ዝተፈላለየ ዜናታት !

ensf baner

• ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ኤርትራ ብምስሓብ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ ስራዊት ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ድምሒት) ኣብ ውሽጢ ላዕለዎት ወትሃድራውን ጸጥታውን ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዓቢ ቅልውላው ተፈጢሩ ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዝውንን ሓይልታት ድምሒት፥ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ብዘይ ገለ ረጽሚ ምስ ሰራዊት ኤርትራ፣ ብመንገዲ ኡም ሓጀር ኣቢሉ ናብ ዶብ ሱዳን ገጹ ክጓዓዝ ምኽኣሉ ንብዙሓት ተኸታተልቲ ዘደንጸወ ተረኽቦ ምንባሩ እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ኣብ ህዝብና’ውን ከይተረፈ፥ እዚ ስርሒት’ዚ ብኸምዚ መልክዕ ምፍጻሙ፣ ገለ ካብ መራሕቲ ስራዊት ኤርትራ ኢድ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ ዝብል ጥርጣሬን ትሕም-ትሕምን ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ነቲ ኣብ ዶብ ሱዳን ምስ በጽሐ ዝተገብረ ምትዃስ ንይምሰልን፥ ህዝቢ ንምድንጋር ኮነ ኢልካ ብወትሃድራውያን መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ምንባሩን ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝዛረብሉ ዘለዉ ጉዳይ ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ህዝብና ዓው ኢሉ ይሕጭጭ ምህላዉ’ውን ክረጋገጽ ተኻኢሉ ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም። መራሒ ድምሒት ”ሞላ ኣስገዶም”፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጸጥታ ኣዚዩ ድኹም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ዲክታቶር ኢሳያስ ንጀነራል ኣብራሃ ካሳ ጸዊዑ ”ጸጥታና ሓያልን ንኩሉ ጉዳያት ብደቂቕ ይከታተልን ኢዩ ኢልካ ትሕስወለይ ነይርካ” ክብል ከም ዘዋረዶ ኡሙናት ምንጭታትና ሓቢሮም። ኣብ መንጎ ኢሳያስን ኣብራሃ ካሳን ዓቢ ምንህሃር ከም ዝተፈጥረን፥ ከም ውጽኢቱ’ውን ኣብ ዝመጽእ ግዜ ኣብ ጸጥታዊ ምምሕዳር ገለ ምዕባሌታት ከይ ተራእየ ኣይተርፍን ዝብል ምናልባታት ከም ዘሎ’ውን ተፈሊጡ። ብኻልእ ሸንኽ’ውን፣ ዓበይቲ ውትሃድራውያን መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፥ ሓይልታታ ደምሒት ካብ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ተጻብኦ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምኽኣሎም ኣብ ባይታ ፈጢርዎ ዘሎ ኩነታት ንምርኣይ ኣብ ቀጻሊ ኣኼባታት ከም ዝርከቡ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

• ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ብሓይልታት ስርዓት ህግደፍ ሰፊሕ ናይ ፍተሻን ምጉርጋርን ወፍሪ ከም ዝተኻየደ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ካብ ቀዳም ዕለት 19 መስከረም ድሕሪ ቀትሪ ኣትሒዙ ክሳብ ወጋሕታ ሰኑይ ዕለት 21 መስከረም ብሓይልታት ሓለዋ ዶብ (ክፍሊ ሰራዊት 86ን 32ን) ዝተፈጸመ ወፍሪ፡ ብዙሓት መካይን ደው ብምባል፡ ነቶም ተጻዒኖመን ዝነበሩ ብምውራድ ኩሉ ሰውነቶም ብምፍታሽን፥ ነተን መካይን’ውን ደቂቕ ፍተሻ ከም ዝገበሩን እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ከም’ዚ ዓይነት ፍጻሜ ልሙድ ተግባር ስርዓት ህግደፍ’ኳ እንተኾነ፣ ናይ’ዚ ሕጂ ዝተፈጸመ መጠነ ሰፊሕ ፍተሻ ግን ቀጥታዊ ምኽንያቱ ዛጌት ብንጹር ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ።
• ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 18 መስከረም ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼብኡ ከም ዘካየደ ተፈሊጡ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፥ ነቲ ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝተወስደ ውሳኔታትን፥ ዝተሓንጸጸ መደብ ዕዮን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ትልሚ ኣፈጻጽምኡ ንምውሳንን ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ነዚ ብዝምልከት፥ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ፣ ኩሉ መዳያዊ መደባት ብምሕንጻጽ፣ ናይ ቃልሲ ዕማማት ውድብ ክብ ንምባልን፥ ኩሎም ትካላት ውድብ ንጡፍ ዕዮ ንምክያድን ዘኽእሉ ውሳኔታት ብምውሳድን፣ መሰረታት ውድብ ግደ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ምሕያል ዕዙዝ ተርኦም ንክጻወቱ ዘተባብዕን መደባትን ከም ዝሓንጸጸ ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፥ ሃገራዊ መርሆ ውድብና ኣብ ምዕቋብን፥ ኣብ ባህርያዊ ቦትኡ ብምምላስ፣ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዕዙዝ ተራ ንክጻወትን፥ መሰረታት ውድብ ዘርኣይዎ ዓቢ ኣስተዋጽኡ ፈጻሚ ኣካል ንኢዱ።
ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ድሕሪ ምዝዛም ፥ መሪሕነት ውድብ ምስ ዝተፈላለዮ መሓዙት ውድባት፥ ክልተኣዊ ዝምድናታት ንምምዕባልን፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ’ዚ ኣቲይዎ ዘሎ ቅልውላው ብምውጻእ፣ ናብ ዕዉት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንክበጽሕ ዘኽእል ሃዋሁ ንምፍጣር፣ ጽዑቕ ምምኻራት ከም ዘካየደ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

• መብዛሕትኦም ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ዘለዉ ሰባት፣ ካብ ግፍዒ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ምዃኑም፣ ጋዜጣ ዎርሉድ ትሪብዮን ኣቃሊሓ። ተግባራት ስርዓት ኢሳያስ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ደያቢ ከም ዝገበሮን፣ ብዙሓት ካብኣቶም ብሰሜን ኣፍሪቃ እቢሎም ናብ ምዕራብ ኤውሮጳ ክስደዱ ይግደዱ ምህላዎም ድሕሪ ምሕባር፣ እዚ ኩነታት’ዚ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ኢዩ ክትብል ጋዜጣ ዎርልድ ትሪፕዮን ገሊጻ።
ላዕላዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ኣብ ሕዳር 2014 ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣዋርሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ናብ ሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝደየበ ሓቢሩ። 22 ሚእታዊ ካብቶም ብመራኽብ ናብ ዓዲ ጣልያን ዝጓዓዙ ሰባት፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፣ ኤርትራውያን ብብዝሒ ቂጽሮም ቀጥታ ድሕሪ ሶርያ ኣብ ካልኣይ ቦታ ከም ዝስርዑ ገሊጻ። እቲ ቁጽሪ ኣብ 2015 ደዪቡ ምህላዉ’ውን ብተወሳኺ ሓቢራ።

• መንግስቲ ሱዳን፥ ዓቢ ጸጥታውን ፖለቲካውን ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ከተማ ካርቱም ብምስጢር ከም ዘዛረበት ተሓቢሩ። ምስጢራዊ ዑደት ናይ’ዚ ልኡኽ’ዚ ምስ’ቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን-ኢትዪጵያን- ሱዳንን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ተረኽቦ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ዘረጋግጽ ጭብጥታታ ኣሎ ክትብል መርበብ ሓበሬታ ”ኣዱሊስ” ኣቃሊሓ። እዚ ላዕላዋይ ጸጥታዊ ልኡኽ ኤርትራ ብሰንበት ምሸት ዕለት 20 መስከረም ኣብ ካርቱም ዘይእዉጅ ዑደት ከም ዝጀመረ ካብ ምንጭታታ ሰልፍታት ሱዳን ከም ዘረጋገጸት ”ኣዱሊስ” ገሊጻ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ምስሓብ ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ድምሒት) ካብ ኤርትራ ናብ መሬት ሱዳን፣ ድሒሩ’ውን ብሓይልታት ኤርትራ ዝተግበረ ተጻብኦ ደው ብምባል፥ ሓይልታት ድምሒት ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ክኣትዉ ኣብ ምግባር፣ ግደ መንግስቲ ሱዳን እንታይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ዝሃቀነ ኢዩ ክብሉ ምንጭታታ ከም ዘረጋገጹ ”ኣዱሊስ” ሓቢራ። ነዚ ብዝምልከት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ሱዳን ዝቐረበ ምስጋና፥ ኣብቲ ዝተፈጸመ ስርሒት ግደ ሱዳን ዓቢ ምንባሩ ዘረጋግጽ ኢዩ ክትብል መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ብተወሳኺ ገሊጻ። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወትሃድራውን ጸጥታውን ውዑላት ከም ዘሎ ብምሕባር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ሱዳን – ሰሜናዊ ክፍሊ፣ ኣብ ደቡብ ኒል- ኣል ኣዝራግ (ብሉ ናይል) ዝተኻየደ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ መንግስቲ ሱዳን ካብ’ዚ ስምምዕ’ዚ ተጠቃሚት ምንባራ ”ኣዱሊስ” ገሊጻ። ንመንግስቲ ሱዳን ናይ ዝቃወማ ውድባት ምስራቕ ሱዳንን ዳርፎርን ወትሃድራዊ መደበራት ኣብ ኤርትራ ጌና ከም ዘሎን፥ መንግስቲ ኤርትራ ምስ’ቲ ኣብ ሰማያዊ ኒል (ብሉ ናይል) ዝነጥፍ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሱዳን -ሰሜናዊ ክፍሊ ቀጻሊ ዝርርባት ከም ዘሎን ኣዱሊስ ብተወሳኺ ሓቢራ።

• ሓይሊ ብሕሪ ጣልያን 4700 ዝኾኑ ናብ ኤውሮጳ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ብቀዳም ዕለት 19 ኣብ ገማግም ሊብያ ከም ዘድሓነት ተፈሊጡ። ምስ’ዞም ስደተኛታት ትጓዓዝ ዝነበረት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝሞተት’ውን ተፈሊጡ። ከምኡ’ውን ተሰዊሮም ተባሂሉ ዝዝረበሎም ዝነበረ 26 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ግሪኽ ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ብመሰረት ካብ ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ዝወጸ መግለጺ፥ ነዞም ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ብዙሓት መራክብን ጃልባታትን ከም ዝተዋፈራ ብምሕባር፥ እታ ህይወታ ዝሰኣነት ጓል ኣንስተይቲ ብዘይ ተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን መራኽብ ሞይታ ከም ዝተረኽበት ኣረጋጊጹ። ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን 20 ዝኾውን ናይ ምድሓን ፈተነ ከም ዘካየደን፥ ኣብዚ ስርሒት’ዚ ብዙሓት ዓበይትን ናእሽቱን መራክብ ከም ዝተሳተፋን፣ ኣስታት 4343 ዝኾነ ስደተኛታት ክድሕኑ ከም ዝኻኣሉን ተሓቢሩ።
ኣብ’ዚ ዝተኻየደ መስርሕ ምድሓን ስደተኛታት ”ሓካይም ዶብ ኣልቦን፣ ኣብ ማልጣ ዝመደበሩ ማእከል ባሕሪ ረድኢት ንስደተኛታን ናይ ንግዲ መርከብን፥ ናይ ኮርዋትያ መርከብን፣ ናይ ጀርመንን ኢንግሊዝን መራክብን ከም ዝተሳተፉ ተረጋጊጹ። እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ናይጀርያን ሶማልን ሊባውያንን ካልኦት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ከም ዝርከብዎም ኣቶ ሲሞን ቦሮዝ ዝተባህለ ኣዋሃሃዲ ህጹጽ ረዲኢት ”ሓካይም ኣልቦ ዶብ” ሓቢሩ። 2280 ዝኾኑ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰደተኛታት፥ ብዝትፈላለዮ 8 ዝኾኑ ስርሒታት ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉ፡ ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ብተወሳኺ ሓቢሩ። ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ’ውን 124 ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ገጹም ይነቕሉ ኣብ ዝነበሩሉ፥ ሒዙ ከም ዝኣሰሮም ተፈሊጡ። ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ከብ ሶርያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ደው ንምባል ብዙሕ ጻዕርታት የካይዳ ምህላወን ተረጋጊጹ። ማእከላይ ባሕሪ ቀንዲ መሰጋገሪ ስደተኛታት ኮይኑ ምህላዉ’ውን ብዓለም ደረጃ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
27 መስከረም 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9934

Posted by on Sep 29 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net