መልእኽቲ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱዛ

ENSF
Date: 03/10/2015

መልእኽቲ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ.
ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱዛ

ክቡራትን ክቡራንን ስድራ ቤት ስውኣት፡
ክቡራት ደቕና ውጻእ መዓት፣
ክቡር ተቓላሳይ ህዝብና !

እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘጋጠመ፡ ንኤርትርውያን ጥራሕ ዘይኰነስ ንመላእ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ዘሕዘነ ህልቂት ናይ 368 ዜጋታትና ኣብ ላምፐዱዛ (ገማግም ዓዲ ጣልያን) ንዘልኣለም ኣብ ሓንጎልና ተቐሪጹ ክነበር ኢዩ። እዚ ዘጕሂ መቕዘፍቲ’ዚ፡ ኣካል ናይ’ቲ ቅድሚኡ ዝተረኽበ ህልቂታትን፡ ጌና’ውን ዝቕጽል ዘሎን ኢዩ።

ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንዓለም ዘደነቐ ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ መሬቱ ካብ ኢትዮጵያዊ ጎበጣ ነጻ ኣውጺኡ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ክሃንጽ ዓቢ ትጽቢታት ነይርዎ። እንተዀነ ግን፡ ብሰንኪ’ቲ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ዝበሓተ ምልካዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ እዚ ተስፋታት’ዚ በኒኑ ተረፈ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ብኣማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰደተኛታት ብፍላይ ድማ፡ ካብ ሱዳንን የመንን ኢትዮጵያን ጂቡትን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ክንዲ ዝጣየሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ንካልኣይ ስደት ተሳጠሐ። ንሕና ከም ውድብ፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዕርቂ ተኻይዱ፡ ንኩሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንክቐውም ብተደጋጋሚ ጻዊዒት ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓልናን። ነቲ ንሕናን ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታትን ዘካየድናዮ ጻዕርታት ግን፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ብፍላይ ድማ፡ እቲ ብኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ ጸቢብ ትምክታዊ ጉጅለ፡ ጸማም እዝኒ ስለ ዝሃቦ፡ ሃገራዊ ሓልዮት ዝመልኦ ጻዕርታትና መኺኑ ተረፈ። ትምክሕታዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ከኣ፡ ካብ’ታ ብዕለት 20 ሰነ 1991 “ሓሸውየ ውድባት ኣይክፍቀድን ኢዩ፡ ወጻኢ ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝካየድ ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ ብገበን ዘሕትት ኢዩ” ክብል ኢሳይያስ ዘስመዖ መደረ ጀሚሩ፡ ኣዕኑድ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምትካል ተጓየየ። ይትረፍዶ ነቶም ካብ ህ.ግ. ወጻኢ ዝነበሩ ተቓለስቲ ኣባላት ካልኦት ውድባት፡ ኣብ ውሽጢ ተጋደልትን መራሕትን ህ.ግ. እውን ከይተረፈ ፖለቲካዊ ቅንጸላ ከካየድ ጀመረ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐየረት። ኣብ ኩሉ መዳያት ከኣ እናኣንቀልቆለት መጸት። ከይዳ ከይዳ ናብ ፍሽልቲ ሃገር ገጻ ከተምርሕ ምዃና’ውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ስለ’ዚ ኢዩ እምበኣር፡ ንሕና ከም ሃገራውያን ተቓለስቲ፡ ነቲ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ተዓጢቕናዮ ዝነበርና ናይ ቃልሲ ቅናት ከይፈታሕና፡ ከም እንደገና፡ ዲሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ሃገር ንምቛም፡ ቃልስና ክንቅጽል ዝተገደድና። እዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብባህርያቱ፡ ካብ’ቲ ኣብ መዋእል ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይሊ እንካይዶ ዝነበርና ዝተፈልየ ስለ ዝዀነ፣ ብኣጋባቡ ከኣ ፍልይ ዝበለ ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ። ከምኡ’ውን እዚ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፣ ኣብ መንጐ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጐ ህዝቢ ኤርትን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ’ዚ ቃልሲ’ዚ ተሰሊፉ እጃሙ ከበርክት ታሪኽ ይሓቶ ኣሎ። ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ሓላፍነት ናይ ሓደ ውድብ ወይ ናይ ዝተፈልየ ምትእኽኻብ ዘይኰነስ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። እዞም ሎሚ፡ ንዝኽሮም ዘሎና ንጹሃት ዜጋታትና፡ መንፈሶም ዝዓርፍን፡ ከምኡ’ውን ናይ ጥፍኣት መንገዲ ሰደት ጠጠው ዝብልን፡ ነቲ ናብ’ዚ ኩነታት’ዚ ዘብጸሐ ጨቛኒ ስርዓት ኣልጊስና፣ ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ዝነገሶ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስ እነተክል ጥራሕ ኢዩ። ኩላህና ሓቢርና፡ ንመላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. “ይኣክል” ክንብል ክንበቅዕ ኣለና። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ማእከላይ መርገጽ ምሓዝ ኣብ ጎድኒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ደው ከም ምባል ኢዩ ዝቝጸር። ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሃገር እና ጠፍአትን፡ ህዝብና እና ጸነተን ኢድካ ኣጣሚርካ ምርኣይ ናይ ገበን ገበን ኢዩ።

ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራውያን፡

ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝብና ቃልስታት ብፍላይ ድማ፡ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ተዋሳእነት ናይ መንእሰያትና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋሩ፡ በብዘለና ዓቕሚ ክንጽዕት ኣለና። ንሕና ከም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ነተን ምስአን ኣብ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብሓባር ንሰርሕ ዘለና ሓይልታት ይኹን፡ ወጻኢ ካብኡ ዝርከባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብኽፉት ልብን ኣእምሮን፡ ክንላዘበን፡ ንሃገርና ኣብ ምድሓን ብሓባር ክንሰርሕን ከም ወትሩ ቅሩባት ምዃና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ንመንእሰያትና ድማ፡ ዓቕምታቶም ብሓባር ጠርኒፎም ሓድነቶም ኣውሒሶም፡ ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዕዙዝ ተራ ንክጻወቱ ብቐጻሊ ከነተባብዕ ግዴታና ምዃኑ ከነስምረሉ ንፈቱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ነዞም ኣብ ገማግም ላምፐዱዛ ዝተሰውኡ ኣሕዋትና ኣሓትናን ደቅናን፡ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ብምባል፡ ንስድራ ቤቶምን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃብ ንብል። ነዚ ዘይትኣደነ ዋጋ ዘኽፍለና ዘሎ ስርዓት ኣሊና፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ቃልስና ከነሕይል ምዃና ድማ መብጻዓና ነሐድስ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉእትና !
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !

ዶር ሃብተ ተስፋማርያም
ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9949

Posted by on Oct 4 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net