News

ብደላሎ ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ነጻ ወጽዮም

ኣብ ከባቢ ከተማ ከሰላ ወታሃደራት ሱዳን 71 ብደላሎ ተጨውዮም ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ናጻ ከምዘውጽእዎም ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ይሕብር። እቶም ጨወይቲ ነቶም ካብ ኤርትራ ንሱዳን ክኣትዉ ዝሓዝዎም መንእሰያት ኣብ ከባቢ ሩባታት ዓጥባራ ካብ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ኣገዲዶም ሒዞሞም ከምዝነበሩ ወኪል ዜና ስምረት ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሰራዊት ሱዳን ነቶም በብእዋኑ ካብ ኤርትራ ፈንጢሶም ዝኣትዉ ዘለዉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምቕባል ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ተጻብኦታት ይገጥሞ ከምዘሎውን ይሕበር። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓቢርናዮ ከምዝነበርና ነቶም ካብ ኤርትራ ዝወጹ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ደቂ በኒሻንጉል ንምሓዝ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ወፍሪ ሰራዊት ሱዳን ናብ ሱዳን ክኣትዉ ስለዝኸልከሎም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሰራዊት ሰራዊት ረጽሚ ከየጋጥም ስግኣት ከምዝነበረውን ይሕበር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ሱዳን በቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይሕብሩ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top