ቅሉዕ መልእኽቲ ንኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)

ክቡር ተቓላሳይ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ፣

ሰውራዊ ሰላምታና ብምቕዳም፣ ኣብ ጥዕናኻ ምልኣት ኣብ ተካይዶ ዘሎኻ ሃገራውን ህዝባውን ቃልሲ ድማ ኣሳልጦ ንምነየልካ።

ዝኸበርኻ ሓው ግርማይ ኪዳነ፣ ብዛዕባ ኣብ ፈስቲቫል ካስል ናይ 2015 ተረኺብካ ዝተዓዘብካዮ ጉዳያትን፣ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን፣ በርገሳውያን ማሕበራትን፣ ሃገራውያን ባእታትን፣ ኣብ’ቲ ነጻ መድረኽ ፈስቲቫል ካስል ዘስመዕዎ ተስፋ ዝህብ ቃላትን ርእይቶን ተበጊስካ ”ኣብ ካስል ዝተጸብሐ ኣበይ በጽሐ” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ ክፋላት መቓቒልካ እትጽሕፎ ዝነበርካ ጽሑፋት ብዓቢ ተገዳስነት ንከታተሎ ከም ዝነበርና ክንሕብረካ ደስ ይብለና። ነቲ ዘይደክም ሓርበኛዊ ሕልናኻ ኸኣ ልዑል ኣድናቖትና ክንገልጸልካ ንፈቱ።

ክቡር ሓርበኛ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ፣

ብርግጽ ኣብ ፈስቲቫል ካስል ናይ 2015 ዝተሰምዐ ናይ ዝተፈላለያ ውድባትን ማሕበራትን ቃል፣ ነንሕድሕዱ ዝላገብ እንተዘይኮይኑ፣ ዝነጻጸል ወይ ድማ ዝፈላለ ሓሳብ ኣይነብሮን። ከርሲ ነገሩ ድማ ”ጸላኢና ህግደፍ ኢዩ፣ ኣንጻር ጸላኢና ህግደፍ ድማ ተሳኒና ብሓባር ንግጠም” ኢዩ ዝነበረ። ካብ’ዚ ወጻኢ ካሊእ ፈንታር ርእይቶ ኣይነበረን። ተሳታፋይ ፈስቲቫል’ውን ነቲ ኣብ መድረኽ ዝተሰሞዐ ነንንሕድሕዱ ዝተሓቛቖፍ ርኢቶታት ናይ ዝተፈላለያ ውድባትን፣ ማሕበራትን ውልቀ ሰባታን መስረት ብምግባር፣ እዚ ካብ ኮነ ርኢቶታትኹም ተሳኒኹም ዘይትሰርሕሉ ምኽኒያት የልቦን እሞ፣ ንመጻኢ ሓቢርኩም ክትሰርሑ ቃል እተውልና ዝብል ምሕጽንታን ለበዋን ዘመሓላለፈ። ነዚ ዝጻባእ ኮነ ዝቃወም ርእይቶ ከኣ ኣይነበረን። በዚ ኢዩ ከኣ ፈስቲቫል ካስል ናይ 2015 ተስፋ ብዝመልኦ ሃገራዊ መንፈስ ዝተዛዘመ።

ስለዝኾነ፣ ክቡር ሓው ግርማይ ኪዳነ እውን መበገሲ ጽሑፋትካ ካብ’ዚ ክውንነት እዚ ኢዩ ዝነቅል፣ ደኺመ ከይበልካ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት፣ ለበዋታትን ምሕጽንታን ህዝቢ ኣበይ በጽሔ እናበልካ ሃንቀውታን ሃረርታን ተቓላሳይ ህዝቢ ምቅላሕካ ብሓቂ ኣዚዩ ክምስገን ዘለዎ ሃገራዊ ዕማም ኢዩ።

ክቡር ሓው ግርማይ ኪዳነ፣

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ጽሑፍካ ድማ ናብ መሪሕነትን መሰረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘቕረብካዮ ሕቶታትን ለበዋታትን ኣሎ። ነቲ ሕቶታት ቅድሚ ምምላሸና ግን ነቲ ንሕሉፍ ታሪኽ ነቕኒቕካ ኣብ ልዕሊ መሪሕ ሃገራዊ ቃልስና ዝኾነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈጸመ ዓለምለኻዊ ውዲታዊ ዓመጽን፣ ተንኮላት ኢሳይያስን ምግላጽካ፣ ግቡእካ’ኳ እንተኾነ፣ ክምስገን ዝግበኦ ተባዕን ወድዓውን ርእይቶ ኢዩ። ኣገዳስነቱ ድማ፣ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ሕሉፍ ታሪኻዊ ተሞክሮ’ዚ ዓቢ ትምህርቲ ከትርፍ ስለ ዝኽእል። ምኽንያቱ ሎሚ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ ህዝቢ ብገርሁ ከሎ ዝተጠቐመሎም ፈላለይቲ ሜላታት፣ ወስታታቶም ኣብዚ መድረኽ እዚ’ውን ክናፈሱን ክወናጨፉን ንሰምዕን ንርእን ኣሎና። ዝኽነ ኮይኑ ህዝብና ካብ ሕሉፍ ተሞክሮኡ ተማሂሩ፣ እቲ ኩሉ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብታን፣ ብሃይማኖት፣ ብእውራጃ፣ ብወረዳ እውን ከይተረፈ ዝግበር ድሑር ስብከታት ኣለልዩ ብምውጋድ፣ ከም’ቶም ዝሓለፉ ቀዳሞት ወለደና ሓድነቱ ኣጽኒዑ፣ ብቐዳምነት ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ሰሪዑ ብምክእኣል ተሳንዩን ሓቢሩን ክሰርሕ ኢዩ ዝግበኦ እሞ፣ መጸዋዕታ ፈቲቫል ካስል ናይ 2015 ኣብ ቦታኡ ኢዩ።

ናብ ሕቶታትካን ለበዋታትካን ብምምላስ፣ ክቡር ተቓላሳይ ግርማይ ኪዳነ፣ ከም’ቲ እትፈልጦ ድሕሪ ምዝዛም ዕዉት ፈስቲቫል ካስል ናይ 2015፣ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ኢዩ ኣትዩ። እዚ መዓልታት ዝወሰደ ጉዳይ ኢዩ ዝነበረ። ድሕሪ ናይ ፈጻሚ ኣካል ኣኼባ ምዝዛሙ ግን፣ መሪሕነት ውድብ ነቲ ለበዋ ናይ ህዝቢ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዓበይቲ ጻዕርታት ኣካይዱ ኢዩ፣ እቲ ጻዕርታት ድማ ተስፋ ዝህብ ውጽኢታት ኣሎዎ ክበሃል ይከኣል። እዚ ጉዳይ እዚ ግዜን ብዙሕ ጻዕርን ዘድልዮ ምዃኑ ኩሉ ዝስሕቶ ኣይኮነን።
እቲ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ውጽኢታት ኣብ’ዚ ዘርዚርካ ዝውዳእ እይኮነን፣ ከምቲ ዝበልካዮ ሓደ ዓቢ ህዝባዊ ሰሚናር ጸዊዕካ ብዝርዝር ዝሕበር ጉዳይ ስለ ዝኾነ ንመጻኢ መድረኽ ምግዳፉ ይሓይሽ። ነዚ ከኣ መሪሕነት ውድብ ብዕቱቡነት ሒዙ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ሓይልታት ይላዘብ ምህላዉን ክንሕብረካ ደስ ይብለና። ስለዝኾነ’ውነ ለበዋኻ ቅቡል ኢዩ። ኣብቲ እዋን ምክያድ ፈስቲቫል ካስል ድማ፣ ንሃገራዊ ውራይና ሓቢርና ከነድምቖ ዘሎና ባህግን ድሌትን ዝለዓለ ምዃኑ በዘየማትእ ኣረጋጊጽና ምንባርና ዝዝከር ኢዩ። ስለ ዝኾነ፣ ወፍሪ መቐጸልታ ልዝብ ፈስቲቫል ካስል 2015 ስሱን ዓውደ ምህርቱ ብዓይበት ክሕፈስ ኢዩ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ !!

ምስ ሰናይ ትምኒት !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
31/10/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9969

Posted by on Oct 31 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net