ውረድ ውርደተኛ !

baybe afom

ብፍረወይኒ ሃብተማርያም፡ ንሰላማዊ ሰልፊ ጂነቫ

26.06.2015

 

ውረድ ውርደተኛ!

ተዋሪድካ ኣዋሪድካና

ዋይ ወሪዱና! ወረዳ ኣውሪዱልና?

 

ወሪድዎ እግዝሄር´ሲ ኣውሪዱልና?

ባዕልና ደኣ ብኣንነት ዓዊርና ጸሚምና!

ገሌና ድማ ብዕሽነትና ዝሒልና – ዓንዲሩልና!

 

ውረድ ደይብ ኩነታት ህዝብና ከይዓጀበና

ዋጋ ዕዳጋ ብመንእሰያትና!?

ተዋጢጥና ተለኻኺምና ተዋሪድና!

ጀጋኑ ከሲርና ነዊሑና!

ሕጂ ግን ይኣኽለና! ውረደልና!

 

ሓቢርና ንጂነቫ መጺና ክንብለካ

ውረድ ውርደተኛ!

 

ዓለም ትመስክር ንብለካ ኣለና

ውረድ! ይኣኽለና!

 

 

ውረድ ውርደተኛ!

ተዋሪድካ ኣዋሪድካና!

ሓቢርና ንጂነቫ መጺና

ዓለም ትመስክር ክንብለካ

ይኣኽለና! ውረድ ውርደተኛ!

 

ውረድ ውርደተኛ!

ተዋሪድካ ኣዋሪድካና!

ሓቢርና ንጂነቫ መጺና

ዓለም ትመስክር ክንብለካ

ይኣኽለና! ውረድ ውርደተኛ!

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9717

Posted by on Jun 26 2015 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net