ሓድሽ ተረኽቦ ንክቡር ፈላስፋ

ክቡራት ኣንበብቲ ዕዙዝ ልባውን ሕውነታውን ሰላምታይ ተቐበሉ፡-

ብምቕጻል ነቲ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ዘቕርቦ ዝቐነየ ኣጉል ክስታትን ዘይልዙብ ዘለፋታትን መበገሲ ብምውሳድ፡ ብ26 ሰነ 2017 ናይ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ ወዲ ፊሊፖ ሕቶ ብውድባት ክምለስ ዝግብኦ ማእከላይ ሕቶ’ዩ ብዝብል ኣርእስቲ ብሓው ጎይትኦም ክፍሎም ዝተደረሰ ጽሑፍ ኣብ ዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታ ተዝርጊሑ ንንባብ በቒዑ ምህላዉ ይፍለጥ። ሓው ጎይትኦም ክፍሎም ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ 2010 ንምድላውን ንምዕዋትን ሓደ ካብቶም ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተሓርዩ ባእታታት ምንባሩ ይዝኸር። ኣብቲ ብሓው ጎይትኦም ክፍሎም ዝተደርሰ ጽሑፍ ካብቲ ንግርማይ ወዲ ፊሊፖ ከም ሓደ ዓቢ ጽሓፋይን ስነ ጥበበኛን ዝውርቕ ትሕዝቶ ኣትሒዙ፡ ብዙሕ ንፈላለየሉ ነጥብታት’ኳ እንተሎ ኣብ ገሊኡ ግን ንሰማምዓሉ ከም ዘሎ ክሕብር ይፈቱ። ኣብቶም ፍልልይ ዘለዎም ነጥብታት ክሳብ ብልዙብ መንገዲ ዝቐረበ ከም ባህርያዊ ብምውሳድ ካብ ምኽባር ወጻኢ ብኡ ዝፍጠር ቂምን ቅርሕንትን ኣይህሉን’ዩ።

 

ብዝኾነ ሎሚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ጉዳይ እንተልዩ ንሓው ጎይትኦም ክፍሎም መልሲ ንምሃብ ወይ ምስኡ ኣብ ሓድሽ ክትዕ ንምእታው ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ግን ነቲ ብግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኣብ ልዕለይ ዝቕርብ ዝቕነየ ክስታት ማለት ብምጥፋእ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምዝርግሑን ብዝምልከት ከም ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነበር ምስክርነቱ ክህብ ብምኽኣሉ ክቡር ምስጋናይ ንምቕራብ’ዩ። ነቲ ኩሉ ግዜ ንነብሱ ከም ሓደ ዓቢ ፈላስፋ ዝወስዳ ግርማይ ወ/ፊሊፖ ድማ፡ እቲ ቅድም ዘካየዶ መርመራ ፍጹም ስለ ዝበርዓነ፡ ብርግጽ ካብ ተራ ጽልእን ቅርሕንትን ነጻ ኮይኑ፡ ሓቂ ንምርካብ ዝብገስ እንተኮይኑ፡ ካብዚ ምስክርነት’ዚ ሓድሽ መርመራ ከካይድ ዕድመ ንምቕራብ’ዩ።

 

ንኣንበብቲ መታን ብሩህ ክኸውን

ገለ ካብቲ ሓው ጎይትኦም ክፍሎም ንዓይን ንውድበይን ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ጽሑፍ ከቕርብ ሓጋዚ ይመስለኒ። << ኣቶ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ብውድባት ክምለስ ዝግብኦ ማእከላይ ሕቶ የቕርብ ኣሎ። እንተ እቲ ንነፀረኣብን ንውድቡን ዝተሳሃሎም ግን ንእግረ መንገዱ ከም ጽሓፋይ ነቲ ማእከላይ ሕቶኡ ናብ ህዝቢ ክበጽሓሉ ሆየ ሆየ ወሲኽሉ። ኣብ ብዙሕ ከም ዝርአ ከኣ ጸሓፍቲ መብዛሕቶም ነናቶም ስታይል ኣጸሓሕፋ ኣለዎም። እሞ ንኤስደለ ወይ ንኣቶ ነፀረኣብ ኣስመላሽ ንበይኖም ይነቕፍን ይሓትትን ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ንግደ ሓቂ ኣነ ዝውዓልክዎ ኣቶ ኣስመላሽን ውድቡን ከም ምንቅስቓስ ሽዑ ኤስደለ ኣይነበሩን፡ እኳ ኣብ ዋዕላ ከይሳተፉ ተኸልኺሎም ብዙሕ ወጠጥ’ዩ ዝነበረ። ነቲ ምጥፋእን ምስግጋርን ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ኣቶ ነፀረኣብ ኣይኮነን ኤስደለ’ውን ኣይኮነትን። ብድሕሪኡ ንዘሎ ጉድለታት ከኣ ምስ ካልኦት ውድባት ማዕረ’ዩ ዝብጽሖም።>> ይብል። መስመር ናተይ’ዩ።

 

ደጊመ ነቲ ሓው ጎይትኦም ክፍሎም ዝሃቦ ሓቀኛ ምስክርነት ክቡር ምስጋናይ ብድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ስም ውድበይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ንለውጢ) ይስመ ምንባሩ ይሕብር።ሽዕኡ ኣሽንኳይ’ዶ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላን ስም ጉባኤኛታትን ክንሕዝ ከይንሳተፍ ድሌት ዘይምንባሩ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ዘይምንባሩ የረጋግጽ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ እቲ ብዓቢ ፈላስፋ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ዝቕረበ ክስታት መሰረት ዘይብሉ ከም ዝኾነ የመላኽት። ንምጥፋእ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ይኹን ስም ተሳተፍቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምዝርግሑ ዝምልከት፡ ሽዑ ንሽዑ ብኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተገብረ ገምጋም ክህሉ ናይ ግድን ይመስለኒ። ሓው ጎይትኦም ክፍሎም ከም ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣካል ናይቶም ገምጋም ዝገበሩ ባእታታት ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ምጥፋእን ምስግጋርን ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ኣቶ ነፀረኣብ ኣይኮነን ኤስደለ’ውን ኣይኮነትን ብምባል ምስክርነቱ ዝህብ ዘሎ።

 

ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ሕጂ’ኸ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝህልዎም መልሲ እንታይ ክኸውን’ዩ። ሓቂ ንምርካብ ሓድሽ ምርምር ድዮም ከካይዱ ወይስ ከምቲ ብዘመነ ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ይነብር ዝበሃል ምስላ’ዮም ክኽተሉ? ብርእይቶይ ነቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ስም ማለት ብርግጽ ንዓቢ ጸሓፋይን ስነ-ጥበበኛን ዝበቕዕ እንተኮይኑ፡ ካብዚ ሓው ጎይትኦም ክፍሎም ዘቕረቦ ምስክርነት ብምብጋስ፡ ሓድሽ ምርምር ብምክያድ፡ ነቲ ከምኡ ዝገበረ ከጋልጽ፡ ንወዲ ሰብ ካብ ባዶ ተበጊስካ ምጽላም ወይ ክሲ ምቕራብ ነውርን ብሕጊ ዘሕትትን ምዃኑ ብምፍላጥ እንተወሓደ ይቕሬታ ክሓትት፡ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገዚፍ ጌጋ ዘውደቕዎ ድማ ፎእ ክብሎም የተባብዖ። ምስኡ ብምትእስሳር ድማ እቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክይንሳተፍ ዝዓግት ዝነበረ ፖሎቲካዊ ኩነታትን ጭቡጥ ምክንያታቱን ነቶም ብልቢ ዝኣምኖም ተገዲሱ ክሓቶም ንሳቶም ክነግርዎ ፍቓደኛታት ኮይኖም ምስ ዘይርከቡ ባዕለይ ክሕብሮ ድልው ምህላወይ የረጋግጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንሓው ጎይትኦም ክፍሎም እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከነጽረሉ ይፈቱ።

  1. ዝኾነ ባእታ ካብ ኣጉል ጸለመታት ይኹን ዘለፋታት ነጻ ኮይኑ: ብልዙብ መንገዲ ዝመስሎ ሓሳብን ሃናጺ ነቐፊታን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጭቡጥ መርትዖታት ሒዙ ክሳብ’ውን ክስታት ከቕርብ ማንም ዘይህቦን ዘይነፍጎን ምሉእ ዘይጉዱል መሰላቱ ምዃኑ፡ ፍጹም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን። ካብዚ ጽኑዕ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ብርግጽ ካብዚ ሕመረት’ዚ ተበጊሱ ዘቕርቦ ርእይቶን ክስታትን እንተኮይኑ ዝሰክፈሉ ምክንያት ከም ዘይብለይ ይሕብር።
  2. ዝኾነ ባእታ፡ ጉጅለ ወይ’ውን ፖሎቲካዊ ሓይሊ ንጹህ ከም ጲላጦስ ገይረ ዝወስዶ ብፍጹም ኣይጸንሐን ብሕጂ’ውን ኣይክህሉን’ዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዕዞ ድማ ጌጋ ምፍጻም ባህርያዊ ምዃኑ ይኣምን። እቲ ዝተጋገየ ክህልዎ ዝኽእል ብቕዓት፡ ሓይልን ስልጣንን ብዘየገድስ፡ ኣብ ርእሲኡ ማንም ኣካል ተጽዕኖ ከይገበረ፡ ብውሽጣዊ እምነቱ ንዝፈጸሞ ጌጋ ብትብዓት ርእሰ-ነቐፌታ ዘካይድን ይቕሬታ ዝሓትትን ድማ ለባምን ደሞክራስያውን ምዃኑ የረጋግጽ።

 

ምስ ሰናይ ትምኒት

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

30 ሰነ 2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10753

Posted by on Jul 2 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net