ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ 2017

ብቀዳምነት ንመላእ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ክርስትና፡ ንኩሎም’ቶም ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምውጋድ ሓቀኛ  ደሞክራሲ፡ ምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዘውሕስ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ኣብ ዘይሕለል ቃልሲ ዝርከቡ ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ብስም ምውሓስ ልዕላውነት ጅሆ ተታሒዞም ንመወዳእታ ዘይብሉ ሕሱም መነባብሮን ማሕበራዊ ምዝንባልን ዝተፈረዱ ውጹዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ዝብል ሰናይ መልእኽተይ የመሓላልፍ።

 

በዓል ቅዱስ ዮሃንስ 2017 ኣብ መንጎ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ሕ/ሰብኣዊ ክፍልታቱን እቲ ንነዊሕ ዘመናት ካብ ወለዶ ንወለዶ ክሰጋገር ዝጸንሐ ድልዱል ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ሓድነት፡ ምክብባርን ማሕበራዊ ምትሕግጋዝን ብምውሓስ፡ በዓል ሰላም፡ ቅሳነትን እፎይታን ክኸውን ልባዊ ትምኒተይ ይገልጽ።

 

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሓድነት ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ እምነታት ንምዝራግ ርኡይ ኢድ ምትእትታውን ክሳብ’ውን ንእከይ ፖሊሲታቱ ዘይተቐበሉ መራሕቲ ሃይማኖታት ንነዊሕ ዓመታት ከጋፍዕ፡ ክጨውን ክስውርን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ንነጻነት፡ ሓርነታትን ክብርታትን ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ እምነታት ብምድፋር ዝካየድ ቀጻሊ ኢድ-ምትእትታው ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ልሉያት መራሕቲ ሃይማኖታት ዝውሰድ ግፍዕታትን ማእሰርትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ድምጺ ሓቢሩን ሰሚሩን ብትረት ክኹንኖን ከወግዞን ጥራይ’ዩ ዝግባእ። ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንፈሳዊ እምነት ዝካየድ ኢ-ምትእትታውን ማእሰርቲ መራሕቱን ነቲ ካልእ መንፈሳዊ ሃይማኖታት ፍጹም ከም ዘይምልከት ብምውሳድ ብስቕታ ምሕላፍ ወይ ብዕባራ ምክንያታት ግዳይ ናይቲ እከይ ፖሊስታት ምዃን ገዚፍ ኣሉታዊ ጽልውኡን ውጽኢቱን ብትኩረት ምግንዛብ ይሓትት። ነቲ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ እምነታት ንዘመናት ክሰጋገር ዝጸንሐ ተኸባቢርካ ብሓባር ምንባርን ምትሕግጋዝን ዘውሕስ ብዘይምዃኑ፡ ንሰላምን ፍቕርን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ’ውን ብሰንጠቕ ዝጻርር ስለዝኾነ፡ ብተግባር ክንኹኑኖን ክንቓወሞን ጥራይ’ዩ ዝግባእ።

 

ደጊመ

በዓል ቅዱስ ዮሃንስ በዓል ሰላምን ምክብባርን ክኸውን ሰናይ ትምኒተይ ይገልጽ።

 

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

09 መሰከረም 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10835

Posted by on Sep 12 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net