ቻርተር ንፈተውቲ ክእክብ’ምበር ንጸላእቲ ከዕግብ አይኮነን ዝፍጠር

ኤ.ዲ.ግ.(ስ.7 ውድባት)

ክፍሊ ዜና

ሚያዝያ 02-2005

ዝመድናታት

1.    ውድባዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም

2.    ኪዳናዊ ቻርተር

3.    ሃገራዊ ቅዋም

መእተዊ፡

ንወድዕነት ብእንታይነቱ ማለት በቲ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ምዕባሌ ኣጽኒዕና ንባዕልና ካብ ዝነበርናዮ ንላዕሊ ማዕቢልና ብታዓጻጻፍነት ናብ ረብሓና ከነውዕሎን ክንሰርሓሉን እንተዘይበቒዕና፡ ወድዕነት ክገዝኣናን ክረግጸናን ይነብር። እቲ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑ ዘሎ ሓቂ ክኣ ንሱ ኢዩ።

ሎሚ እዛ ንርእያ ዘላ ኤርትራ፡ ኤርትራ ናይ ቀደም ኣይኮነትን፡ ኤርትራ ናይ ሎሚ ኢያ። ንኤርትራ ናይ ሎሚ ከም ዘላታ ብመልክዓን ትሕዝቶኣን ተመራሚርና ኣጽኒዕና ተረዲእና እቲ ክግበር ዝግባእ ክንገብር እንተዘይክኢልና እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና ወድዕነት ክሳዕ ክንትክኦ ዘይንኽእል ህልቀት ክቕጽል ዝኽልክሎ የብሉን።

ኤርትራ ሎሚ ብዓይኒ ቃልሲ ክርኤ ከሎ ኣብ ምልክን ጸረ-ምልክን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ኣረጊትን ዘመናውን ዲሞክራሲ፡ ኣብ መንጎ እውራጃውን ብሄራውን ሕብረ-ብሄራውን ኣመሓዳድራ: ኣብ መንጎ እምነታዊ ሕልኽልኻትን ውሕስነታቶምን ተቐርቂራ ተርከብ አላ። ውድባዊ ፕሮግራም፡ ኪዳናዊ ቻርተር፡ ሃገራዊ ቅዋም ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ከቢቡዋ ዘሎ ማሕለኻታት ዝጥምትን መፍትሒ ዘቕርብን ክኸውን ኣለዎ። ኣረጊት ፕሮግራም (ኣተሓሳስባ) ይትረፍ ሕማቕ ውጽኢት ተረኺቡዎ ዋላ’ውን ጽቡቕ ውጽኢት ይረኸቦ ነዚ ዘለናዮ ክውንነት ኣብ ምጥማት ጒድለት ስለዘለዎ ዘበናዊ ፍረ እንተድኣ ክህልዎ ኰይኑ ክቕየር ግድን ክኸውን ኣለዎ።

1.ውድባዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡

ምሉእ ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር ዝሰማምዓሉ መደብ ዘይኮነስ፡ ፍሉያት ደቂ ሃገር ብዛዕባ ናይ ሃገሮም ኣመሓዳድራን ናይ መጻኢ ጒዕዞታትን ናይ ቀረባን ርሑቕን ራኢታቶም ዝሕብር ሰነድ ኢዩ። ራኢ ናይ ሓደ ውደባዊ ፕሮግራም መዐቀኒኡ ነቲ ኣብ ሃገሩን ከባቢኡን መላእ ዓለምን ተዘርጊሑ ዘሎ ወድዓዊ ኲነታት ብኣረዳድእኡ ገምጊሙ ወፍሩ ዝቕይስ ኢዩ።

ውድባዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ናይ ውሱናት ውህላለ ናይ ሰባት ዕግበትን ራኢን ስለዝኾነ፡ ናይ እንታይነቱ ፍሉይ መለለይ እንተሃለዎ ዘገርም ኣይኮነን። ፕሮግራም ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ኣመንቱ ማለት ኣባላቱ ድኣ’ምበር ኣብ ልዕሊ ምሉኣት ደቂ ሃገር ክኸውን ኣይግባእን፡ ውድባዊ ፕሮግራም ንውድባት ዘመሓድር ቻርተር ወይ ድማ ንሃገር ዘመሓድር ቅዋም ኣይኮነን። ምኽንየቱ ድማ ናይ ውሱናት ሰባት ፍሉይ እምነት ሰለዝኾነ ኩሉ ክቕበሎ ኣይግደድን። እዚ ስለዝኾነ ድማ ሓደ ውድባዊ ፕሮግራም ኮሚንስት፡ ሶሻሊስት፡ ሶሻል ዲሞክራት፡ኮንሰርቫቲብ ዲሞክራት፡ ሊበራል፡ ሃይማኖት-ለኸ፡ ብሄራዊ፡ ሕብረ-ብሄራዊ ወዘተ… ብሽሕን ሚእትን ዝፍለጥ መሓብር ክፍለጥ ይከኣል።

ቀንድን አገዳስን ግን ሓደ ውድባዊ ፕሮግራም ምስ መወዳድርቱ ሃገራውያን ውድባትን ምስ ጠቕላላ ደቂ ሃገርን ዘሰማምዕ ጥራይ ዘይኮነስ ሓያል ዝምድና ፈጢሩ ኣብታ ናይ ሓባር ሃገር ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል ጭቡጥ መትከላት ከቐድም ኣለዎ፡ እዚ ማለት ክኣ ምስ ቻርተርን ቅዋምን ዘረዳድእ ትሕዝቶ ጥራይ ዘይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ’ውን ኣህጉራውነት ከጠቓልል ይግባእ።

2. ኪዳናዊ ቻርተር፡

ኪዳናዊ  ቻርተር ውዕል ናይ ዝተፈላለዩ ውደባታት ኢዩ። ኪዳናዊ ቻርተር ሃገራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣህጉራዊ’ውን ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት አብ መንጎ ሃገራዊ ውድባት ከም ኤርተራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ አብ ውሽጢ ሓደ ከፍለ-ዓለም ከም ሕብረት መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ኢጋድ ወይ ስሉሳዊ ሓድነት፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ዓለም ከም ሕቡራት መንግስታት ዓለም (ዩናይትድ ነሽንስ) ወዘተ… ብዝተፈላለየ ረብሓታት ፖለቲካ ቍጠባ ምክልኻል ባህሊ ክዛመድ ዝደሊ አብ ሓደ ቻርተር  ክተኣሳሰር ይኽእል።

ቻርተር ንውድብ ዘይኮነስ ንውድባት ዘመሓድር መሰጋገሪ ውዕል ኢዩ። ውድባት ሕልምታተን ክትርጒምኦን ዘይክትርጒምኦን ከለልያን ዓቕመን ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ክመዝናን እንተድኣ ኮይነን በዚ ላቦራቶሪ ናይ ሓባር ቻርተር ክሓልፋ ኣለወን። ውድብ ንባዕሉ እንታይ ከምዝመስል ክርዳእን አብቲ ፍሉይ ፕሮግራሙ ንጽገናታት ቦታ ክኸፍትን ምእንቲ ክበቅዕ ኣብ ውሽጢ ውድባት ኣብ ሓደ መስትያት ናይ ቻርተር መልክዑ ክርኢ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ምፍላጥ የድሊ።

ቻርተር እዋናዊ እኳ እንተኾነ ኣብ እዋኑ ብስልጣኑ ልዕሊ ውድባዊ ፕሮግራም ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ከምቲ ውድባት ነቲ ፍሉይ ፕሮግራመን ምስ ቻርተር ዘሰማምዕ ኣፍ-ደገ ዝኸፍታሉ፡ ቻርተር’ውን ነቲ ፕሮግራም ናይ ዝተፈላለያ ውድባት ቍልቍል ዝኣፉ ባዕልኻ ትፈልጥ ክብሎ የብሉን። እዚ ናይ ሕድ-ሕድ ተደጋገፍ ባህሪ ዘለዎ ኣሰራርሓ ከኣ’ዩ ነቲ ናይ ሓባር ቻርተር ዕዉት መሰጋገሪ ናውቲ ዝገብሮ። ቻርተር ሓለዋ ናይ ውድባት ስለዝኾነ ልዕሊ ውልቀ-ውድብ ይምዘን።

3.ሃገራዊ ቅዋም፡

ሃገራዊ ቅዋም ንውድብ ወይ ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንጠቕላላ ትሕዝቶ ናይታ ሃገር ገረባን ሰባን ይውሓድ ይብዛሕ ዝህሉ ትሕዝቶኣን ዘመሓድር ዝለዓለ ስልጣን ኢዩ። ቅዋም ንሓደ ሃገር ምዕቡል ካብ ከብልዎ ዝኽእሉ ረቛሒታት ዝዓበየ ስለዝኾነ ምእንቲ ከይድፈርን ከይገሃስን ብርቱዕ ሓለዋን ክንክንን ይግበረሉ። ህልውና ናይ ሓጋጊ (ባይቶ፡ፓርላማ) ቤት-ፍርዲ (በያኒ ኣካል) መንግስቲ (ፈጻሚ ኣካል) ዝህሉ’ውን ሓለዋ ንሃገራዊ ቅዋም ምእንቲ ክኸውን ኢዩ።

ቅዋም ዘይብላ ሃገር ሓለዋ ህዝቢ ይኹን ሓለዋ መሬት ስለ ዘይህልዋ ኣብ ዕግርግር ኢያ ትነብር። ነዚ ህልዊ ኤርትራዊ ሃለዋት እኹል ስለዝኾነ ተወሳኺ መረዳእታ ኣይንደልየሉን። ቅዋም ከም ውድባዊ ፕሮግራም ጸቢብ ወይ ከም ቻርተር ውሱን ዕድመ ዘለዎ መሰጋገሪ ጥራይ ኣይኮነን። ቅዋም ሰፊሕን ሃገር-ሓቆፋውን ልዕሊኡን ዝጥምት ኰይኑ ዘልኣለማዊ ማለት ክሳዕ ህልውና ናይታ ሃገር ዝውጥጥ ኢዩ። ምስ ግዜ ንኽኸይድን ንኽሕይልን ኣገልግሎቱ ኣብ ህዝቢ ኣዕጋብን ቅቡልን ንኽኸውንን ድማ በቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰለስት ዋርድያታት (ሓጋጊ፡በያኒ፡ፈጻሚ) ከኽበብ ኣለዎ።

ዝለዓለ ዋጋ-ዕዳጋ ናይ ደቂ ሃገር ሃገራዊ ቅዋም ስለዝኾነ ውልቀ-ሰብ ውልቀ-ውድብ ከምኡ’ውን ኣባላት ቻርተር ክምእዘዙዎን ከገልግልዎን ይግባእ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ቅዋም ንደቂ ሃገር ናይ ሂወት መሰላቶም ክጥምትን ከተግብርን ክበቅዕ ኣለዎ። ቅዋም ሃገራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራት (ኣህጉራዊ) ዘዛቲ መትንታትውን ክዝርግሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ውልቀ-ሰብ ንበይኑ፡ ውድብ ንበይኑ፡ ሃገር ንበይና ክትነብር ዘዋጽእን ሓንቲ ስድሪ’ውን ትኹን ፍሑኽ ዘብልን ኣይኮነን።

መተሓሳሰቢ፡

በ. ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘቕረብናዮ ተንታን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብርእይቶና ዕዉት ወድብ ወይ ዕዉት ውድባዊ ፕሮግራም ዝበሃል ኣብ ክውንነትና፡ ነዚ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኰይኑ ብምሉእ ሕልና ዘገልግልን ንመሰላቱ ድማ ጥብቅና ዝህብን ክኸውን ኣለዎ።

ሰ. ውድባት ነቲ ናይ ሓባር ቻርተር (ኪዳናዊ ቻርተር) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባላተን ከም ዝባጻሕ ክገብራ ጥራይ ዘይኮነስ ኣባላተን ክካትዕሉን ከጽንዕዎን ኣብ ምምዕባሉ ግደ ምእንቲ ክህልዎምን ከተባብዓን ተግባራዊ ሰጒምቲ ክወስዳን የድሊ አሎ።

ሸ. ኣብዚ እዋን’ዚ ውድባት ብዛዕባ ገዛእ-ርእሰን ዘይኮነስ ኣጀንድአን ብዝያዳ ብዛዕባ ኪዳንን ቻርተሩን፡ ብዛዕባ ኪዳንን ኣሰራርሕኡን፡ ብዛዕባ ኪዳንን ድኹምን ሓያልን ጐድንታቱ፡ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ሕጽረታቱ ትውግድን ኰይኑ፡ ንምሕያሉ ካብ አባላተን ዘድሊ ናይ ምብልሓት ዓቕምታት ከዋህልላ ክጓየያ ኣለወን።

ከ. ንህዝቢ ካብ ውድባዊ ርኽክብ ቻርተራዊ (ኪዳናዊ) ርኽክብ ስለዝዓዞ፡ ኪዳን ከኣ ስለዝኾነ እቲ ንብዙሓት ዘገድስን ዘዐውትን፡ ውድባዊ ብዓላት ናብ ኪዳናዊ ብዓላት ክሰጋገር ኣለዎ። ኪዳን ቻርተራዊ መልእኽቱ ምስ ህዝቢ ክዋስኣሉ እንተድኣ ኰይኑ ፖሊቲካዊ ትሕዝቶ ጥራይ ዘይኮነስ ገንዘባዊ መሓውር’ውን ከድልዮ ኢዩ። ውድብ ይወሳወስ ኪዳን ይረመስ እንተድኣ ኰይኑ ግን ውድባት ከምዘለውኦ ክቕጽላ ይኽእላ ኢየን። እዚ ግን ዝሕረን ዘዋጽእን መንገዲ ኣይኮነን። ውድባት ንውድባዊ ብዓላት  ዝኸውን መድረኽ እንተ ተጸበያ ይምረጽ። ውድባዊ ብዓላት ዝሰፍሐን ውሑስን ባይታ ዝህልዎ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም ስለ ዝኾነ ሽዕኡ የርክባሉ። ሎሚ ህዝብና ንሓደ ብዓል ክኸውን ዘይከኣለ ንሚእቲ ብዓላት ዝኸውን ዓቕምን ሞራልን የብሉን።

ኪዳን ብተሳትፎ ውድባት ናይ ፖለቲካን ናይ ቍጠባን ዓርሞሽሻ ክኸውን እንተድኣ በቒዑ፡ ንውድባት ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ትሕዝቶአን ኣብ ሓደ ምቹእ ደረጃ ንፍሉይ ኲነታተን ብዝተጸንዐ መንገዲ ክስርፈን (ባጀት ክኸፍት) ዘይክእለሉ ምኽንያት የለን።

ኸ. ተበጊሱ ዘሎ ናይ ሓድነታት መስርሕ ከምቲ ንህዝቢ ተሓቢሩ ዘሎ መብጽዓታት ብመደብ ዕዮታቱ ደረጃ ናብ ፍጹም ሓድነት ኣትዩ ምስ ህዝቢ ብዘየማትእ ክላለ ኣለዎ። ብዝተረፈ ሓደ ከይኮንካን ሓላፍ-ዘላፍ ትሕዝቶ ሒዝካን ሓደ ኰንና ዝብል መልእኽቲ ናብ ፍታሕ ዝጽበ ዘሎ ተቓላሳይ ህዝቢ ክመሓላለፍ የብሉን።

ኣብ ምርባሕ ውድባት ተረኺቡ ዘሎ ጸገም ንኹልና ብሩህ ኢዩ፡፡ ኣስማት ክሳዕ ዝውድኣናን ዝደራረበናን አብ ድንግርግር ኣቲና አለና። ዐሰርተው ሽዱሽተ ውድባት ናብ ትርጒም ዘለዎ ከስርሓካ ዝኽእል ቍጽሪ እንተድኣ ተጸሚቘን ምስ ህዝቢ ክላለያን ክግልገላን ከገልግላን ቀሊል ክኸውን ኢዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጥርኑፋትን ሓያላትን ኣባላት ዝተሰርሐ ኪዳን ነቲ ናይ ድመጺ ግበታታት ብማዕረ ኣከፋፊሉ ዘላቒ ናይ ምትእምማንን ምክብባርን ፍታሕ ኣመዝጊቡ ነቲ ናይ ዕብየት ፍርዲ ንህዝቢ ይገድፈሉ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተድኣ ኰንና ካብ ግደ ውድባት ግደ ውልቀ-ሰባት ዝዓዘሉ ግዜ መሊኡ ኣሎ። ደጋጊምና ንብሎ ነገር ምስዝህሉ ዕብየትና ብመንገዲ ህዝቢ ይኹን፡ ኣብኡ ስለ ዘይበጻሕና ድማ ናብኡ ዘሰጋግር ኣተሃላልዋ  ንፍጠር። ውድባት ግዲአን ይግበራ፡ ህዝቢ ድማ ኣብቲ ንሳተን ዝተዳለዋሉ እዋን ሓይሉን ፍርዱን ከርእየን ኢዩ። ድሌት ህዝቢ ንሱ ኢዩ፡ ኣብ ድሌት ህዝቢ ድማ መራሕቲ ኩሉ ዓቕምታቶም ክስውኡ ይጥለብ አሎ።

አገዳስን ፍሉይ ትኳረን፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰነድና ከም ዝጠቐስናዮ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ኣብ ጒዕዝኡ ዓበይቲ ድኽመታት ዘርኣየኳ እንተኾነ፡ ዘመዝገቦም ፖለተካዊ ዓወታትን ዝጸለዎም ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ብቐሊል ዝግመትን ኣነኣኢስካ ዝጥመትን ኣይኮነን። ንባዕለን ገለ ካብተን ኣብዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኪዳን አባላት ኰይነን ዘለዋ ውድባት ካብ ምፍንፋን ደረጃ ናብ ምትሕቝቛፍ ደረጃ ዘብጽሐን ጻዕርን ጽንዓትን ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርተራ ኢዩ። ሃ.ም.ኤ. ምስ እምንትኡ ብዘይራጸም መንገዲ ንዝተበገሰሉ መትከላትን ዕላማታትን ብዘህጥር አገባብ ናብ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ከም ዝተሰጋገረ ንፈልጥን ንምስክርን። ክንደይ ናይ ሞትን ስረትን መድረኽ ሰጊሩ ብነብሰ-ሕቀት ዘይኮነስ ጒዕዝኡ ብኤ.ዲ. ኪዳን ደረጃ ከም ዝቕጽል ጌሩ አሎ። እዚ ኩሉ ዝዕዘቦን ዝከታተሎን ዘሎ ዝተረጋገጸ ሓቂ ኢዩ። ሕጂ’ውን ቻርተርን ኣባላትን ሃ.ም.ኤ. አብ ዲ.ኪዳን ብዓል ዓቢ እጃም ምዃኑ ካብ ታሪኽ ዝሕከኽ ኣይኮነን።

ነዚ ኩሉ አብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘንጊዑ ዝኾነ ይኹን ኣካል አብ መድረኽ ወጺኡ ንምሕዝነት ብፍሽለት ዝግምግም፡ ዕላማና ንምሕዝነት ከነሐይል ኢዩ ዝብል መብጽዕኡ ዝርስዕን ዘይቅኑዕን ዘይሓላፍነታውን አበሃህላ ምዃኑ ከየብራህና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ምሕዝነት ብተረድኦና ተሰጋጊሩን ሓይሉን እምበር ነብሰ-ሕቀት ጌሩ ከምዝፈሸለ ኣይንፈልጥን። ኣይኮነን ከኣ። ስለዚ እቲ ካብ ክውንነት ተአልዩ ብፍሽለት ዘዕልል ኣዝዩ ባዕላውነት ዘጥቅዖ ኣተሓሳስባ ስለዝኾነ እንተተኣረመ ይሓይሽ ኢልና ንመክርን ንላቦን። ብተወሳኺ ምሕዝነት ብዛዕባ ሂወቱ ብሕጊ ገምጋም ስለዘይሃበ ታህዋኽ መን አምጽኦ?

ዓወት ንኤርትራዊ ዲ.ኪዳን

ውድቀት ንህግደፋዊ ዕብዳን

ዝኽሪ ንስውኣትና!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2273

Posted by on Apr 3 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net