ክፉት መጸዋዕታን ዕድመን!

ዕለት 01/08/2012

ንኹሎም ኤርትራውያን ኪኢላታት ኣብ ኣርማ(logo) ዝነጥፉ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ(diaspora)ትርከቡ ኪኢላታት ኣርቲሰት (professional)

ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ብመሰረት ዉሳኔ ትጋባእቲ ዋዕላ መንእሰያት ደብረዘይቲ ሓደ ናይ እቲ ቆይሙ ዘሎ ማሕበር ኣርማ(logo)ክህልዎ ስለዝወሰነ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ቅጥዕታት ኣማሊኦም ንዝወዳድሩ ኪኢላታት ስርሓቶም ክሳብ ዕለት 15/08/2012 (15 August 2012 ) ብ ናይ ማሕበርና ኢመይል- simernharnet@gmail.com ክትስዱልና ብኣኽብሮት ንዕድም፡፡

እቲ ኣርማ(logo) ከማልኦ ዝግብኦ ነጥብታት፡-

1.ንታሪኽናን ኵውንነትናን ኣብ ግምት ዘእተወ

2.ንስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝገልጽ

3.ንድሕነት ሃገርና ኤርትራ ዘመላኽት

4.ንዝሓሸ መጻኢ ዝእምት

5. ንፍትሒ ማዕርነትን ደሞከራስን ዘንጸባርቕ ክኸውን ንላቦ፡፡

ንዝግበረልና ምትሕብባር ብቐዳምነት ነመስግን፡፡

ንዝኾነ ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን ንምቅባል ኣፍደገና ክፉት እዩ፡፡

 

N:B  እንተተኻኢሉ ናይ ትምህርቲ CV ፡ ኣብዚ መዳይ ዘለኩም ተሞክሮን ሓጺር መግለጺ ብጽሑፍ ከተሰንዩ ንላቦ፡፡

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን ሓበሬታን

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር

01 ነሓሰ 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7472

Posted by on Aug 7 2012 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net