ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ – ካልኣይ ክፋል

ሓምድ ቀጽሉ ፣ ካብ ወገናት ባጽዕ ንባርካ ተመሊሰ ካብኡ ከሰላ ኣቲየ ምስ ስዉእ ሳቤ ተራኽቤ ዳግም ንሜዳ ተመሊሰ ኣብተን ኣሃዱታት ተጸምበርኩ ። እዚ ድማ ብ1964 እዩ ነሩ ይብል ።

መን እዩ እቲ ምስ ስዉእ ጣህር ሳልም ኮይኑ ዝላኣኸካ ዑስማን ኣደም ንዝብል ሕቶ ክምልሽ ከሎ ፡ ዑስማን ኣደም ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ ምስ ብጻዩ ስዉእ ዓሊ ኣሕመድ  ካብ መደበር ፖሊስ ናይ እንጅሓይ ( ባርካ ) ኣብ መጀመርታታት ናይ ቃልሲ ብሬት ተሰክሞም ኣብ ሰውራ ዝተጸምበሩ ተጋደልቲ እዮም ። ዑስማን  ኣደም  ቅድሚ ምምስራት ወታሃደራዊ ክፍልታት ምስ ጸላኢ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ኣብ ደምበላስ ዕለት 8/2/1964 ተሰዊኡ ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ምስኡ  ከምኡ ፖሊስ ዝነበረ ዑስማን ሻግን ፡ መጀመሪያ ስዉእ ካብቶም ወታሃደራዊ ኮርስ ኣብ ሱሪያ ዝወሰድና ዓብዱልዋሃብ ፉቱዊን ተሰዊኦም ። ዓሊ ኣሕመድ ድማ ኣብ ቃጠታይ ( ሞንጎ ምስያምን ዓድ ኩኩይን ዘሎ ሩባ ) ምስ ጸላኢ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ብዕለት 20/4/1964 ተሰዊኡ ።ኣብዛ ዕለት ከምኦም ኣባል ፖሊስ ዝነበረ ካብ ምጽዋዕ ብ1963  ምስ ብጻዩ ስዉእ ሙሓመድ ስዒድ ሻምሲ ምስ ብረቶም ንኣባላት ፖሊስን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን መሪሑ ዝወጸ ዑመር ናስር ሹም ተሰዊኡ ይብል ።

ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ ዘረባኡ ብምቅጻል ንቀዳሞት ተጋደልቲ ዘኪሩ ፡ ብዛዕባ እቶም ብፍላይ ብ1962 ኣብ ሰውራ ዝተጸምበሩ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝነበሩ ተጋደልቲ በቲ ዝነበሮም ወታሃደራዊ ፍልጠትን ተሞክሮን ኣብ ጽንዓትን ቀጻልነትን ሰራዊት ሓርነት ዝተጻወቱዎ ግዴ ዝፈልጡ ብዙሓት እዮም እዞም ኣብ ሰራዊት ሱዳን ዝነበሩ ድማ ባዓል ፡-

  1. ጣህር ሳሊም
  2. ሙሓመድ እድሪስ ሓጅ
  3. ሙሓመድ ዑመር ዓብደላ ( ኣቡ ጣያራ)
  4. ዑመር ሓሚድ እዛዝ
  5. ዑስማን ኣቡሻናብ
  6. ኣደም ሓሚድ ግንድፍል
  7. ሙሓመድ ዓሊ ኣቡሪጀላ
  8. ዑመር ዳማር
  9. ሓሚድ ጃምዕ ሑማድ ወዘተ. ይሪከቡዎም ብምባል ፣ በዚ ኣጋጣሚ ብተመሳሳሊ ካብ ሰልፊታት ፖሊስ ኤርትራ ናብ ሰውራ ዝተጸምበሩ ቀዳሞት ተጋደልቲ እውን ታሪኻዊ ግዴ ነሩዎም ብምባል ፣ ብተመሳሳሊ ኣብቲ እዋን ንሰውራ ኣዚዩ ተደላይ ዝኾነ ወታሃደራዊ ፍልጠትን ተሞክሮን ዝውንኑ ኣባላት ፖሊስ ዝነበሩ ብምልዓል ፡  ስዉኣት ዑስማን ኣደምን ዓሊ ኣሕመድን ኣርባዕት ጠበንጃ ኣቡ ዓሻራን ኣብቲ እዋን ተመንኻ ዘይርከብ ሓደ ብሬን  ኢንግሊዝን ወታሃደራዊ ተሞክሮን ሓዚሎም ናብ ሰውራ ዝወጹ ምዃኖም ይሕብር ። ቀጺሉ እዞም ዝጠቀስኩዎም ስዉኣት ከዋኽብትን ካልኦትን ኣባላት ፖሊስ ዝነበሩ ከም ስዉእ ሙሓመድ ስዒድ ሻምሲን ዑመር ናሰርን ካብ ከተማ ምጽዋዕ ምስ ብጾቶም ፖሊስን ካልኦትን ኣብ ሰውራ ዝተጸምበሩ እውን ኣለዉ ። ስዉእ ሻምሲ ብ 1965  ኣብ ልዕሊመደበር ሽዕብ ዕዉት መጥቃዕቲ መሪሑ  ዝተሰወኤ ጅግና እዩ ። ከምኡ ድማ ብመሪሕነት ኣባል ፖሊስ ዝነበረ ዑመር ዲን ሙሓመድ ዩሱፍ ካብ መደበር ቡሹካ ብዕለት 7/7/1963 ምስ ምሉእ ዕጥቆም ኣብ ሰውራ ዝተጸምበሩ ኣለዉ ። እቲ ንሳቶም ዘምጸኡዎ ብሬት ድማ ኣብቲ እዋን ኣብቲ ካብ ኣርባዓ ንላዕሊ ፎክስ ብሬትን ብሬንን ዝተሰልበሉ መጥቃዕቲ መደበር ሃይኮታ ኣብ ወርሒ 9/1963 ብሙውዓሉ ዓብይ ግዴ ተጻዊቱ እዩ ። ድሒሩ ድማ ካብ ቱኩምብያ ኣብ ፍላንሳ ዝነበረ ሙሓመድ ያሲን ሓጅ ሳልሕ ብዕለት 24/4/1964 ኣርባዕተ ብሬት ኣቡ ዓሻራን ጠያይትን ሕዙ መጸ ። እዚ ድማ እቲ ሓንቲ ጥይት እውን ትኹን ጠቅማ ዓብይ ዝነበረሉ እዋን እዩ ። ከምኡ ድማ ኣብቲ እዋን ይኹን ድሕሩ ኣብ ዝነበረ እዋን ምስ ብሬቶም ይኹን ብዘይ ብሬት ኣብ ሰውራ ዝተጸምበሩ ነሮም እዮም ። ንምሳሌ ባዓል ስዉእ ሑሴን ሻጊ ፡ ስዉእ ኣሕማዲን ኢስማዒል  ፣ ስዉእ ሓጅ ሙሳ ፡ ራማዳን ሙሳ ኣሕማዲን ፣ ስዉእ ማሊክ ኣደና  ወዘተ.

ኣባላት ፖሊስ ካብ ዝተፈላለየ ወገናት ኤርትራ ብኡኩብ ወይ   ብውልቀ ናብ ሰውራ ይጽምበሩ ስሌ ዝነበሩ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ዝነበራ እምነት ስሌ ዝጎደለ፣ ንብዙሓት ካብ ፖሊስ ረፊታቶም  ብዙሓት ድማ ቅያር ኣብ ትሕቲ ዝብል ምኽንያት ክርሕቁ ንእትዮጵያ  ሰዲዳቶም ። ካብኣቶም  ክሳብ ሕጂ ኣብ እትዮጵያ ዝነብሩ ገለ ስድራታት ኣለዉ ።

ቀጽልና ኣብ ካልእ ኣርእስቲ ሰጊርና ፡ ንተጋዳላይ ሓምድ እቲ ንስኻ ሜዳ ዝወጻእካሉ እዋን ስርርዓት ናይተን ወታሃደራዊ  ኣሃዱታት ከመይ ነሩ ? ምስ ጸላኢ ዝግበር ዝነበረ ጥምጥምከ እንታይ ይመስል ነሩ ? እንታይ ዓይነት ጸገማትከ ነሩኩም ? ኣብ ዝብል ሕቶ ሰጊርና ፡ ሓሚድ ይብል ፡-

ዝላዓለ ወታሃደራዊ ስርርዕ ጋንታ ነራ ። ጸገማት እንተዳኣ ኮይኑ ከምቲ ዝፍለጥ ፡ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማት ነሩ ቀንዲ ካብኡ ዋሕዲ ዕጥቅን ፡ ዋሕዲ ዝተመልመለ ጉልበት ሰብን ኮይኑ ክልእ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማት እውን ነሩ። መብዛሕትኡ ብሬት ድማ ዓይነቱ ኣቡዓሻራ ፡ ኣቡ ሲታ፡ ዉሑድ ቦምባ ኢጣሊያ ኮይኑ መብዛሕትኦም ተጋደልቲ ጃሌ( ብሬት ዘይዓጠቁ) እዮም ነሮም ። ኣብ ዝተፈላለየ ሰፊሕ ቦታታት ተዘርግሑ ዝነበረ ጸላኢ ድማ ብቀጻሊ ተኸታቲሉ ይስዕቦም ነሩ ። ይኹን እምበር ሳላ ጽንዓት መስዋእትን ናይቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ካብ ቀዳማይ መራሒኦም ስውእ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ ጀሚርካ ሰውራ ንዝነበረ ጸገማት ኩሉ ትሰግሮ ነራ ። ሰውራ ብግስ ምስ በለት ምስ ጸላኢ ኣብ ብርቱዕ ጥምጥም እያ ኣቲያ ። ቀዳሞት ተጋደልቲ ድማ ዝላዓለ ኣብነት ናይ መስዋእትን ጽንዓትን ኮይኖም ኣንጻር ጸላኢ ኩናትን ፍሉይ ስሪሒታትን  ብምክያድ ዓብይ ናይ ሰብን ንዋትን  ክሳራ ኣውርዶም  ራዕዲ ኣእተዉሉ ። መብዛሕትኡ ስሪሒታት ድማ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ተዘርግሔን ዝንበራ መደበራት ፖሊስን ኣንጻር እቲ ( field force ) (ናይ ሜዳ ሓይሊ) ዝባሃል ዝነበረ ሰራዊትን ዝቀነዔ ነሩ ። ቀንዲ ካብኡ ውግእ ሓልሓልን ኣብ ልዕሊ ፡ መደበር ጎንዮ ፡ ጋርሳት ፡ ጋሉጅ ፡ ታማራት ፡ ባረንቱ ፡ ወገናት ዓንሰባ ባብ ጀንጋረን ( ባልቃት) ፣ ኣሮታ፡ ሆምቦል ፡ ሃባሮ ጻዕዳ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ባርካን ጋሽን ዝተኻየደ ውግኣትን ፣ ሰራዊት ሓርነት ካብ 40 ንላዕሊ ዝኾውን ብረት ዝሰለበላ  ወርሒ 9/ 1963 ዝተኻየደት ዉሩይቲ ስሪሒት ሃይኮታ  ፡ ውግእ ማንሱራ ፡ ከምኡ እውን ዝተፈላለየ  ፍሉይ ናይ ፊዳኢዪን ስሪሒታት ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ማዕረፎ ነፈርቲ ናይ ኣስመራ ዝተኻየደ መጥቃዕትን ፡ ኣብ ከተማ  ኣቁርደትን ከባቢ ከረንን ዝተኻየደ ሲሪሒታትን እዩ  ። እቲ ብ1964 ጸላኢ ንሰውራ ብዕሽላ ከላ ምጥፋኣ ዝብል ሓሳብ ሕዙ ንመጀመሪያ እዋን ስሩዕ ሰራዊቱ ( ጦር ሰራዊት ) ዝተጠቀመላ  ውግእ  ፣ ኩነታት ብኣንጻሩ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብዝሒ ብረትን ሰራዊትን ተመኪሑ ተሃንድዱ ዝወፈረ ሰራዊት  ሰፍ ዘይብል ክሳራ ወሪዱዎ  84 ሞይቶም  22 ድማ ቁሱላት ዝኾኑላ ፡ ብወገን ሰውራ ድማ  17 ብጅግንነት ተሰዊኦም  3 ዝቆሰሉላ ውግእ ቶጎሩባ ዝኣምሰለ  ግጥሚያታት ብምክያድ ሰውራ ምስቲ ዝነበራ ዓብይ ጉድለታት ናይ ብረት ይኹን ጉልበት ሰብ ብጽንዓት ገጢማ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዘሕምም መጥቃዕቲ ብሙውራድ ንወራራቱ ተኸላኽላ ዓወታት ኣመዝግባ ካብ ጸላኢ ክትዕጠቅ እውን ኪኢላ እያ ። ሰውራ ከምዚ ዝኣምሰለ ዓወት ክትጎናጸፍ ዘኽኣላ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ ሞንጎኣን ሞንጎ ህዝብን ጽኑዕ ዝምድና ተፈጥሩ ህዝቢ ኣብ ጎና ጠጠው ኢሉ ስሌ ዝደገፋን ዝተኸላኸለላን እዩ ክባሃል ይካኣል ። ስሌዚ እቲ ብወገን ጸላኢ ህዝቢ ንምፍርራህን ካብ ሰውራ ንምንጻሉን ተባሂሉ ዝካየድ ዝነበረ እከይ ሜላታት ኩሉ ፣ ንሬሳ ስዉኣት ኣብ ፈቀዶ ሜዳታትን ከተማታትን ምስቃልን ፣ ምስ ሰውራ ዝተሓባበሩ ምቅታልን ምእሳርን ምስቃይን ዝኣምሰለ ተግባራት ኩሉ ፈሺሉ ፣ ደገፍ ህዝቢ ወገሔ ጸበሔ እንዳደንፈዔን እንዳማዕበለን  ከይዱ ጸላኢ ንሰውራ ንምህሳይ ቅድሚ ምስጓሙ ሽሕ ግዜ ክሓስብ ከምዘሎዎ ክፈልጥ ስሌ ዝተገደደ ፣ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሰራዊቱ ሓድሽ ተወሳኺ ኣገልጋሊ ሓይሊ ንምፍጣር ክብገስ ጀሚሩ ።

ኣብ ውሽጢ ከተማታትን ገጠርን ኤርትራ ዝነበራ ምስጥራዊ ጉጅሌታት እንዳሰፈሓ ከይደን ። ዳሃይ ዝካየድ ውግኣት ኣብ መላእ ኤርትራ ክንዛሕ ጀሚሩ ። ጸላኢ ኩሉ  ኣታሓሳሰባኡ ነዚ ኣብ ውሱን መሬት ኤርትራ ዘሎ ሓይሊ ሰውራ ፣ ማለት ብሓፈሻኡ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ዝነበረ ከመይ ገርካ ይጠፍእ ኣብ ዝብል ዕላማ ዘድሃበሉ እዋን እዩ ነሩ ። መሪሕነት ጀብሃ ድማ ኣብ ፍርቂ ዓመት 1965 ወታሃደራዊ ክፍሊታት ንምምስራት ወሰነት ይብል ።

ኣብ ዘመነ ክፍሊታት ቅድሚ ምእታውና ዕላማ ናይ ምምስራት ወታሃደራዊ ክፍሊታት እንታይ ነሩ እቲ ምምቅቃል ኣብ ቀቢላ ወይ ሃይማኖት ዝተሞርከሰዶ ነሩ ስሌምንታይከ ? ዝብል ሕቶታት   ምስ ሓተትኩዎ ፡ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ ክምልሽ ከሎ ይብል ፡ መጀመሪያ ክፍሊታት ክምስረታ ከሎዋ ዝተገልጸልና ንጹር ዉሱን ዕላማታታት እዩ ነሩ ንሱ ድማ ፡ ሓይሊ ሰውራ ኣብ ዝተፈላለየ መሬት ኤርትራ ከም ዝዝርጋሕ ገርካ ህዝቢ ሰውራኡ ክስዕብ ጎሽጓሻት ምክያድ ፡ ሰራዊት ናይ ጸላኢ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ንክዝርጋሕ ምግዳዱ፡ወታሃደራዊ ስሪሒታት ብምክያድ ንሰውራ ኤርትራ ምስ ርእይቶ ዓለም ዘላሊ መቃልሕ ዜና ከምዝፍጠር ምግባል ዝብል እዩ ነሩ ። ዝኾነ ካልእ ቀቢላዊ ይኹን  ሃይማኖታዊ  ዕላማታት ኣይነበረን ። ሓደ ዝዝክሮ ዝተጋህደ ነገር  ነሩ ፣ ንሱ ድማ መሪሕነት ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዳብ መራሒ ናይ ሓንቲ ክፍሊ፣ ወዲ እታ ክፍሊ ወይ ወዲ  ቦታ ክኾውን ዝብል ነገር ነሩ ። ምኽንያት ናይዚ ድማ መራሒ ናይ ሓንቲ ክፍሊ ኣፍልጦ ናይቲ ቦታታትን ህዝባን ዘሎዎ ወዲ እቲ ቦታ ክባሃል ከሎ ፣ ምስቲ ክዕወት ዝድለ ዕላማታት ብምትእስሳር ዝተገብረ ነገር እዩ ነሩ ። እንተ እቲ ድሒሩ ኣብ ክፍሊታት ዝተራኣየ ኣሉታዊ ነገራት ጉዳዩ ካልእ እዩ ። ክፍሊታት ቅድሚ ምቋመን ድማ ምምሕዳር ናይ ክፍሊታት እትስከም ሰውራዊት መሪሕነት ቆይማ መደበራ ድማ ከሰላ ነሩ ። ብተወሳኺ ንሓደስቲ መልሚላ ናብ ክፍሊታት እትዝርግሕ  ወታሃደራዊ ክፍሊ ታዕሊም ብመሪሕነት ስዉእ ዑመር ዳምር ተመስሪታ። ይኹን እምበር ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ስራሓታ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ  ጠጠው ኢሉ ። ምምቅቃል ናይዚ ክፍልታት ዕለት 24/8/1965 ኣብ መሬት ማሪያ ያካሪዕ  እዩ ተፈጺሙ  ንሓንቲ ክፍሊ ድማ  ሰለስተ ጋንታታት ተመድበን ። ኣሰራረዓ  ሳልሰይቲ ክፍሊ ድማ ዝስዕብ ነሩ፡-

 

  1. ቀዳመይቲ ጋንታ –  መራሒኣ ሓሚድ ሳልሕ – ምኽትሉ ዓብዱ ያደታ ።
  2. ካልኣይቲ ጋንታ – መራሒኣ ሙሓመድ ንጉስ ባህታ – ምኽትሉ ሃብተ ተኽሉ ።
  3. ሳልሰይቲ ጋንታ – መራሒኣ ሶሎሙን – ምኽትሉ ዑመር ያሕያ ። ሙሉእ ሽም ናይ ሶሎሙን ኣይዝክሮን ። ከም መራሕ ጋንታ ተመድቡ ድሕሪ ገለ እዋን ብሕማም ምኽንያት ሱዳን ኣቲዩ ኣብ ካርቱም ከምዝተሰወኤ ይፈልጥ ።

እንተ መሪሕነት ወይ ምምሕዳር ሳልሰይቲ ክፍሊ ኣስማቶም ፡-

  1. ዓብዱልካሪም ኣሕመድ – መራሕ ክፍሊ ምኽትሉ ሓሚድ ጀምዕ ሁማድ ።
  2. ስዩም ዑቅባሚካኤል – ፖለቲካል ኮሚሸነር ምኽትሉ ሙሓመድ ብርሃን ብላታ ።
  3. ኣሕመድ ኢብራሂም ሙሓመድ – ሓላፊ ወታሃደራዊ ስለያ።
  4. ሙሓመድ ብርሃን ነጋሽ ( ወዲ ነጋሽ) – ገንዘባዊ ሓላፊ ።
  5. ሑሴን ዳፊ – ሕክምናዊ ሓላፊ ነሮም ።

ስዉእ ስዩም ዑቅባሚካኤል ቀጥታ ድሕሪ ምምዳቡ ኣብ ክፍሉ ከይበጸሔ ፣ ምስ ብጻዩ ስዉእ ወድልደዳዊት ተመስገን ኮይኖም ብሰውራዊት መሪሕነት (Revolutionary Command) ብዝተዋህቦም ዕማም ከተማ ኣስመራ ምስ ኣተዉ ብ1965 ብጸላኢ ተታሒዞም ክሳብ እቲ ብ1975 ብጀብሃ ዝተኻየደ ውሩይ ሲሪሒት ምውጻእ ኡሱራት፣ ኣብ ሰምበል ቤት ማእሰርቲ ነሮም ።

hamid saleh tagadlti

 

ዕጥቂ ብዝምልከት ሓንቲ ጋንታ ሓደ ብሬን እንግሊዚ ወይ ድማ ኢጣሊ ነሩዋ ። ፎኪስ ብረት ድማ ኣቡ ዓሻራ ፡ ኣቡኻምሳ ፡ ኣቡ ሲታን ገለ ኢስተናት ኢንገለዘ ኮይኑ ካብ ጸላኢ ዝተሰልበት ሓንቲ ጠበንጃ ኣቡ ታማኒያን መብሕትኡ ናይ ኢጣሊያ ቦምባታት ኢድን ጊረነትን ነሩና ።

ነፍስወከፍ ክፍሊ ባጀት ገንዘብ ተወሲኑላ ኣብ እቶታ ክትሙርኰስ ተመድቡ ። ኩሉ ጸብጻባት ድማ ናይ ገንዘብ ከይተረፈ ናብ ሰውራዊት መሪሕነት ክመሓላለፍ ተወሲኑ ።

ካብ ቦታ ምምቃል ክፍሊታት ያካሪዕ ድማ ንባርካ ተመሊስና ። ብዛዕባ ኣብ ክፍሊና ንምብጻሕ ዝነበረና ውጥን ድማ ፣ንባርካ ላዕላይ ድሕሪ ግንባርና ገርና ብደቡባዊ ወገናት ደምበላስ፣ ቆሓይን ወዘተ ብምእታው ኣብ ኣውራጃታት ኣከለ ጉዛይን ሰራየን ወዘተ ንዝርጋሕ ዝብል እዩ ነሩ ።ነዚ ንምፍጻም ኣብ ዝተበገስናሉ እዋን ድማ ብቀጥታ ምስ ጸላኢ ኣብ ውግእ ንኣቱ ነርና ። ኣብዚ ምስ ባርካ ዝዳወብ ናይ ባርካ ላዓል ክፍሊታት ከምቲ ኣቀድሙ ዝተጠቅሰ ፣ እቶም ቀዳሞት ሓይልታት ጀብሃ ዉሩይ ውጉኣት ኣካይዶም ብዙሓት ጀጋኑ ዝተሰወኡሉ ቦታታት እዩ ነሩ ። ውግእ ኣብ ሞንጎናን ሞንጎ ጸላኢን ድማ ቀጸለ ።

ይቅጽል

/

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ 1hamid saleh

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10409

Posted by on Aug 8 2016 Filed under Articles, Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net