መልእኽቲ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያ ንድሕነት ሃገር ብኣጋጣሚ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና

ቅድሚ 56 ዓመታት፡ ልክዕ ከምዚ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክናገፍ፡ ወናኒ
ክብረቱን ርስቱን፡ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ዝዉስነሉ መሰል ከውሕስ ድሕሪቲ ን20 ዓመታት ዘካየዶ ሰላማዊ
ዲምክራስያዊ ቃልሲ፡ ብዓሎቕን ዓመጽን ሓያላት ሃገራት፡ ነቲ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምሉእ ናጽነት
ብምጉዕጻጽ፤ ብዘይ ምርጭኡ ኣብ ትሕቲ ባዕዲ ክቆረን ዕዉር ፍርዲ ስለዝተዋህቦ ብረት ከልዕል ተገዲዱ።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቄናን ፍርዲ ብምቅዋም፡ ናጽነትት ወይ ሞት ብምባል ነቲ ጫፍ ብልሒ መግለጺ
ሰለማዊ ቃልሲ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ኣብ ጎቦ ኣዳል
ናይ መጀመርያ ናይ ሓርነት ጥይት ተኲሱ ፡ባሕቲ መስከረም ዓወት ወይ ሞት ኢሉ ካብ ባዕዲ ነጻ ዝኾነት
ሃገር ህያው ክገብር ዝወፈረላ ዕለት ኢያ። ባሕቲ መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳዊ መግዛእቲ
ዘይጸዓድ፡ ርስቱን ክብረቱን መሰሉን ኣሕሊፉ ዘይህብ ምዃኑ፡ እቲ መተካእታ ዘይብሉ ሓንቲ ሂወት
ከፊሉ እቲ ዝብህጎ ናጽነት ከውሕስ ነታ ዝዓመጸት ዓለም ድምጹ ካብ ጻት ናብ ጻት ዘስምዓላ ክብርቲ
ዕለት ኢያ፡፡ ባሕቲ መስከረም ነጻን ልዑላዊትን ኤርትራ ህያውክትከውን ዝገበረት፡ እቲ ክጠፍእ ምዓሙቕ
ክቕበር ዝተፈርደ ኤርትራዊ ቀንዴል፡ ዳግም ክዉላዕ ዝገበረት ኢያ። ስለ’ዚ ወትሩ ክትዝከር ዘለዋ ካብ
ታሪኻዉያን ዕለታት ሓንቲ ኢያ።
ከም’ቲ ኩልና ንሰማምዓሉ እቲ ጸረ ባዕዲ ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ተዓዊቱ፡ ኤርትራ
ልዑላዊት ሃገር ካብ ትኸውን ልዕሊ ርብዒ ዘመን ተቆጺሩ ኣሎ። ሎሚ ባሕቲ መስከረም ክንዝክር ከሎና
እምበኣር ነቲ ቅድሚ 56 ዓመታት ንበረኻ መሮር ክንወፍር ዝነበረ ዕላማ፡ ብመንጽር ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ
ህልዉ ኩነታት ብምዝማድ’ዩ ዝኸውን።
እቲ ኣብ ባሕቲ መስከረም ዝተወልዐ ብረታዊ ተጋድሎ ርችት ናጽነት፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ኣብ ሸትኡ
በጺሑ፡ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓራ ኮይና ኢያ። ኤርትራ ካብ ባዕዲ ሓራ
ዝኾነት ሃገር ድኣ ትኹን እምበር፡ ከም’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተተምነያን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝደመየላን
ፍትሒ: ማዕርነት: ሰላም: ራህዋ: መሰልን ቅሳነትን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ኣይከኣለትን :: ብኣንጻሩ: እታ
ዝተመነናያን ኩቡር ዋጋ ዝኸፈልናላን ኤርትራ ብውሑዳት ቁንጮ ተጨውያ ናብ ሓንቲ ዓባይ ቤት
ማእሰርቲ ተቐይራ: ከም ህዝቢ ሰላም ተሓሪሙና፡ መሰልና ተገፊፉ፡ ክብርና ተደፊሩ ከም ደቂ ዛግራ
ንበታተንን ግዳያት ኣስካሕካሒ ግፍዕን ህልቂትን ንኸውን ኣሎና::
ኩነታት ህዝብናን መጻኢ ዕድል ሃገርናን ብግቡእ ምስ እንግምግም: ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽልን
ከይትቕጽልን ኣብ ኣጠራጣሪ ደረጃ ወዲቓ ከም እትርከብ ክንግንዘብ ንኽእል:: ካብዚ ብምብጋስ: እቶም
ብኩነታት ህዝብናን ዕድል መጻኢናን እንግደስ ኤርትራውያን ዕጫ ብርሰት ምጽናትን ከይቀደመና ኣብ
ምድሓን ህዝብን ሃገርን ብኹሎም መዳያት ወፊርና ፍትሓዊ ቃልሲ ከነካይድን ኢደይ ኢድካ ክንበሃሃልን

ሕልናዊ ግዴታ ይድርኸና ኢዩ:: ዘለናዮ እዋን ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ፡ ካልኦት ይግበርዎ፡ ወይ
እንታይ ገደሰኒ ዘይበሃለሉን ዘየላቡን ግዜ ኢዩ። እዚ እዋን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ጉዳይ ሃገሩን መጻኢ
ዕድሉን ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ምህላው ተገንዚቡ፡ ሓላፍነት ዝስከመሉ፡ ኣብ ናይ ቃልሲ
መስመር ተሰሊፉ፡ ነዚ ህግደፍ ዝፈጠሮ ናይ ጸልማትን ዕንወትን እዋን፡ ናይ ኣፈርክቡ ሰዓት ግቡእ ምላሽ
ንሃብ ፡ ኣብ ሓደ ዕላማ ኣጽሊልና ኣንጻር ገባትን ኣጽናትን ቁንጮ ህግደፍ ብሓባር ንቃለሰሉ ግዜ ኢዩ::
እዚ እዋን. . . ስጡም ውደባ ፈጢርና: ናብ ባይታ ብምውራድ ናብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ቃልሲ እንሰጋገረሉን
ውጽኢታዊ ስራሕ እነሰላስለሉ ግዜ ኢዩ:: እዚ እዋን. . . ነቲ ኣብ ዝባንና ዘሎ ሓደጋ ክንገጥም ዘብቅዑና
ፍትሓውያን ኣገባባትቃልሲ ክንጥቀም ዝቕስብ ግዜ ኢዩ።እዚ እዋን. . . ኣብ ሃገርናን ዞባናን መሰረታዊ
ፍታሕ ከምጽኡ ዝኽእሉ ምዕቡላት ኣተሓሳስባታት ሰኒቕና እንጉዓዘሉን ግዜ ኢዩ:: እዚ እዋን. . . ዘለዉና
ካልኣዊ ፍልልያት ኣልዒልናን ከም ካልኣይ ዛዕባ ሰሪዕና፡ ሓድሕድ ዘሎና ናይ ቃልሲ ጸጋታት ብሓደ
ጠሚርና፡ ኣብ መሰረታዊ መቆምያታት ሃገር ዝኾኑ ዕላማታት ሸኺልና፡ ኣብ ነንሕድና ክንተኣማመን ግዜ
ነጥፋኣሉ ዘይኮነስ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን እንወፍርሉ ሰዓት ኢዩ።
ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር (ስምረት) ንህጹጽነት ምድሓን ህዝብናን ሃገርናን
ብቐዳማይ ደረጃ ዝሰርዕ: ነጸብራቕ ምስሊ ኤርትራ ዝኾነ ስሙርን ስጡምን ውደባታት ንምፍጣር ዝጽዕር:
ንወድዓዊ ኩነታት ዞባና ኣብ ግምት ዘእቱን: ፍትሕን ሰላምን ንምምጻእ ቀያሲ ተራ ሒዙ ዝጉዓዝ ዘሎ
መስመር ቃልሲ ኣነጺሩን ኣጽፊፉን ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ኢዩ:: ካብ ሓምለ 2012 ኣትሒዙ መንእሰይ
ማእከል ዝገበረ ዓይነታዊ ውደባ ሃኒጹ፡ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ድቃስ ዝኸልኦም፡ ብህዝባዊ ፍቅሪ
ልቦም ዝነደዱ፡ ደቂ ህዝቢ ኣብ ጎድኑ ብምስላፍ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወደባታቱ ኣብ መላእ ዓለም፡ ካብ
ሰሜን ኣመሪካ ክሳብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ኣዉስትራልያ ክሳብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን
ህላውነቱ ብምውሓስ ክቃለስ ዝጸንሐን ዘሎን ኢዩ። :
ቃልሲ ስምረት ቃልሲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ከምኡ ክንዲዝኾነ እቲ ርእሰ ቀዳማይ ዕላማ ስምረት፡
ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተሓረሞ ግን ከኣ ትማሊ ዝተቃለሰሉ ዕላማታት፤ ህዝባዊ ሓርነት፡ ፍትሒ፡
ክብሪ፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕሊና ሕጊ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኢዩ። ቃልሲ ስምረት ልዕሊና ሓፋሽ ምውሓስ፡
ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ምግባር ኢዩ። ራኢ ስምረት ካብ ጭቆናን፡ ድኽነትን፤
ባርነትን፡ ድንቁርናን ሓራ ዝወጸት ሃገር ምህናጽ ኢዩ። ቃልሲ ስምረት እምብኣር ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ
ህዝባዊ ሕቶ ከተግብርን ክፍጽምን ኢዩ:: ቃልሲ ስምረት ብህዝቢ ብሕርያ ህዝቢ ዝምረጽ፡ ንህዝቢ
ዘገልግል ስርዓት ህዝቢ ብህዝቢ ክትከል ኢዩ::
ብግፍዓዊ ምሕደራ ህግደፍ ከርተት ዝብል ዘሎ ህዝብና ጥራይ ዘይኮነ መብዛሕቶም ኣባላት ሓይልታት
ምክልኻል ኤርትራ እውን ብዝኸፍአ ኣተሓሕዛ ኣብ ኣርዑት ባርነትን ተስፋ ዘይብሉ መጻእን ተዋሒጦም
ከም ዝርከቡ ዝኾነ ዜጋ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እዚ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ
ስምረት :ነቲ ብግዲ ተዓስኪሩ ዘሎ ጭቁን መንእሰይ፡ ኣብ ማሕዩር ዘሎ መላእ ህዝቢ ካብ ባርነትን
ምልክትን ሓራ ንምውጻእ ኢዩ።: በዚ ኣጋጣሚ: ስምረት ነቶም ብግዱድ ዕስክርና ብዘይ ድሌቶ ኣብ
ኣርዑት ባርነት ተጸሚዶም ኣብ ደረት ዘይብሉ ዝርከቡ መንእሰያት፡ ኣብቲ ስምረት ተሰሊፉሉ ዘሎ ህዝባዊ
ዕላማ ክስለፉ፡ ነቲ ኣብ ዝባኖም ዘሎ ኣርዑት ባርነት ክሰብሩ፡ ናብ ደንበ ፍትሒ ብምጽንባር ኣካል ለውጢ
ንክኾኑ ስምረት መጸዋዕታኣ ተቕርብ::
ሰሚርካ ምቅላስ እንኮ ውሕስነት ናይ ዓወት ኢዩ ኢልና ስለ እንኣምንን ፖለቲካዊ ጠለባት ህዝብና
ንክማላእ ብቑዕ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ጥርኑፍ ሓይሊ ጥራይ ምዃኑ ስለ እንድራእን: ስምረት ነዚ
ክውንነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል መዓልታዊ ተጸሚድሉ ዘሎ ዕዮ ኢዩ:: ስምረት ምስ ዕላማ ዝቃደውዎ
ውድባት ኣብ ሃናጺ ዘተ መሰረት ብምግባር፡ ናብ ሓደን ተመላላእን መስመር ከምጽእ ዝኽእል ሓሳባት
ተበግሶታት ክወስድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ዘተ ናብ ግብሪ ዝቅየረሉ ተበግሶታት ተጀሚሮም ኣለው፡

ባይታእውን ተስፋ ዝህቡ ዓበይቲ ስጉምትታት ተኸይዶም ከምዘለው በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ክንሕብር
ንፈቱ። ቃልሲ ስምረት ከም እምንቶ ተማላሊእካን ተደጋጊፍካን እምበር፡ ንደቐቕትን ናእሽቱን ፍልልያት
ዘተኩር ሓይሊ ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ምጽባብን ሓድሕድ ኣብ ምትእምማንን ምትብባዕን ኣትኲሩ
ዝስርሕ፡ እዋናዊ መድረኽ ዝሓቶ ኩነታት ክምልሽ ዝቃለስ፡ ህዝባውነት ዝሰረቱ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ
ኤርትራውያን ክሕይልን ክዕወትን ብቐጻሊ ዝሰርሕ ኣብ ወሳንነትት ሓፋሽ ዝኣምን ጥርናፈ ኢዩ::
ነባሪ ሰላምን ውሕስነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ርግኣትን ኣብ ሃገርና ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባና ውን
ምእንቲ ክረጋገጽ: ስምረት ክንዮ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ዝጠመተ ራኢ ሒዙ: ኣብ ሞንጎ ጎረባብቲ
ህዝብታት ብቀንዱ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዓለም ምትሕግጋዝን ሰናይ ጉርብትናን ክምዕብል ዝሰርሕ
እውን ኢዩ:: ኣብ ርእሲ እቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝዓይነቱ ሜላታት ህግደፍ: ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቱ ጽልኢ
ክሓድሮን ብፍርሒ ተዋሒጡ ኣስፊሑ ንኸይርእን ንኸየገናዝብን ዝካየዱ ዘለዉ ዘመተታት ንምፍሻል፡ ኣብ
መንጎ ጎረባብቲ ህዝብታት ናይ ምክብባርን ናይ ስኒትን ወፍሪ ክገብር ጸኒሕን ኣሎን:: በዚ ከኣ ጸበብቲ
ኣተሓሳስባታት ተሳዒሮም: ንመጻኢት ኤርትራ ዘርብሕ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምእንቲ ክመጽእ ኣብ
መንገዲ ውሑጅ ምጽራግ ከም ዘድልየና ክንገልጽ ንፈቱ:: ካልእ ምስ ኩሎም እቶም ምስ ዕላማታትና
ዝሰማምዑ ኤርትራውያንን ብኩነታትና ዝደናገጹን ወጻእተኛታትን ኣብ ርግኣት ዞባና ሓባራዊ ራኢ ዘለዎም
ሓይልታትን ሃገራትን ሓቢርካ ምስራሕ ብልሒ ደኣ እምበር ይውህና ከምዘይኮነ ተረዲእናን ከነረድእ
ተበጊስና ኣለና::
ማዕረ ማዕረ እቶም ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ዳስ ስምረት ክስለፉ ንገብሮ ቀጻሊ ጻውዒት፡ ዕድመ
ህግደፍ ንምሕጻር እነካይዶም ቃልስታት: ብህግደፍ ዝተዘርኡን ዝተኾስኮሱን: ድሑራት ኣተሓሳስባታትን
ጽልእን ፍርሕን ፍልልይን ተሳዒሮም: ምዕብልትን ብልጽግትን ሓራ ኤርትራ ክሃንጽ ዝኽእል ሓድሽን
ገስጋስን ኣተሓሳስባ ዝሰነቐ መንእሰይ ምህናጽ ሓላፍነትና ምኻኑ ተገንዚብና ብቀጻሊ ንሰርሓሉ ዘሎና
ጉዳይ ኢዩ። ከመይሲ ምሉእ ዓወት ካብ ህግደፋዊ ኣተሓሳስባ ምፍታሕን ምብታኽን እውን ስለዝኾነ።
ብቐዳምነት ግን ንኹልና ኤርትራውያን ብንጹር ክበርህ ዘለዎ ህግደፍ እቲ እንኮ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ
ኮይኑ ኣብ ኣተሓሳስባና ዓስኪሩ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ዝጎተና ዘሎ ኣምር ጫካዊ ምሕደራ ምዃኑ
ኢዩ። ከም ስምረት እቲ ቀንዲ ክስዓርን ክድምሰስን ዘለዎ እቲ ህግደፋዊ ኣተሓሳስባን ገባቲን ኣጽናትን
ኣተሓሳስባ ምዃኑ ነስምረሉ።
እምብኣከስ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝኾነት ባሕቲ መስከረም: ከም ኣባላት ስምረት
እንውፍየላ ህያብ እንተልዩ: ታሪኽ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ዓወት ምእንቲ ክረጋገጽ: ቃልስና
ኣሐይልና ንህግደፍ ኣብ ኩሉን ብኹሉን ፍትሓዊ መንገድታትን ክንገጥሞ ምዃና ቃል ምእታው ኢዩ።
ስምረት ህዝባዊ ቃልሲ ማእከል ስሕበቱ ጌሩ: ናይ ቃልሲ መስመሩ ኣነጺሩ፤ ኣብ ዝደልደለ ውደባ ረጊጹ:
እቲ ከም ህዝቢ ክንምልሾ ዘሎና ሕቶታት ብዝግባእ ክምልሽ፡ንህግደፍ ኣብ ኩሉን ብኹልን ክቃለሶ፡ ኣብ
መሬት ኤርትራ ሓቀኛ ሓርነትን ዲሞክራስን ክነግስ፡ ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ክፍጽም ተበጊሱ ኣሎ:: ኣብ
ቃልሲ ከኣ ይርከብ። እዚ ንቕሎ ናይ ኩልና ንቕሎ ስለ ዝኾነ: ብኣካል ክትቃለሱ ዝወሰንኩም
ክትጽምበሩና፡ ዘይከኣልኩም ከኣ ኩሉ ቃልሲ ዝሓቶ ኣበርክቶ ክትገብሩ ብስም እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ንጽውዕ።
ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ ! !
ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ ኢዮም ! !
ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
ባሕቲ መስከረም 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10828

Posted by on Sep 4 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net