ኣድላይነት ኮንፈደረሽን እዋናዊ ኤርትራዊ ሕቶ ድዩ ሎሚ ወይስ ! ሰዲህኤ 30 ሚያዝያ 2018

ጉዳይ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ኣብ ኤርትራዊ ሕቶ ሓድሽ ዝለዓል ዘሎ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ከኣ ፈደረሽን ፍቱን መድሃኒት ዘለዎ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ኸ እንታይ ሓድሽ ስለ ዝተረኽበ’ዩ፡ ዝብል ሕቶ ክመጽእ ይኽእል። ብመሰረቱ ንኣፍልጦ ይኹን ንቕሓትን ፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ዘለዎ ትርጉም ንህዝቢ ሓፈሻዊ ፍልጠ ምቕራብ ዝጠቅም’ምበር ዝጎድእ ኣይኮነን፡ ካብኡ ሓሊፉ ዝተፈላልየ ልፍንታዊ ይኹን ርትዓዊ ዝምድናታት ዘለዎ ምትእስሳር ክልተ ሃገራት ንኣፍልጦ ክዝረበሉ’ውን ጸገም ዘለዎ ኣይመስለንን። እንተኾነ ብዛዕባ ዝምድናታት ክልተ ሃገራት ከም ኣብ’ዚ ኣርእስቲ ዝጥቀስ ኮንፈደረሽን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕላምኡ ካበይ ዝተበገሰ’ዩ፡ ንምንታይ ዕላማ፡ ከመይ መዓስ ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ ከም ዝኽእሉ ዘጠራጥር የብሉን።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝተፈላልዩ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ብሓደ ጸግዒ ወይ ከውሊ ኮይኖም ብዛዕባ ኮንፈደረሽን ይኹን ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ለይትን መዓልትን ኣብ ገጻት መራኸቢ ብዙሓት ክዝርግሑ ጸኒሖም’ዮም። እስከ ንድሕሪ ምልስ ኢልና ገገለ ክንዝክር።

ቀዳማይ መድረኽ ታሪኽ ፈደረሽን ተሳታፍነት ህዝቢ ዓብይ ኣቓልቦ ዘይረኽበነ፡ብዕብለላን ዓመጽን ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴን ዝተሓባብርዎም መንግስታት፡ ሸለልትነት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቀ፡ ብሰንኪ’ዚ ከኣ ዝእሰሩን ዝጠፍኡን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ንብረታዊ ቃልሲ ዝተሰጋገረሉን ነጻነቱ ንምምላስ ብኣማኢት ኣሽሓት ሂወት ዝኸፈለሉ መድረኽ ብነጻነት ብሕጽር ዝበለ ክግለጽ ይከኣል።

ካልኣይ መድረኽ ታሪኽ ተምሳል ፈተነ ፈደረሽን ኣብ መጀመርያ 90ታት መራሒ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብኢደ ወነንኡ ብጋዜጥኛታት ኣዲስ ዘመን ብዛዕባ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣብ ዝቀረበሉ፡ ጉዳይ ከየተነጸረ ፈደረሽን ንበሎ ካልእ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ክቅየር’ዩ ብማለት ዝገለጾ፡ ብተደጋጋሚ ብመጽሔት እፎይታን ሪፖርተርን ሕቶታት ቀሪብሉ ተመሳሳሊ መልሲ ዝሃበሉ ነበረ።ይኹን’ምበር ቅድሚ’ዚ ብሂል’ዚ ብታሕቲ ታሕቲ፡ ማለት ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ነዊሕ ዝኸደ ጉዳይ፡ ንመረዳእታ እዚ ዝስዕብ ስምምዓት ክዝከር ይከኣል።

ሀ/ 27 መስከረም 1993 ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስተራት ቀዳማይ ፕሮቶኮላዊ ስምምዓት ዝተበጽሓሉ

ለ/ 5 ታሕሳስ 1993 ክልቲኤን መንግስታት ዝተበጽሐ ስምምዓት መግለጺ ዘውጽኣሉ

ሐ/ 19 ሚያዝያ 1995 25 ዓናቕጽ ዝሓዘ ቀዳማይ ኣብ ኣስመራ ካልኣይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልቲኦም መራሕቲ ዝፈረምሉ ስምምዓት ተበጽሐ። እዚ ስምምዓት ነዊሕ ዝኸደን፡ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ገገለ ከም ጎረባብቲ ሃገራት ክህልወን ዝኽእል ስምምዓትን ምትሕግጋዝን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ገገለ ሸነኻቱ ህዝባዊ ወኸሳን ሰፊሕ ኣፍልጦ ህዝቢ ክህሉ ዝግባእ ምንባሩ ዘይተሓታት ዝግባእ’ኳ እንተነበረ እቲ ስምምዓት ካብ ግዚያውነት ሓሊፉ ብመሰረት መግለጺ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ማለት ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ትርጉም ዘይህልወሉ ደረጃ ስምምዓት ክብጻሕ ምዃኑ ዝኣንፈተ ጽቡቕ ድሌት ምድግጋፍ ዝመስል ዓይነት ኣቀራርባ ኮይኑ ህዝብና ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ኢትዮጵያ’ዩ ኣንቢብዎ። እተን ጋዜጣታት ከም ጦብያ፡ ኣዲስ ዘመን፡ እፎይታን ሪፖርተርን’የ። እዚ ምዕብል ዝበለ ግን ከኣ ንካልኣይ ግዜ ተምሳል ኮንፈደረሽን ዘለዎ ስምምዓት

ሀ/ ብዘይኣፍልጦን ድሌት ህዝብን ዝተፈጸመ

ለ/ እዋኑ ዘይሓለወ መስርሕ

ካብ’ቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ንምእላይ ነጻነት ኤርትራ ካብ ምእዋጅ ንላዕሊ ክኸይድ ዘይነበሮ፡ እዋኑ ዘይሓለወ መድረኽ ነይሩ ክበሃል ዝኽእል ብዙሓት ዝሰማምዕሉ’ዩ። እዚ ብሰናይ ምትሕግጋዝ ዝግለጽ ውዕላት ትርጉም ዘይብሉ ዶብ ዝብል ዘይተነጸረ መግለጺ ንህዝቢ ኣብ ብዙሕ ሕቶ ከመላልሶ ከኣ ግድነት ነበረ።

 

ሎሚ ተመሊሱ ከም ሓድሽ ሕቶ ክለዓል እንከሎ፡ ኩሉ ዘይስሕቶ ብቀዳምነት ዝመጽእ ጉዳይ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሃለዋት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ጽንኩር ኩነታት ”ኣገዳስነት ኮንፈደረሽን እዋናዊ ኤርትራዊ ሕቶ ድዩ ሎሚ ወይስ” ዝብል እምበኣር፡ ገገለ ሓሳባት ነቲ ኣብ’ዚ ዞባ ዘሎ ፖለቲካውን ምጣነ ሃብታውን ሽግር መፍቲሒ ይኸውን ዘብል ገለጻታት’ዩ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሓደ ጨካን መላኺ ስርዓት ወግዒ ፖለቲካ ኤርትራ ዘሪጉ፡ ምስ ዓለም ምሕዝነቱ ዝቦኾረ፡ ቁጠባ ሃገር መሬት ዘቢጡ መተመኒ ቅርሺ/ናቕፋ ጠፊኡ ንድሕሪት ተመሊሳ ትርከብ ሃገር፡ ህዝብና ተሃዲኑ ኣብ ማእሰርቲ ዝጠፍኣሉ፡ ስድራ ቤት ዝተበታተነትሉ፡ ዝስተ ማይ ይኹን ዕለታዊ መግቡ ውሕስነት ዘይብሉ ህዝቢ ሎሚ ብዛዕባ ኮንፈደረሽናዊ ምምዳር ከም ቀንዲ ጉዳይ ኮይኑ ዝዝተየሉን ዝምደረሉን ዘስደምም ጉዳይ እዩ። ኮንፈደረሽን ይኹን ኣይኹን ፈጻሚ ህዝቢ’ዩ። ሎሚ ግን ህዝቢ እንተዝሕተትስ ሰላም፡ ማይ፡ መግቢ፡ ደቀይ ደሊየ ሓድነተይ ህዝበይ መሬተይ ከዕቍብ ዝብል እምበር ከም ምርጫ ዘሊሉ ኮንፈደረሽን ክረጋገጸሉ ኣይምሓተትን። መደርቲ ግን ንስቃይካን መከራኻን ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ ብመንገዲ ብኮንፈደረሽን ፍትሓዮ ጉዳይካ ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ብህላውነት ኢትዮጵያ’ዩ ክፍታሕ ዝኽእል ዝብልን ተምሳል’ውን ካብ’ቲ ጽዑቕ መግለጺ ኮንፈደረሽን ዘለዎ ድፍኢት ቃላት ከረድእ ዝኽእል ወስታት ብዘለዎ ዘስምዕን ዝመስልን’ዩ።

 

ርእይቶ ሰዲህኤ ብዕብየቱን ኣገዳስነቱ መሰረቲ’ዚ ህዝባዊ ሕቶ’ኳ እንተኾነስ እዋናዊ ጠለቡ ግን ኣይኮነን ይብል። ኮንፈደረሽን መስርሓቱ ክብረት ዘለዎ ክልተኣዊ ዝምድናታት ሃገራት ብናይ ባዕለን ዕብየት ብዘርእይኦ ውጽኢት’ምበር ካልኦት ሃገራት ከም’ዚ ይገብራ ኢልካ ዘይኮነን።  ብዝለዓለ ኣብ ግምትን ጸብጻብን ክኣቱ ዘለዎ ማሕበራዊ ኣቋውማ ሕብረተ ሰባት፡ ድሌትን ሓደ ሸነኽ፡ ታሪኽ ከይድገም ኣብ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት ዝነበረ ኩነታት፡ ህሉው ዘይተረጋገአ ነውጽን ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ጸጥታዊ ኩነታትን ከይገምገምካ ዝላ ኮንፈደረሽን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ክለዓል ግቡእ ኣይኮነን። እተን ብፈደራል ይኹን ብኮንፈደረሽን ዝሰርሓ ዝባሃላ ዘለዋ ሃገራት እንተኾና ከኣ ኣቀዲመን ዕዮ ገዝአን ሰርሐን ዝወድኣ፡ ህዝበን ኣንቒሐን ዘዳለዋን ዝተቀረባን፡ ቀዳምነት ዝውሃቦ ጉዳይ ኣሳሊጠን ህዝቢ ብዝደፋፍኦ ብህዝባዊ ወኸሳ ዝተበጽሐ ደኣምበር ብድሌት ውሑዳት ባእታታት ወይ እኩባት ምሁራት ይኹኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝለዓል ጉዳይ ኣይኮነን፡ ምእንቲ’ዚ ከኣ ኤርትራውያን ኣብ ቀረባ ንዘየሎ ፍታሕ፡ ሓቅነት ዘይብሉ ዕማም ኮንፈደረሽን ክብጻሕስ ከይብጻሕ፡ ቅድም ቀዳድም ዕዮ ገዛና ክንገብርን፡ ሰላምን ራህዋን፡ ሕግን ፍትሕን ዝነግሰሉ ባይታ ብምፍጣር ንብዓት ህዝብና ጸሪግና ዘገም ኢልካ ዝረአ ደኣ’ምበር ምስ’ቲ ርሑቅን ቀረባን ዝሓለፈ ታሪኻዊ ተርኽቦታት ኣህዛብ ክልተ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሃንደበት ዘቀራርብ ኣይኮነን። እዚ ዝተሓላለኸን ኣዝዩ ከቢድ ዕማምን ሎሚ ተመራጽን እዋናዊ ሕቶ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣይኮነን።

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11000

Posted by on May 3 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net