መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ሎሚ ዕለት 01 መስከረም 2017 ነቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብመሪሕነት ስዉእ ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓወተ ዝተጀመረ  መብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ መበል 56 ዓመቱ ብምዝካር ከብዕል ይርከብ።

እንተኾነ ህዝብና፣ ብሰንኪ ኣዕናዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ጽንኩር ኵነታት ኣብ ዝርከበሉን፣ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ገማግም ናይ ምብትታን  ሓደጋ ተሳጢሓትሉ ዘሎ እዋን ኣብ፣ ኩሉ መዳያዊ  ኩነታት ሃገር ኣብ ዓሚቕ ምንዋጽ ስለ ዘሎ፣ ካብ ጅግንነታዊ መዛግብ ቃልሲ ህዝብና ትምህርቲ ብምቕሳም፣ ንህዝብን ሃገርን ካብ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ንምድሓን ብዕቱብነት ንምቅላስ ቃል ኪዳንና እነሐድሰሉ ዕለት ኢዩ።

ህዝብና መሰላቱ ንምርግጋጽን ዕላማታት ሰውርኡ ንምዕዋትን፡ ህይወት ናይቶም ዝፈትዎም ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቁ ከፊሉ ኢዩ። ብሳላ ዘይሕለል ቃልሲ ድማ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ካብ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ክትወጽእን ልዑላውነታ ብምርግጋጽ ከኣ ኣካል ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ክትከውንን በቐዐት። ህዝቢ ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣት ብምሉኡ ንምፍጻም ተሪፎሞ ዝነበሩ ዕማማት ንምርግጋጽ ዓቢ ባህግን ትጽቢትን ነይርዎ። ነዚ መስርሕ ክውን ንምግባር ከኣ ካብኡ ዝጥለብ ንዋታውን ንያታውን ኣስተዋጽኦ ንክገብር ተቓላሳይ ህዝብና ድሉው ነበረ። እንተኾነ ግን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነቲ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተኸፍሎ ዕላማታት ሰውራና ጠሊማ ንባህግታት ዝሰፍሐ ኣካላት ሕብረተሰብና ረጊጻ፣ ኣብ ሃገርና ኣዕኑድ ዲክታቶርነት ኣብ ምትካል ተጓየየት። ገለ ካብ ህዝብና፣ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተረጋገጸ ተኣምራታዊ ዓወት፣ ሽሕ ኣብ ሓጎስን ደስታን ጥሒሉ እንተነበረ፣ ንሕና ግን ጠላም ባህርያት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣጸቢቕና ስለ እነፈልጦ፣ ብኣግኡ ነቲ ዲክታቶርያዊ መርሆ ክንቃወሞን፣ ህዝብናን ኣንጻሩ ከነለዓዕልን መሪጽና። ካም ዝገመትናዮ ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዋእል መግዛእቲ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ግፍዕን መከራን ንልዕሊ ርብዒ ዘመን እነሆ ክወርዶ ይርከብ።

ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና፡ ኣብ እነብዕለሉ እዋን፡ ብዛዕባ ሰውራና ዘማዕድዎ ዝነበረ ልዑል ዕላማታት ተመሊስና ክንሪኦን፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ዓቕሚ ኣብ ምድላብ ደራኺ ክዀነና ይግባእ። ሽሕ መሬትና ካብ ኢትዮጵያዊ ጐበጣ ነጻ እንተወጸ፣ ኣብ ሃገርና ስልጣን ብሒቱ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ንክበታትንን ንልዑላወነትና ንሓደጋ ከሳጥሕን ይርከብ። ስለ ነዚ ጨቋኒ ጉጅለ ኣሊኻ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ እንካይዶ ዘሎና ቃልሲ ካብ መሬትና ሓራ ንምውጻእ ዘካየድናዮ ዘይንእስ ዕማም ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ካብ ህልዊ ጨቛኒ ስርዓት ተላቒቓ፣ ዲሞክራስያዊ መተካእታ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ኣብ ሓደ ውሱን ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝግደፍ ዘይኮነስ፣ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሃገሩ ዝፈቱ ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ። ከምኡ ሰለ ዝኾነ ድማ፣ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ከይተሓለለ ስሩዕ ቃልሲ ከካይድ ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስን  ጉጅልኡን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር፡ ሃገራውያን ውድባት ግዜኦምን ዓቕመምምን ኣንጻር ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከቕንዕዎን፣ ኣብ ነንሕድሕዶም ካብ ዘካይድዎ ከንቶ ውድድራት ክርሕቁን፡ ዝለዓለ ሓላፍነት ከም ዝስከሙ ከነዘኻኽር ንፈቱ። ኣብዚ መዳይ ነቲ ብብዙሕ ጻዕሪን ቃልስን ዘቖምዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ካብ ነዊሕ ግዜ ከሳቕዮ ዝጸንሐ ቅልውላው ኣገላጊላካ ናብ ግቡእ መሳርዕ ቃልሲ ንምምላሱ ኩሉ ኣካላት ባይቶ ክጽዕቱ ጻዊዒትና ነቕርብ። ካብ ኣቲይዎ ዘሎ ቅልውላው ንክወጽእ ድማ፣ ናይዚ ቅልውላው መሰረታዊ ምኽንያት ኣለሊኻ ግብራዊ መዋጽኦ ምስ ዝርከብ ጥራሕ ኢዩ። ጸገማት ሃገራዊ ባይቶ ብግቡእ ምስ ዝእለ፣ ነቲ ክሰጋገር ዝጸንሐ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንኽካየድን ብዓወት ንኽዛዘምን ዓቢ ተኽእሉ ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ። ዓወት ናይ ዝሰፍሐ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ወከልቲ ህዝብን ጠርኒፉ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ከኣ፣ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ተቓውሞ ደምበ ኣውንታዊ ነጥበመቕይሮ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንሕና ከም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስቶም ቀጻልነትን ኣድማዒ ሃገራዊ ተራ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምኑን ዝሰርሑን ሃገራውያን ሓይልታት ብምትሕብባር፣ ጸገማት ባይቶ ንምፍታሕን ናብ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ንምእታውን፣ ዓቕምና ዘፍቅዶ ከነበርክት ድሉዋት ምዃንና ነረጋግጽ፣

ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን፡ ዕላማታት ሰውራ ባሕቲ መስከረም ብምሉኡ ንምርግጋጽ ቃልስታቶም  ንከኻዕብቱ ንጽውዕ።

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና

ዕድመ ንዝኽሪ ሰውራ ባሕቲ መስከረም !

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና !

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !

01 / 09 / 2017

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10830

Posted by on Sep 4 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net