ምርሑኃው ህዝቢ ኤርትራ

Cologne Germany

ህይወትን ጉልበትን ከፊሎም ሃገር ዘረከቡና ተጋደልቲ፣ መሓልፎ አብ ዘበነ-ምልኪ፡ ንሳቶም እዞም ናይ ትምሊ ጀጋኑ፡ ሎሚ አብ ካልአዊ ዛዕባታት ክዋጠጡ፣ በዚ ከአ ንሶም – እዞም ተጋደልቲ – ብስም ህዝብን ሃገርን ክጭርሑ፣ ህዝቢ ይኹን ሃገር ከአ ጭርሖታቶምን መብጽዓታቶምን ብዘየገድስ ብግብሪ ከባድሙ፣ እሞ ናይ ዲያስፕራ ህዝቢ ገና ነዘን ንዓሰርቴታት ዓመታት ሓድሕድ ዚተሓናዀላ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ክጽበ ክነብር፣ ድሮ ከም እተባህለ ከአ ኵነታት ህዝብ’ን ሃገር’ን ናብ መንገዲ ዕንወት ከንቆልቍል ወዘተ… ነዚ ኵሉታት’ዚ ትም፡ ጥርቅም፡- አይግድን! አይመንገድን!

ስለዚ ሕጂ ህዝቢ – ከም ህዝቢ መጠን – ንጕዳያቱን ሳሃሮታቱን ብቐረባ ንምክትታል ዘኽእሎ ናይ ባዕሉ ውደባ ከድልዮ’ዩ። ነዚ ዛዕባ’ዚ ብቐረባ ንምዝዝታይ ዘኽእል፡ እንሆ ሎሚ፡ ኣኼባ ምርሑኃው ህዝቢ (public forum) ስለ ዘሎ ብኽብሪ ትጽውዑ አሎኹም።

እዚ ሓሳብ’ዚ አብ ርእሲ ብዙሓት ካባኻትኩም/ክን ክጸንሕ፣ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ተበግሶ ወሲድኩም ተዛራሪብኩምሉ ክትዀኑ ውሁብ’ዩ። አብ ከባቢና አብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ከነልዕሎ ጸኒሕና ኢና፤ ተሪፉ ዚጸንሐ፡ ኣደራሽ አሒዙ ዚጽውዕ ጥራይ’ዩ። ግደ ሓቂ ከአ አብ ዲያስፖራ ዛጊት አበየ-ዞናታትን ቦታታትን ከምዚ ናትና ዚመስሉ መጸዋዕታታትን ተበግሶታትን ምንቅስቓሳትን ከም ዘለዉ ንካታተሎ አሎና። ንሕና ነዚ ደገፍቱ ኢና። ከመይሲ ህዝቢ በብዘለዎ ተጠርኒፉ ጕዳያቱ ክከታተል ግቡኡን መሰሉን ስለ ዚዀነ።እዚ ጥራይ’ውን አይኮነን፤ ህግደፋ’ውያን ቀንዲ ብዘየዳግም ክሰብርዎን ከጥፍእዎን ዚተቓለስሉን ገና ዚቃለስሉ ዘለዉን ትልሚ፡ ግደን ያታን ህዝቢ ንምብራስ’ዩ። ምእንት’ዚ ህዝቢ ባዕሉ ዋና ጕዳያቱ ንምዃን፡ ተወዲቡ ክቃለስ አለዎ። ውደባ ህዝቢ መታን ኣድማዒ ተራ ክህልዎን በበይኑ ከይደክምን ግና ኵላትና’ውን እንተዀነ አብ ገለ መልክዕ ናይ መርበብ ተጠርኒፍና ክንንቃሳቐስ ግድን’ዩ። ብዝዀነ ጕዳይ መርበብ እንተዀነ’ውን አብ’ዚ አኼባና’ዚ ተላዒሉ ብኣኼበይና  ከም ዕላማ መጠን ተቐባልነት ንኽረክብ ክድፋ’አሉ’ዩ።

ካልእ ርዱእ ክውሰድ ንደልዮ ኣገባብ ዚምድና ህዝብን ውድባትን ከመይ ይኹን ዚብል ነጥቢ’ዩ። ከም መበገሲ ውድባት ናይ ውድባተን ዕማም ከሰላስላን፣ ብሓደ ክሰርሓን ሕጂ’ውን ግድነት አሎ’ወን።  ናይ ህዝቢ ምንቅስቓሳት ከአ ከምኡ ብሓደ ተማእኪሉ ቃልሱ ክከታተልን ከከታትልን ክህልዎ’ዩ። ክልቲኡ አወዳድባ ነናይ ሸነኹን ባህረ-ውደብኡን ዕማማታቱን እናሳለጠን ንምልኪ እንበድሃን ከአ ብእወታ መንፈስ ይወዳደር። መድረኽን ብቕዓትን እንተፍቂዱ’ውን ንክልቲኦም አብ ዘራኽቦም ሃገራውን መሰረታውን ዕላማታት ተወሃሂዶም ብሓደ ይሰርሑ።

ንህዝቢ ከም ዕላማ ዘገድሱን ዚጥርንፉን ገለ አዝዮም ውሑዳት መሰረታውያንን፣ ዓበይትን መትከላት ጥራይ እዮም ክኾኑ ዚኽእሉ። ብዝተረፈ አብ ዓድናን ምስ ህዝብናን ኴንና ነልዕሎም ጕዳያት’ዮም። ኩሉ ሓደ ካባታትና ድማ ነቲ ዓቢ ስእሊ ብምምዕዳውን አብ መሰረታውይን ነገራት ጥራይ ብምትኳርን አብቲ ኵላትና ዘይንፋላለየሎም ነጥብታት ጥራይ ክጸቅጥ ይሕተት። ከመይሲ፣ ክላትና ዘይንፈላለየሎም ሃገራዊ መትከላት ጥራይ ኢዮም ማእከላዊ ኣገዳስነት ዘለዎም። እቶም ዚፈላልዩናን ዘዋጥጡናን ዛዕባታት ከካብ ደረት-ጥቕሚታትና ነቒልና ከነማዓዱ ከሎና ዚስበሉና ነገራት’ዮም።

  • ህግደፍ ተሳዒሩ ኩሉ ኤርትራዊ ንሃገሩ ክምለስ ንደሊ’ዶ?
  • ኤርትራ ልዑላውነታ ከተውሕስ ንደሊ’ዶ?
  • ኤርትራ ብሕግን ፍትሕን ዲሞክራስን ክትማሓደር ንደሊ’ዶ?
  • ህዝቢ ኤርትራ አብ ነናቱ ባህልን እምነትን ውሕስነት ክህልዎ ንደሊ’ዶ?
  • ኵሎም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይ ወዓል-ሕደር ናጻ ክልቀቑ ንደሊ’ዶ?
  • ንፖሊሲ ዕብየት ቁጠባን መስተርሆት ናብራን፡ ሕረስ-ሓረስታይ ንገድ-ነጋዳይ ክእወጅ ንደሊ’ዶ?

በቃ! አኸለ! …ናይ ህዝቢ መተክላት ካብዚኣታቶም ዚሓልፍ አይኰነን።

ኣኼባ ዚግበረሉ ዕለት፡ 28 November 2015

ቦታ ኣኼባ፡ Stolzestr.1a, 50674 Cologne/Germany

ዚጅመረሉ ሰዓት፡12:00 (ካብ ፋዱስ ክሳዕ ፍርቂ-ለይቲ ወይ ንጽባሒቱ ወጋሕታ

ፍሉይ ሓበሬታ፡ ኣኼባ አብ ማእከል ከተማ ከሎን ኢዩ ዚግበር። ብባቡር ንሰንትራል-ስቴሽን (Dom-Hauptbahnhof) ትበጽሑ፤ ካብኡ regional train (takes 9 minutes only) ወይ tram No18 (takes 12 minutes) ወሲድኩም አብ Koeln-Sued ትወርዱ፤ ካብኡ ናይ 2 ወይ ሰለስተ ደቂቓ ጕዕዞ’ዩ። ብዚተረፈ ተታሓሒዙ ዘሎ ካርታ ተመልከቱ።

ብድሓነ ሰላም የራኽበና!

ኣዳለውቲ ኣኼባ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9978

Posted by on Nov 7 2015 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net