ሳእንናን ዝመስል ኣብ እግርናን ከኣ ዘይገጥም

መቸም ካልእ ገዲፍና ኣብዘን ሒደት 15 ዓመታት እኳ እንተርኢና ንወጽዓና ዝስቁርቆራ ዝመስላ ግን ከኣ ኣብ ምቅላል ወጽዓና እዚኣ ጌረን ከይተባህላ ነንሕድሕደን ክመናጨታን ክጫጭሓን ግዚአን ዘሕልፋ ፖለቲካውያን ሓይልታት ክንርኢ ኣኽኢሉና ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰይ ወለዶ ከፋፊለን ክሕዛን ናይ ቃልሲ ስነምግባር (ሰውራዊ ባህሊ) ከይሕዝ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ ዘይተደልዩ ድሑራት ባህልታት ብምሽማም ስጋብ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ተዳኺሙ ካብ ከባቢ ቃልሲ ክርሕቕ ክገብራ ምጽነሐንን ምህላወንን ክንዕዘብ ክኢልና ኣሎና።

ኣብ መወዳእታ ድማ ናይዘን እንብለን ዘሎና ፖለቲካውያን ሓይልታት መተካእታ ይኾና ኢየን ግዲ ተባሂሉ ኣብ ክንዲ ፍልልያተን ኣጻቢበን ብናይ ቀረባን ርሑቕን ተመሓዝየን ክሰርሓ ምግባር፡ ብዝተፈላለየ ሕብሪ ኣወቂብካ ብሓዱሽ ውዳበታት ክስናዕን ክጫጭሓን ንርእን ንዕዘብንውን ኣሎና። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡-

ኣብ መጀመርያ ብተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝፍለጥ ማለት ብሰመረ ተኸስተ ዝምራሕ ዝነበረ ምንቅስቓስ ንክልተ ጊዜ ተሰኒዑ ግን ከኣ ነበረ ኮይኑ።

ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሕጅውን ብስም መንእሰያት ዝፍለጥ ብ (መደፍኤ) ዝብል ውድብ ተመስሪቱ ተኣንጎት ተሸብሸብ ክበሃለሉ ከምዘይጸንሔ ፈርከሽከሽ ኢሉ ኣብዝእዋን’ዚ ደሃዩ ኣጥፊኡ ዝርከብ።

ንሳልሳይ ጊዜ ብስም ሕብረት ዝፍለጥ ኣብ ኣኽሱም ብክንደይ ዳንከራን ጓይላን ጉባኤ ክገብር ምስተገብረ ኣብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ ሓቒቑ ተሪፉ።

ኣብ ራብዓይ ድማ ካብቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ዝተፈልየን ዘገርምን እንተነይሩ ናይ መንእሰያት ደብረዘይቲ ብዝብል ዝተጠመቐ ውደባ ብገለ መሳሰይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሰንዐ ኮይኑ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ከምዝሰማዕናዮ ብወግዒ ናይ መንግስቲ መርገጺ ዝነበረ፡ እዚ ውደባ’ዚ ከም ናይ መንእሰያት ማሕበር ደኣ እምበር ከም ፖለቲካዊ ውድብ ኣይንፈልጦን ዝብል ነይሩ። ሕጂ ድማ ምስዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዝርከብ ናይ ባይቶ ሽግር ከም ምኽንያት ኣሳቢብካ ከምቲ ልሙድ ንቃልሲ ሓጋዚ ዘይኮነ ውዳበ ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ክበሃል ንርኢ ኣሎና።

ንምዃኑ እዚ ኩሉ ዳንኬራታት ንምንታይ ዕላማ? እናሻዕ ብስም ውዳበ ክትጥፍጥፍን ክተፍርስን ዝረአ ዘሎ ተረኽቦታትከ ካብ ደለይቲ ጽቡቕ ናይዛ ብስእነት ልዕልነት ደሞክራስን ፍትሕን እትሕመስ ዘላ ሃገር ዝነቐለ’ዶ ይመስል? መልሱ ንዓኹም።

እቲ ሓቂ እንተነይሩ እዘን ምስ ብዙሕ ድኽመታተን ነቲ ቃልሲ ታተ ከብለኦ ዝጸንሓ ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ክንዲ ድኽመታተን ኣለልየን ኣቀራሪብካ ክሰርሓ ደገፍ ምግባር ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓደሽቲ ውዳቤታት ኣብ ምጥፍጣፍን ምፍራስን ኢዩ ተኣትዩ። ቀንዲ ስራሕና ኢሎም ተታሓሒዘሞ ዘለው ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንታይ ዕላማ እንተተባሂሉ ከምቲ ነፍስሄር መለስ ዝበልዎ “ንውድባት እንህቦ ደገፍ ኣየምውት ኣየስርር” ንዝብል ዝነበረ ኣበሃህላ ተሪፉ ስለምንታይ ደኣ ኢዮም እዞም ናይ መንግስቲ ኣካላት ነዞም ናይ ቃልሲ ዕላማን እስትራተጅን ብንጹር ዘየቐመጡ ወይ ዘይብሎም ሃሰስ እንዳበልካ ብኣማኢት ኣሸሓት በጀት ብምምዳብ ክጥፍጥፉን  እሽሩሩን ከብልዎም ዝረአዩ ዘለው? ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

እሞኸድኣ እዚ እንተኾይኑ እቲ ጉዕዞ ናበይ ገጹ ዝጠፍኦ ኣሎ ኣይብልን። ስለዝኾነ እምበኣር እዚ መዝሙር’ዚ ዝተፈላለየ መልክዕን ሕብርን ሒዙ ክደጋገም ንርእዮ ኣለናሞ ነዞም “ሳእንናን ዝመስሉ ኣብ እግርናን ከኣ ዘይገጥሙ” ሓሊኾም ሒዞምና ዘለው ኣካላት ኩልኻ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሰልሚ የእትዉኻ ኣለው እሞ ኣይትተሃመል። ኣይናትናን በሎም።

                                     ካብ

                                        ሃንበል ደላይ ፍትሒ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9982

Posted by on Nov 10 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net