መንእሰይ ተላዓል !!

ስርዓት ኢሳያስ ስልጣኑ ንምቕጻል ምእንቲ፡ ኣብ ህዝቢ ኩቱር ፍርሒ ብምስራጽ፡ ኣብ ልዕሊ ካብኡ ዝተፈልየ ፍሉይ ርኢቶ ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ናይ ጭውያ፣ ምእሳር፣ ምስዋር፣ ዉሳይ፣ ስጉምቲታት ምውሳድ፡  ከም ልሙድ መርሓ ዝሓዞ’ዩ። እዚ ካኣ ክሳብ ዝወድቕ ኣይክገድፎን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ካብ ርእይቶኡ ዝተፈለየ ፍሉይ ርኢቶ፣ ወይ ተቃዋሚ ርኢቶ ዝህልዎ ዜጋ ውሕስነት ድሕነት ሂወት የብሉን። ዓሰርተታት ኣሻሓት ሰብ ፍሉይ ርኢቶ ኤርትራውያን ዜጋታት ብዘይሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ኣውራጃዊ፣ ጾታውን ኣፈላላይ ተኣሲሮምን ይእሰሩ ኣሎዉን’ዮም። ኣበይ ከም ዝኣተዉ’ውን ኣይፍለጡን’ዮም። ባእታት ሓይልታት ጸጥታ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ንምግልጋል፡ኣባት ነፍሶም፣ ሸይኾም፣ መምህሮም፣ ኣቦታቶም፣ ኣደታቶም፣ መሳቱኦም፣ ኣዕሩኽቶም፣ መርሓቶም፣ ደቆም ዝጥፉኡ’ዮም። ካብ ማህጸን ለዋህ ወላዲት ዝተወልዱ ነይመስሉ!! ጡብ ኣደ ዘይጠበዩ፣ ግንዖ’ቦ ዘይጠዓሙ ዚመስሉ ኢሰብኣውያን ምሕር ጨካናት’ዮም። 

ክቡር ኣቦና ሃገራዊ ሓርበኛ መራሒ ወዲ 90 ታት ዓመት ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣቦ መንበር ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ኣድ’ድያእ ብሕታዊ ጽላት ቤት ትምህርቲ (ዘይመንግስታዊ)፡ ነቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ኣድ’ዲያእ ዝወሰዶ ስጉምቲ ስለ ዝተቃወሙ ጥራሕ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ለይቲ ካብ ቤቶም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሰዶም። ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ብዘይ ሃይማኖዊ፣ ጾታዊ፣ ዕድመን ኣፈላላይ፡ ሰሉስ መዓልቲ 31 ጥቅምቲ 2017 ምእሳር ኣቦና ሓጂ ሙሳ ብምቅዋም፡ ብኣኽሪያ ዝተበገሰ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኣስመራ (ማእከላይ ዞባ) ህዝቢ እናተወሶኾ፡ “ሓርነት ነ’ቦና ሓጂ ሙሳ ” ሓርነት ንኣቡነ ኣንጦንዮስ’ ኢሎም እናጨረሐ፡ ሓርነት ደልዩ ብእግሩ ናብ ሜዳ ሓርነት መረሸ። ኣዝዩ ዕሙርን ድምጺ ውጹዓት ዝዕርግን፡ ሕውነታውን ምሕዝነታውን ኢድ ዝዝርግሕን፡ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ኮነ። ኣብ ሓደ ህሞት ናይ ህዝቢና ስኒትን ድልየት ለውጢን ብእኩብ ጎሊሁ ኣንጸባረቐ።

እዚ ተረኽቦ’ዚ፡ ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣብ ህዝቢ ኣስፊንዎ ንዝጸነሐ ሓያል ዝመስል ዝነበረ ሓጹር ፍርሂ ሰበሮ። ህዝቢ ኣስመራ ፍርሂሲ ከቢድ ዝመስል እንከይተደፍረ እንከሎ’ዩ’ምበር፡ ካን ምስ ተደፍረ ካብኡ ዝፈኲስ’ባ የሎን ኣቢሉ። እዚ ተረኽቦ’ዚ፡ ሕጂ ምስ ምእሳር ኣቦና ሓጂ ሙሳ ተኣሳሲሩ ዝተረኣየ’ኳ እንተኾነ፡ ብሃንድበት፣ ወይ ብወዝቢ ዝተኸስተ ንጹል ተረኽቦ ኣይኮነን። ናይ’ቲ ኣብ ህዝቢና ተዕቊሩን፡ ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ ዝኾነ ጊዜ ክነቱጒ ተዓምሩን ናይ ዝጸነሐ ቁጠዐ፡ ጽዑቕ መግለጽን እኩብ ድምርን’ዩ። ከም መስርዕ ድማ ናይ’ቲ ቅድምኡ ኣብ ኤርትራ ዝተረኣየ ጠለባት ለውጢ ቐጥታዊ መቐጸልታኡ’ዩ። ህዝባዊ ናዕቢ በዚ ደው ከይበለ በብጊዜኡ ስፍሓቱን ዕብየቱን እናወሰኸ ክቕጽል ካኣ’ዩ።

ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ኣስመራ፡ ሓርነት ደልዩ ናብ ሜዳ ሓርነት ብሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ወሓዘ፡  ህልው ገዛኢ ስርዓት ኢሳያስ ኣዝዩ ሰንበደ። ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ድማ ከም ኣመሉ ሰነ-ሞጎት ሓይሊ ተጠቐመ። ኣብ ርእሲኡ ንፍትሓዊ ጉዳይ ህዝቢ ትሕዝቶ ኣልቦ ክገብሮን፡ ብግዳም መልክዑ ከዐዪኖን፡ ህዝባውነቱ ክሽምሪሮን፡ ተጓዪዩ ብእስላማዊ ጥሩፍነት ጠቐኖ። እስላምን ክርስቲያንን ኤርትራውያን ኣሕዋት ኣብ ሕድሕዶም ንቁልቁል ከተፋኒኖም ብሓተታን ካልእ መሳርሒታት ጎስጓሳትን ኣቢሉ ፕርፓጋንዳዊ ጸለመታትን መርዝን ይነዝሕ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝወጹ ድማ ናይ ሃድንን ታህዲድን ስጉምቲታት ይወሲድ ኣሎ። ባዕዳዊ መግዛእታውያን ይኹኑ ዘቤታውያን ዲክታቶርያውን ገዛእቲ ስርዓታት ብዝፍንውዎን ዝነዝሕዎን ጸለመታት፡ ጊዘያዊ ምድንጋር ይፍጠር ዳኣ’ምበር፡ ትሕዝቶ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኣይቅየርን’ዩ።

 

 

ከምኡ’ውን ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ንምጭፍላቕ ዝወስዱዎ ጭካን ስጉምቲታት፡ ንጊዜኡ ተዓዋትነቱ ከደናጒዮ ይኽእል’ምበር፡ መስርሕ ቐጻልነቱ ከዓግትዎ ኣይክእሉን’ዮም።

ስርዓት ኢሳያስ ካብኡ ዝተፈልየ ፍሉይ ርኢቶ’ዩ ዝጻባእ። ጸረ ካልእ ርኢቶ’ዩ። ጸረ ዲሞክራሲ’ዩ። ጸረ ህዝቢ’ዩ። ጽረ ሃገራዊ ሓድነት’ዩ። ናይ ሓደ ዉሱን ሸነኽ ህዝቢ፣ ወይ ሃይማኖት፣ ወይ’ውን ኣውራጃ፡ ረብሓ ዝውክልን ዝሕልውን ዝከላኸን ኣይኮነን። ብንጹር ኣዘራርባ ወኪል ትግርኛ፣ ወይ ወኪል ክርስቲያን፣ ወኪል ሓማሴን ኣይኮነን። ወኪል ኣስላም’ውን ኣይኮነን። በዓል ፍሉይ ካልእ ርኢቶ ንዝህልዎ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ ኣብ ቀጽሪ ጸላኢ’ዩ ዝሰርዖ። ስለዝኾነ ካኣ ብስንኪ ካብ ዲክታቶር ኢሳያስ ዝተፈልየ ርእይቶኦም ዝጨውዮም፣ ዝቀትሎም፣ ዝኣስሮም ኣስላምን ክርስቲያንን ባህላዊ እምነትነትን፡ ደቂ ኩሎም ብሄራትን፡ ዓለታትን ኣውራጃታትን’ዮም።

ፕሮፌስር ኣትናቲዎስ ገብረኣብ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ (ሃዋሳ) ንስርዓት ህግደፍ እንክገልጹዎ ካብ ዝበልዎ ንምጥቃስ፡” ……. ኩለን እምነታት ኤርትራ፡ ኦርቶዶክስ፣ ምስልምና፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፣ ኩለን ካኒሻዊያን ካልኦት እምነታትን፡ ብዘየፈላላይ ንነዊሕ እዋን፡ ናይ’ዚ ስርዓት ግዳያት ኮይነን ጸኒሐን’የን። ኣዚ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ወንጀለኛ ስርዓት፡ ብዝኾነ መምዘኒ፡ ንዝኾነት እምነት ዘይሓዲግ፡ ናይ ኩለን እምነታት ዋና ጸላኢ ምዃኑ ንምንም ዝተሰወረ ኣይኮነን ” ብሎም። መስመር ናትና’ዩ። እዚ ናይ ፕሮፈስር ኣትናቲዎስ መግለጺ ሓቀኛን ዘይተጋነን’ዩ። ስለ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ንዝኾነ ብሄር፣ ወይ ዓሌት፣ ወይ እምነት፣ ወይ’ውን ኣውርጃ ኣይውክልን።

ገዛኢ ህልው ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንዝብድህዎ ፍትሓዊ ሕቶታት ህዝቢ ክምልሽ ድልየትን ብቕዓትን የብሉን። ፍትሓዊ ሕቶ ክድምሲሶ’ውን ኣይክእልን። ግን ጠለባት ንዘልዓሉ ሰባት’ዩ ክጸልምን ክቀትልን ክኣስርን ይኽእል። ፍትሓዊ ሕቶ ካብ ኣልዓልቱ ሰባት ፈልዩ ንፍሉይ ርኢቶ፣ ወይ ርትዓዊ ጠለባት ንዘቕርቡ ዜጋታት ብኣካል እንተጨፍለቐ’ኳ፡ እቲ ፍትሓዊ ሕቶ ግን እናተሰጋገረ’ዩ ዝኸይድ’ምበር፡ ኮቶ ኣይጥፍእን’ዩ። ከም ኣብነት ኣብ ውሽጢ ሃገር ጸረ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝተለዓሉ ቅሉዕ ተቓውሞታት ገለ ሕደት ንምጥቓስ፣ ንጠለባት ህዝባዊ ስራዊት ናይ ዕሸላት ምንቅስቓስ’ዩ ብዝብል ኣዘራርባ ኣናሽይዎን ቀንጻሎን። ንጠለባት ዉጉኣት ሓርነት  ናይ ሕንቑቃት፡ ሰሙን ሰሙን በግዕ ኪንሓርደሎም ድዮም ደልዮም ብዝብል ኣናሽይዎን ብዘስካሕክሕ ቀንጸሎን። ንምንቅስቓስ ጽገና (ጉጅለ 15) ምስ ወያነ ዝተመሻጠሩ’ዮም ኢሉዎም። ኣሕቒቅዎም’ውን። ንዉልዶ ናጻ ፕረስ መሳርሒ CIA’ዮም ኢሉዎም። ኣሕቒቕዎም’ውን። ንናይ ኣስመራ ዩኒቨሪሲቲ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ጸረ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናውቲ ጉጅለ ዑሱባት ወያነ (ጉጅለ 15)’ዮም ኢሉዎም። ንመወዳእታ ዘይብሉ ኣስገዳድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ራሕሪሖም ናብ ስደት ዝወሓዙ መንእሰያት ሓተላ’ዮም ኢሉዎም። ንናይ ዲዖት ምንቅስቓስ ዓለታዊ ኢሉዎ። ንናይ 21 ጥሪ ምንቅስቓስ (ስርሒት ፎርቶ) እስላማዊ ምንቅስቓስ’ዩ ኢሉዎ። ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንቤተ ሰቦም ብመንገዲ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሓዋላዊ ኣገልግሎት ዝሕጊዙ ከተርቲ’ዮም ኢሉዎም። ሎሚ ድማ ንናይ ኣስመራ ሰላማዊ ሰልፊ ጥሩፍ እስላማዊ’ዩ ኢሉዎ። ኣብዚኣቶምን ከምዚእቶም ዚኣመሰሉ ዘይተገልጹን ተቓወምቲ ደቂ ህዝቢ ኩሉ ዓይነት መሪር መስዋእቲ ከፍሎም’በር፡ ፍትሓዊ ሕቶኦም ብቐጻሊ ተቃወምቲ እናወለደ መጺኡ’ምበር፡ ቀሂሙሲ ኣይተረፈን። ኣብ ቅሉዕ ሓሶት ዘትከለ ፕሮፓጋንዳ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እናተፈደሐ ብዝኸዶ መጠን፡ እቲ ኣብ በበይኑ እዋናት ተደናጊሩ ዝጸነሓ ሓፋሽ እናነቐሐን፡ በብጊዜኡ ድፍረት እናኣጥረየን ክመጽእ ይኸውን ኣሎ። ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢና ድማ እናበረኸ ክድይብ እንከሎ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እናኣንቆልቊለ ክወርድ ይረአ ኣሎ። ስለ’ዚ ፕሮፓጋንዳ ስርዓት ኢሳያስ በብመዕልቱ እናፈዂሰ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ’ዚ

 

 

እዋን’ዚ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ንዝዛረቦን፡ ንዝነዝሖን ፕሮፓጋንዳ ተገዲዱ ዝኣመነ ክመስል እንተዘይኮይኑ’ምበር፡ ብወለንታኡዝኣምን ዳርጋ ሕደት’ዩ።

እቶም ኣብ ኣስመራ ስሉስ መወዳእታ ጥቅምቲ 2017 ንሰላማዊ ሰልፊ ዝወጹ ኤርትራውያን፡ ግፍዒ ስርዓት ሓደ ሰብኣይ ዘስመሮም’ዮም። ብሃይማኖት፣ ብብሄር፣ ብቀቢላ፣ ብእንዳ፣ ብኣውራጃ፣ ብዓዲ፣ ብጾታ፣ ብዕድመ እንከይተፈላለዩ ፍትሓዊ ጠለቦም ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢታት ዓለምን ከስምዑ ዝወፈሩ ሰላማውያን ዜጋታት’ዮም። ጠለቦም ካኣ “ ሓርነት ን’ቦና ሓጂ ሙሳ” ሓርነት ንኣቡነ ኣንጦንዮስ’ዩ። እዚ ጠለብ’ዚ ኣካል ዲሞክራስያዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ናይ ገዝእ ርእሱ ገድላዊ ሰሓብነትን ሓድነትን ዘሎዎ’ዩ።

ኣብ ዲያስፖራ ንሰላማዊ ሰልፊ ህዝብና ኣብ ኣስመራ ብምድጋፍ፡ በብከባብኦም ከከም ኩነታቶም ተመሳሳሊ ናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ፡ ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ህዝብና ምትእስሳሮምን ሓድነቶምን ዘርኢዩ ዘልዉ ኤርትራውያን፡ ኩሎም ሃገራውያን’ዮም። ኣብ ሎንዶን፣ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣብ ስቶክሆልም፣ ኣብ ካይሮ፣ ኣብ ዋሽንግቶን፣ ኣብ ቶሮንቶ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱን፡ ብሕጂ ንምክያድ ኣብ ምድላው ዘሎዉን፡ ኣመንቲ ኩለን ሃይማኖታትን እምነትን፣ ደቂ ኩለን ብሄራትን ኤርትራ’ዮም። ብሃይማኖት፣ በብሄር፣ በኣውራጃ፣ ብፖለቲካዊ መርገጻትን ኣይተፈላለዩን። ኣብ ጉዳይ ተጋድሎ ህዝቦም፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ባይታ ሰፊሕ ህዝባዊ ስሙር ግንባር ንምጥጣሕ ዝተዓጠቑ ሃገራውያን ተቓለስቲ’ዮም።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዉዑይ ህዝባዊ ምልዕዓልን ውደባን’ዩ፡ ህቡባትን ስሙራትን ውፉያትን መንእሰያት መራሕቲ ዝፍጠር። ኣብ ቃልሲ መሪሕነት ብምደባ፣ ወይ ብሕርያ ዝዕደል ኣይኮነን። ውዑይ ቃልሲ ዝፈጥርን፡ ህቡብ መድረኽ ቃልሲ ዝምድምድን ሰፊሕ ተሳትፎ መንእሰያት’ዩ። መንእሰያት ብዘይሃይማኖታውን ኣውርጃውን ብሄራውን ጾታውን ኣፈላልይ ዝያዳ ካልኦት ጽፍሕታት ሕብረተ ሰብ ግዳያት ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዮም። ስለ ዝኾኑ ካኣ፡ ኣብ ቃልሲ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ዝያዳ ካልኦት ቀጥታዊ ሱታፌኦም ከረጋግጹ መድረኻዊ ጠለብ’ዩ። እዞም ኩሎም ብወለንታኦም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሳተፉ ዘሎዉ ምዑታት መንእሰያት፡ ተሳትፎኦም ኣብኡ ጥራሕ ክሕጸር ኣይግባእን። ጸረ’ቲ ካብ ሃገሮምን ቤተ ሰቦምን ዘባረሮም ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሓሪኖም፣ ሓድነቶምን ስኒቶምን ካብ ዓረ ዝያዳ ኣትሪሮምን፡ ተወዲቦምን፡ ኣብ ቃልሲ ክውሕዙ ኣሎዎም። መንእሰያት ህቡብ መድረኽ ቃልሲ ንምፍጣር፡ ብናይ ገዛእ ተበግሶኦም ክለዓሉን ክለዓዕሉን ኣሎዎም። ተሳትፎ መንእሰያት ዘውስን ፍሉይ ፖለቲካዊ መድረኽ የሎን።  ናይ መጀመርታ ይኹን፣ ናይ ማእከል ይኹን፣ ናይ መወዳእታ ይኹን፡ ኩሎም መድረኻት ቃልሲ፡ ንቐጥታዊ ሁቡብ ሱታፌን ተወፋይነትን መንእሰያት ዝጥልብ’ዩ። ሓፋሽ መንእሰያት ተላዓል።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

10 ሕዳር 2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10895

Posted by on Nov 11 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net