕሚ ዘሕብን ኣጋጣሚ ምንባሩ ማእከላይ ባይቶ ንኢዱ። ብኻልእ ሸነኽ’ውን፣ ብመሰረት’ቲ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ መደብ ዕዩ፡ ውድብና ነቲ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ቃልሲ ናብ ውሽጢ ሃገር ከሰጋግሮ ብምኽኣልን፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝተሳለጡ ዕዮታትን ኣዝዩ ዘኹርዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣብ መጻኢ ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋሩ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ናይ መደባትና ዝስራዕ ምዃኑ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ።
ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብዑምቀት ድሕሪ ምርኣይ፡ ኤርትራ ድሕሪ ምሕራራ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ፣ ብስንኪ’ቲ ስልጣን ብሓይሊ ዝጨበጠ ጉጅለ ህግደፍ ዝተኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ኣዕኑድ ሓድነቱን መጻኢ ዕድል ሃገርን ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ብምውራድ፡ ሃገርና ኣብ ደንደስ ምብትታን ከም ዝሸመማ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ገምጊሙ። ኩነታት ሃገር ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ጥርዚ ካብ በጽሐ፣ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ካልኣዊ ፍልልያቶም ንጎድኒ ብምግዳፍ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምውዳቕ፡ ህዝብና ዝብህጎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ዝውንንዎ ገድላዊ ዓቕምታት ከበርክቱ ይግባእ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ነዚ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ምስ ዝስከሙ ሓይልታት ኣብ ቅድሚት ከም ዝስለፍ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ። ነዚ ዕማም’ዚ፡ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ድማ፡ ተቓውሞ ሓይልታት ኣብ መንጉኦም ዘሎ ዝምደናታት ቃልሲ ከዕዝዙን፣ ኣብ ነዊሕ ናይ ቃልሲ መስርሕ ዘረጋገጽዎ ገድላዊ መኽሰባት ከዕቁቡን፡ ኣገዳስነት ከም ዘሎዎ ነቕ ዘይብል እምነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምግላጽ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ’ቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ዓበይቲ ሃገራዊ መኽሰባት ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ዘካይድዎ ቃልሲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ፈስቲቫል ካስል 2004 ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት ብዛዕባ ኣዳላይነት ምክያድ ሃገራዊ ዋዕላ ዝበጸሕዎ ብ ”ማኒፈስቶ ካስል” ዝፍለጥ ስምምዕ ዝቖመ ጽላል ምዃኑ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣረጋጊጹ። ኣብ ታሪኻዊ ጉባኤ ሃዋሳ ድሕሪ ምቛሙ፡ ኣብ ጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘጋጠመ ቅልውላውን ምትሕልላኽን ብዝምልከት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ብድሕሪ’ቲ ኣብ ታሕሳ 2014 ኣብ ደብሪዜት ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሞንጎ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን ንዝተኸስተ ዓሚቕ ቅልውላ ንምፍታሕ፣ መሪሕነት ባይቶን ካልኦት ወገናትን ንዘካየዱዎ ኣወንታዊ ጻዕሪታት ብትዂረት ርእዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ውድብና ዝወሰዶ መርገጻትን፥ ነቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ውድዓዊ ፍታሕ ንምርካብን ዝቕረበ ሓሳባትን ቅኑዕ ምንባሩ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ነዊሕ ተጋድሎ ዝተረጋገጸ ጠርናፊ ሃገራዊ ጽላል ከም ምዃኑ መጠን፣ ኣገዳስነት ናይ ምዕቋቡ ጽኑዕ መትከላዊ መርገጽ ውድብና ምዃኑ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ። ኩሎም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝኾኑ ሓይልታት፡ ካልኣዊ ፍልልያቶም ንጎድኒ ብምግዳፍን፣ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ብምስካምን፣ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላው ንምድሓንን፣ 2ይ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን ምስ ዝዓለመ ተበጉሶታት ብኣወንታ ንክዋስኡን፡ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእኸልእይ ባይቶ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ህልው ቅልውላው ንምውጻእ ዝግበር ጻዕርታት ንምዕዋት ውድብና ምሉእ ደገፉ ብምግላጽ፣ ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓቀኛ ረብሓ ዘሎዎ ሐፋሽ ህዝብና፣ ኣብ ጎድኒ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ደው ብምባል፣ ካብ ኣቲይዎ ዘሎ ቅልውላው ንምውጻእ ዝዓለመ ጻዕርታት ከካይድ ጸዊዑ።
ኤርትራውያን መንእሰያት ከም መትኒ ለውጢ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተ ሰብ፡ ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮታት ጠቓሚ ትምህርቲ ብምቕሳም፡ መሳርዖም ንምጥርናፍ ከዓዩን፡ ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ ኣብ ቅድሚት ኪስለፉ ዘኽእሎም ጠርናፊ ኤርትራዊ ማሕበር መንእሰያት ንምቛም ክቃለሱን፡ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ጸዊዑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣብ ምጥርናፍ መንእሰያትን ገድላዊ ኣስተዋጽእኦም ኣብ ምብራኽ፡ ካብኣቶም ዝጥለብ ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ድማ ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዝነበረን ልሉይ ግደ ብምዝካር፡ ሕጂ’ውን ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ዓቕምታተን ብሓባር ጠርኒፈን ግደአን ክብ ንምባል ክለዓላ ጸዊዑ።
ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝፍጽሞ ዘሎ ርኡይ ግህሰታት ሰብእዊ መሰላት፡ ዘርኣዮ ቆላሕታ ኣሞጒሱ። መርማሪት ሽማግለ ግህሰታት ሰብእዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ነቲ ካብ ነዊሕ ጊዜ እንገልጾ ዝነበርና ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋገጸ ምዃኑ ማእከላይ ባይቶ ገሊጹ። ኣብ ዘተፈላለዩ ቦታት ተቐባልነት ሰፊሕ ህዝቢና ከም ዝረኸበ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታትን ብብዙሓት ሃገራውያን ዝወጸ ደጋፊ መግሊጺታትን፥ ብፍላይ ድማ፥ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ከተማ ጅኔቫ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ናቱ ቐጥታዊ መግለጺ ምዃኑ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ። ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሞ ሰብኣዊ ግህሰታት ንምቅላዕ፡ ናይ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ጻዕርታት ብሓፈሻ፡ ናይ መርማሪት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕሪታት ድማ ብፍላይ፥ ኩሉ መዳያዊ ደገፍ ውድብና ብምግላጽ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ’ዚ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ርእሲ ህዝብና ብዝፈጸሞ ገበናትን ሰብኣዊ ጥሕሰታትን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንምቕራቡ ዝሕግዝ፡ ኩሎም ወገናት ንኣህጉራዊት መርማሪት ሽማግለ፥ ብጭብጥታት ዝተሰነየ ሓበሬታት ከቕርቡ ጸዊዑ።
ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘሕልፉዎ ዘሎዉ ኣሰቀቒ ሃለዋት ብዓቢ ኣትክሮ መዚኑ። ዓሰርተታት ኣሻሓት ኤርትራውያን ሰላምን ርግኣትን ዝረኽብሉ ቦታ ንምንዳይ፡ ሃገሮም ራሕርሖም ናብ ስደት ከምርሑ ዘገድዶም ዘሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ጨቋኒ ፖሊሲታት ስለ ዝኾነ፡ ናይ’ዚ ኩሉ ስቅያት ቀንዲ ተሓታታይ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣረጋጊጹ። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዕቁባ ዘሎዋ ጎረባባቲ ካልኦት ሃገራትን፡ ልዑል ምስጋናኡን ሞጎሱን ኣቕሪቡ። ጉዳይ ስድተኛታት ዝመልከቶም ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ነቶም ስደተኛታት ዘዕቁባ ዘለዋ ሃገራትን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ስምምዕ ዝተመርኮሰ ንድሕነቶም ዝምልከት ኣተሃላልዋ ከውሕሳሎም ጸዊዑ።
ገለ ፈተውቲ ሃገራትን ለገስቲ ኣህጉራዊ ሽነኻትን ምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምስምማዕ ኣብ ኤርትራ ገንዘብን ንከዋፍራ ዝኸተመኦ ዉዑላት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ልምዓትን ግስጋሰን ህዝብና ዝውዕል ዘይኮነስ፡ ኣብ ምዕዛዝ ኣዕኑድ ጨፍላቒ ፖሊሲኡ ከውዕሉ ምዃኑ ስለ ንኣምን፡ ነቲ በጺሐነኦ ዘለዋ ውዑላት ዳግመ ርእይቶ ክገብራ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ።
ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ክስለፉን፡ ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ነፍሶም ከግልሉን፡ ብስንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ገዛኢ ጉጅለ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ዘሎ ሃገራዊ ልዑላውነት ንምዕዛዝን፡ ከምኡ’ውን ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ምስ ኩሉ ሃገራዊ ሓይልታት ከዓዪን ጸዊዑ።
ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከብ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና፡ ምእንቲ ዲሞክራስን ሰላምን ፍትሕን ዘውሕስ ስርዓት ንምትካል፡ ጸረ ዲክታቶርያዊ ጉጀለ ከለዓልን ቃልስታቱ ከሕንንን ጸዊዑ።
ኣብ ከባቢ ሃገርና ብሓፈሻ ኣብ የመን ድማ ብፍላይ ተባሪዑ ዝርከብ ኣዕናዊ ውግኣት ብቕጽበት ደው ክብልን፡ ዘሎ ፍልልያት ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንትኦ የቕርብ።
መላእ ፈተውቲ ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን፡ ብዛዕባ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝግደ ወገናትን፡ ህዝብና ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ዘካይዶም ዘሎ ርትዓዊ ቃልሲ ክድግፉ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና !!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!

ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
15 መስከረም 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9921

Posted by on Sep 20 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net