ፕረስደንት ሶማሊላንድ ድሕሪ ነዊሕ ስቕታ ምስ ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  

ትርጉም ፍ.ገብረሂወት

 

ካርቱም ሚይዝያ 28, 2005

 

ሓታትን ኣዳላውን መሓመድ ጠሃ ተወከል

 

  • ቅልውላው ደቡብ ሶማል፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንምርካብ ኢልና ኣይንምዝምዞን ።
  • ንሕና ምስ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ክንዘራረብ ድሌት ኣለና።እቲ ማዕጾ ግን ክዕጸወና የብሉን።

 

መእተዊ

 

ሶማሊላንድ (እታ ዝተነጸለት ሪፓፕሊክ ብዝብል ትፍለጥ) ምስቲ ኩሉ ጸገማትን ትጸባእነትን፡ ቁጠባዊ ምዕባለ፤ ፖለቲካዊ ብዝሑነት፤ምትእትታው ዲሞክራሲ፤ ጸጥታዊ ርግኣት እተርእይ ዘላ እያ።ሶማሊላንድ ክሳብ ሕጂ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣይረከበትን።ዋላእዃ ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ኣርባዓተ ዓመታት ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነታ ምዕባለ ተርእይ እምበር ክሳብ ሕጂ ናጽነታ ተፈላጥነት ንምርካብ ኣፍደገ ሃገርት ትኩሕኩሕ ዘላ እያ።እቲ ጻዕሪ ካብ ኢብራሂም ዒጋል እንተጀመረ እዃ ካብ ሃገራት ኣወረጳን ኣፍሪቃን ንምዕባሊኣ ሓገዛት ካብ ምርካብ ሓሊፉ ዛጊት ውጽኢታዊ ኣይኮነን።  ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ኩናት ተበለጽቲ መራሕቲ ንዶቡባዊ ሶማል ተቆጻጺረሞ ኣለዉ። ናጽነት ናይ ሶማሊላንድ ከም ሕልሚ እዮም ዝወስድዎ፡ኣያምንሉንውን።ንሳቶም ኣብ ኩሉ ነገራቶም ኣይሰማምኡን እዮም ብዘይካ ኣብ ሕብረት ሶማል። ንሳቶም ሕብረት ሶማል ከም ሓደ ቁዱስ ነግር እዩ ዝወስድዎ፡ እቲ ጻዕርታት ናይ ሃርጌሳ ውጽኢታዊ ከምዘይኸውን ይርእይዎ።በንጻሩ ሶማሊላንድ ንመሰላ ካብ ምቕላስን ምርጫ ናይ ህዝባ ካምርግጋጽ ድሕር ኣይኽትብልን እያ።ክምእውን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ሶማሊላንድ ነጺግዎ ብምህላዉ ትነቕፍ።

ፕረስደንት ሪያሊ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ማለት 1991 መበል ካልኣይ ዝተመረጽ ፕረስደንት እታ ሃገር እዩ።ንሱ ድሕሪ ሱቕ ኢሉ ምጽናሕ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ብዛዕባ መንግስቱ፤ ርክብ ምስ ጎራብቲ ሃገራት፤ ምስ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፤ ምስ ሕብረት ኣፈሪቃ፤ ምስ ኣውረጳዊ ሕብረት፤ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን እንግሊዝን ከምእውን ሃገሩ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓወታት ዘመዝገበቶን ንጉዳይ ሕብረትን ምንጻልን ኣመልኪቱ ቃለ ምልልስ ኣካይዱ።ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ ምልልስ እነሆ፡

 

 

ንምንታይ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንሶማሊያላንድ ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት ምእዋጅ ናጽነታ ተፍላጥነት ዘይሃባ?

 

ሶማሊላንድ ኣብ ሙሉእ እዚ ዞባ ሰላም ዘለዋ ቦታ ተባሂላ ክትውሰድ ትካኣል እያ። እንተኾነ ግን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ነዚ ይርእዮ የለን።ኣብዚ ሕጂ እዋን ሶማሊያላንድ ብመሰረት መምዘኒ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ መዳይ፤ጸጥታዊ መዳይን ኣብ ኩሉ ዓቕምታት ሓንቲ ሃገር ን60 ሃገራት ትመረሐን እያ። ንሕና ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምዃን ከብቅዓና ዝኽእል መራኸቢ ብዙሓን ከም ጋዜጣ፤ራድዮ ጣብያ፤መራኸቢታት፤ጽቡቕ ሰረት ዘለዎ ሲቪል ሕብረተሰብ ከምእውን መሰረታዊ ዝኾነ ትሕቲ ቅርጺ ኣለና።ንሕና ንምምዕባል ሃገርና ንብሕታዊያን ኣውፈርቲ ኣብ ኩሉ ጽላታት ንምትብባዕ ተሞርኪስና ንሰርሕ ኣለና።ስለዚ ንሕና ኣብ ማሕበር-ሰብ ዓለም ነዚ ኩሉ ሒዝና ቐሪብና ኣለና፡ ብመሰረት እዚ ሓቕታት ኩሉ ምሳና ክሰማማዓ ይኸእል ኣዩ።ዋላ እዃ ዓለም ዓቐፋዊ ተፈላጥነትና ጌና ኣይንፍለጦ እምበር ንሕና ዝምስገን ምዕባለ ኣብ ሃገርና ኣምዝጊብና ኢና።ህዝብና ነዚ ይፈልጦ እዩ፡ እዚ እዩ ድማ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነጥቢ።ንኣብነት ድሕሪ ሞት ኢብራሂም ዒጋል ቐዳማይ ፕረስደንት ሶማሊላንድ ነበር እቲ ስልጣን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓት ብሰላማዊ መንገዲ ተሰጋጊሩ።እዚ እንታይ እዩ ዘረጋግጽ ሓያልን መሰረት ዘለዋን ሃገር ምዃና ፤ ሕግን ቅዋምን ናይዛ ሃገር ኩሉ ዘኽብሮን ብኡ ተቐይዱ ዝሰርሕን ዋላሓደ ሰብ ካብዚ ክወጽእ ክምዘይኸእል ይርእይ።እዚ ቅዋም ንሶማሊላንድ ሞቶር ናይ ምርግጋእ ሰላም ንቐጻሊ ብምዃኑ ተፈላጥነት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝጽበይ ዘሎ እዩ።

 

ገለ ወገናት ነቲ ኣብ ደቡብ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብምምዝማዝ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተፈላጥነት ንምርካብ ትጽዕሩ ዘለኹም ኢኹም ብምባል ዝኸሱ ኣለዉ?

 

ንሕና ኩሉ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ ኮንፈረንስ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ኣፍርዩ ዝብል እምነት ኣለና።ስለዝኾነ እቲ 13 ኮንፈረንሳት ዕርቂ ሶማሊያ ነቲ ፍሽለቶም ኣረጋግጽዎ እዩ።ንዓና እቲ ኩሉ ኮንፈረንሳት ዘገድስና ኣይነበረን ስለምንታይ እቲ ዕላማ ኣንጻርና ዝቐነዐ እዩ ነይሩ፡ ጸገማት ናይ ደቡብ ሶማል ንምፍታሕ ኣይነበረን ዕላምኡ።ስለዚ እቶም ናይ ኩናት ተበለጽቲ ኣብ ኩሉ ሽነኻቶም ይፈላለዩ እዮም፡ኣብ ምትኹታኽ ህውከትን ናጽነት ሶማሊላንድ ንድሕሪት ምጉታትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት እዮም ዝሰማምዑ።በዚ ጠባዮም እዮም ዝፍለጡ።ንሕና ጸገም ሶማል ኣብ ምፍታሕን ብመሰረት ተሞክሮና ቕርቡነትና ካብ ሓደ ግዜ ንልዓሊ ኣረጋጊጽና ኢና። የሕዋትና ኣብ ደቡብ ዘለዉ ካብቲ ናትና ተሞክሮ ማለት ኣብ ምስፋን ጸጥታዊ ዓወትን ዕርቅን ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምታትካ መሰረት ብምግባር ብዘይ ዝኾነ ናይ ደገ ሓይሊታት ምትእትታው ክከስቡ ይግባእ።ብመሰረት እዚ ንሕና ናጽነትና ከነረጋግጸሉ እንኽእል መንገዲ እንተሃልዩ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ደቡብ ሶማል ምስ ዝሰፊን እዩ።ሎሚ ምስታ ኣብ ምድሪ ዓለም ዘየላ ሃገር ሕበሩ ብምባል ብገለ ወገናት ንዝቐርበልና ሕቶ ንነጽጎ።እዚ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና፡ንሕና ምስ ደቡብ ክህልወን ዝኽእል ዝምድና ልክዕ ከም ክልተ ጎራብቲ መንግስታት እዩ ክኸውን ዝግበዖ።ብዝኾነ መገዲ ናብ ሕብረት ዝብል ሓሳብት ኣይንምለስን፡ እዚ ሃገራዊ ምርጫና እዩ።

 

ርክብኩም ምስ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ? ምኽንያት ፍልልያትን ወጥሪን ኣብ መንጎኩምን.

 

ምስ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ርክባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንገብሮ ኣለና።ንሕና እቲ ማሕበር ኣብ ዝበዘሐ ምስሕሕባባት ዘርኣዮ ናይ ምሽምጋል ተራ ዋጋ ንህቦ ኢና፡ ዓውት’ውን ኣመዝጊቡ እዩ።እንትኾነ ግን ክስብ ሕጂ እቲ ማሕበር ኣብ ሶማል ተመሳሳሊ ተራ ኣይተጻወተን፡ኣብዚ መዳይ ተራኡ ኣሉታዊ ነይሩ።ንሕና ዕጉባት ኣይኮናን፡ ምሳና ብሓባር ዘይምስርሑን ዘይምዝርራቡን እቲ ማሕበር ተርኡ ንኸየበርክት ደሪትዎ እዩ።ንሕና  እቲ ማሕበር ብኣቦ መንበር ዓመር ሙሳ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ኣገዳሲ ተራ ከምዝጻወትን ምሳን ዝርርብ ከምዝጅምር ንኣምን። ንሕና ኣብ ምዕዋት ጸጥታ፤ምርግጋጽ ሰላምን፤ ምርግጋእ ቁጠባን ዲሞክራስንን ዓብይ ዝላ ኣርኢና ከምዘለና ኣቲ ማሕበር ከሞጉስ ኣለዎ። ነቶም ተበለጽቲ ኩናትን ገበነኛታት ኩናትን ኣብ ልዕሊ ሶማላዊያን ብፍለይ ኣብ ሰሜን ንዝርከቡ ህዝቢ ብዝገብርዎ  በደል እቲ ማሕበር ንዓዓቶም ዝገብሮ ዘሎ ምንኣድ ደው ከብሎ ይግባእ።ሶማሊላንድ ኣብ ግዜ ሶማል ሓቢራትሉ ኣብ ዝነብረ እዋን እታ ቐዳመይቲ ምጽንባር ሶማል ናብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ድሌት ተርእይ ዝነበረት እያ።

 

ርክብ ሶማሊላንድ ምስ የመን?

 

እዚ ርክብ ካብ ነዊሕ ዝጸነሓን ታርኻዊን እዩ።የመን ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ምስ ሶማሊላንድ ጽቡቕ ርክብ ካብ ዘለወን ሃገራት እያ።ምስ የመን ጽቡቕ ናይ ንግዲ ርክብ ኣለና።ንሕና ንፕረስደንት የመን ኣብ ምስፋን ሰላምን ርግእትን ኣብ ዶቡብ ሶማል ተርኡ ክጻወት ንሓትት ኢና።ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን የመንን ጽቡቕ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጀመረ ናይ ምርድዳእ ዓወት ተምዝጊቡ እዩ።እዚ ድማ ኣገዳስን ኣድላይን እዩ።የመን ብቅልውላው ሶማል ዝተጸለወት እያ፡ ስለዚ የመን ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ክትሕዞ የገድሳ እዩ።

 

ዝምድናኹም ምስ ግብጺ?

 

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግብጺ ናትና ናጽነት እትቓወም ዘላ ሃገር እያ ዋላእዃ ዝምድናን ንቕጽሎ እንተሃለውና።ግብጺ ሓንቲ ካብ ኣገደስቲ ሓያላት ሃገራት ዞባና እያ ስለዚ ባህሪያዊ ዝኾነ ዝምድና ምግባር ንዓን ብጠዓሚ ኣገዳሲ እዩ።ንሕና፡ ግብጺ ጸገማት ናይ ህዝብና ክትርደኦን ናትና መሰል ኣብ ምውሳን ክትድግፍን ንናጽነትና ንኸይትቓወም ትጽቢት ነይርና።ኣብ ሶማል መንግስቲ የለን።ከም ውጽኢቱ ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ገበናት ብየሕዋትን ደቡብ ኣብ ልዕሌና ምውራዱ፡ ናትና መርገጺ፤ ናትና ምርጫ ፤ናትና ውሳነ ወሲድና።ግብጽን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ነቲ ናትና መርገጽን ድሌትን ከምዘይተረድእዎ ገይርና ንወስዶ።ስለዚ ኣብ መንጎናን የሕዋትና ግብጻዊያን ንዝግበር ዝርርብ ከም ኣገዳሲ ነጥቢ ንርእዮ፤ንኹሉ ትዕዝብታቶም ክንቕበል ኢና ከምእውን ናትና ርእይቶ ከስምዕዎ ይግባእ ስለምንታይ ንሕና ህዝቢ ናይቲ ሳዕቤን ስለዝኾና።ካልኦት ኩሎም ኪፈልጥዎ ዝግባእ ነገር እንተሃልዮ ኣብዚ እዋን ምስ ሶማል ንሕብረት ንምዝርራብ ቑሩባት ከምዘይኮና ስለምንታይ ክትመያየጠሉ እትኽእል ሰልፊ ይኹን መንግስቲ ኣብ ሶማል የለን።

 

ንሃገራት ዓረብ ትነቕፍ ኣለኻ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገራልኩም ኣሎ ድዩ?

 

ኣርኣያ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ኣርኣያ ሃገራት ዓረብ ዝተፈለየ ኣዩ።ኣብ ግዜ ቅልውላው ሃገራት ዓረብ ከም ፓርቲ ኮይነን ጸግዒ ሒዘን ነይረን።ብውሕዱ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣልፋ ዑመር ኮናረ ምሳና ኮፍ ኢሉ ናትና ርእይቶ ሰሚዑ እዩ ፡ ምስ ሓፈሻዊ ኮሚሽን እቲ ሕብረት ቐጻሊ ርክባት ኣለና።ብመሰረት እዚ ኣብነት፡ ምስ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ተመሳሳሊ ርክባት ክህልወና ትጽቢትና እዩ።ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን።

 

ሓቅነቱ ብዛዕባ እቶም ግብረሽበራዊያን ተባሂሎም ኣብ ሃገርኩም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት?

 

እወ።ኣብ ውሽጢ ሶማሊላንድ ጉጅለ ግብረሽበራዊያን ብምትሕብባር ዞባውን ዓለምለኻውን ኣካላት፡ ብመሰረት ኩናት ኣንጻር ግብረሽበራዊያን ዝብል ዕላማ ሒዝናዮም ኢና።እዞም ሰባት ኣብ ትሕቲ መርመራ ኣለዉ፡ ኣብ መወዳእታ ብይን ብመሰረት እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ክዋሃብ እዩ።እዞም ሰባት ክሳብ ሕጂ ምስቲ እስላማዊ ሕብረት(ኣልቓዒዳ) ርክብ ከምዘለዎም ተናሲሖም እዮም።ብተወሳኺ ወታደራዊ ዕጥቕታት ዓጢቆም ካብ መቓድሾን ካልእ ቦታት ዶቡብ ሶማል ዝመኡ እዮም።ብሓፈሽኡ ንሕና ብዛዕባ እዞም ጉጅለ ናይ መወደኣታ ብይን ዝህብ ነጻ ኣካል ኣለና፡ ንሕና እዞም ሰባት ኣብ ሶማል ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኣብ ዞባና ኣስገእቲ ጉጅለ ምዃኖም እምነት ኣለና።

 

ከምቲ ካልኦት ዝብልዎ ክስብ ሕጂ ህላወ ናይዞም ጉጅለታት ኣብ ሶማሊላንድ ኣለዉ ኢልካ ትኣምን ዶ?

 

እቲ ቅልውላው ኣብ ኩሉ ቦታትት ሶማል ብዘይካ ኣብ ሶማሊላንድ ኣሎ።እቶም ናይ ኩናት ተበለጽቲ ነቲ ዝበዝሕ ክፋል ዓብሊለሞ ኣለዉ እዚ ንባዓሉ ሓደ መንገዲ ንግብረሽበራውነት ዝኸፍት እዩ።ዶቡብ ሶማል ከም ሓንቲ ዕጽውቲ መሬት ኮይና ኣላ።ብናይ ጫካ ሕጊ እያ ትግዛእ ዘላ።ብመሰረት እዚ ኩሉ ኣማራጺታት ናይ ምውሳድ ተኽእሎ ኣሎ።ኩሉም እቶም ካብ ፍትሒ ዝሃደሙን ተደለይቲን ስባት፡ ሶማል መዑቆቢት ኮይናቶም ኣላ።ስለዚ ኣብ ምእታውን ምሃብ መንበሪ ፍቓድ ካብ ደቡብ ንዝመጹ ኣብ ግምት ብምእታው ተሪር መቆጻጸሪ  ሕጊ ኣለና።ንጥፈታት ግብረሽበራዊያን ኣብ ሶማል ኣሎ ከም ሓደ ተላጋቢ ሕማም ኮይኑ ንሶማል ጥራይ ዘይኮነ ንሙሉእ እዚ ዞባ’ውን ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ ኣሎ።ስለዚ እዚ ስቅሎት ጎኒ ጎኒ ምስቲ ፖለቲካውን ጸትታውን ቅልውላው ኣብ ደቡብ ሶማል ዘሎ ዝቕጽል እዩ።

 

እዚ ሓድሽ ፕረስደንት ሶማል ንዓኹም  ኣብ ከባቢ ፓንት ላንድ ምትኹታኽ ይገብሩ ብምባል ይኸሰስ?

 

እዚ መሰረት ዘይብሉ ክሲ እዩ፡ ኣብ ጭብጥታት ዝተሞርከሰ ኣይኮነን።ዓብዱላሂ ዮሱፍ ሓደ ካብቶም ጠንቂ ንምውዳቕ ማእከላይ መንግስቲን ቅልውላው ሶማልን ኣዩ።ንሱ ንሶማሊላንድ ቐጻሊ ክስታት ዘቕርብ ዘሎ እዩ።እንተኾነ ግን ንሱ መጀመሪያ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማቱ ክፈትሕ ኣለዎ።ብድሕሪ እዚ ምስ ካልኦት ክዘራረብ ይኽእል እዩ።ንሕና ናቱ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ኣይነፍቅድን ኢና፡ ነቲ ዘሳቕዮ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ግን ክንተሓባበሮ ድልዋት ኢና እንተደኣ ፍቓደኛ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ሰላምን ርጋኣትን ናይቲ ካልእ ክፋል ሶማል ንዓና የገድሰና ስልዝኾነ።

 

እንተድኣ እቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ መንግስቲ ተመሊሱ ርክብኩም ክመይ ክኸውን እዩ?

 

ተስፋ እገብር ጽቡቕ ዝምድና ክንምስርት ልክዕ ምስ ካልኦት ጎራብትና ዘለና ንኣብነት ምስ ኢትዮጵያ፤ ጅቡትን ኬንያን መስሪትናዮ ዘለና። እቲ ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ፤ምክብባርን ምልውዋጥ ሓሳባትን  ዝተሞርኮሰ ክኸውን ኣለዎ ስለምንታይ ንመጻኢ ንህዝብና ከስርሕ ስለዝኽእል።እዚ ኢና ንጽበዮ ዘለና ድሕሪ ናትና ምርጫ ብናትና ድሌት ምውሳና።

 

ናትካ ርእይቶ ብዛዕባ ምትእትታው ሓይልታት ኣፍርቃ ኣብ ሶማል?

 

መጀመሪያ እዚ ሕቶ ናዓና ዝምልከት ኣይኮነን። እንተደኣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ምሕጋዝ የሕዋትና ደቡብ ከምእውን እቲ ህዝቢ ካብቶም ተበለጽቲ ኩናት ዝወርዶ ዘሎ ገበንን በደልን ወጺኡን ተዓዊቱን ክንርእይ ሕጉሳት ኢና።ንሕና ድማ ብውሕዱ ውሑስ ዶብ ምስኦም ከነረጋግጽ ኢና። ስለዚ ምትእትታው እዚ ሓይሊ ኣብ ምስፋን ሰላምን ምርግጋእን ኣገዳስነት ኣለዎ።እንተኾነ ግን ናይ ዝሓለፈት ተሞክሮታት ነገር ዘረጋግጾ እንተሃልዩ ህጹጽ ናይ ደገ ምትእትታው ነቲ ኩነታት ንምቁጽጻር ኣገዳሲ እዩ።

 

ዝምድናኹም ምስ ኣውረጳዊ ሕብረትን ኣሜርካን?

 

ዝምድናን ምስ ኣውረጳዊ ሕብረት ዝናኣድ እዩ።ኣውረጳዊ ሕብረት ንምስልጣን መራሕቲ ንምርጫን ዲሞክራስን ብዙሓት ልኡኻት ናብ ሶማሊላንድ ሰዲዱ እዩ።ኣውረጳዊ ሕብረት ቐጻሊ ሓገዛት ንምዕባሌና ክሕግዝ ጸንሑ እዩ።ስለዚ እዚ ሕብረት ንምዕባለ ዲሞክራስን ብዙሕነት ሰልፍታትን ኣብ ሶማሊላንድ ካብቶም ቐንዲ ሓገዝቲ ክህብ ዝጸነሑ እዩ ኢልካ ክውሰድ ይካኣል።

ምስ ኣሜርካ ዘለና ዝምድና ግን ኣብቲ ዝድለይ ደረጅኡ ኣይበጸሐን ዘሎ።ንሕና ብዛዕባ መርገጺና ኣነጺርና ንገልጸሎም ኢና።ኣብ ምልውዋጥ ሓሳባት ብፍላይ ንምውጋእ ግብረሽበራ ንተሓጋገዝ ኢና።እንግሊዝ ከም ገዛኢት ሶማል መጠን ምስና ዘለዋ ዝምድና ዝናኣድ እዩ።ስለዚ ተስፋ ንገብር ኣብ መስርሕ ናጽነትና ኣግዳሲ ተራ ክጻወታ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2892

Posted by on Apr 28 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net