ብደላሎ ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ነጻ ወጽዮም

ኣብ ከባቢ ከተማ ከሰላ ወታሃደራት ሱዳን 71 ብደላሎ ተጨውዮም ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ናጻ ከምዘውጽእዎም ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ይሕብር። እቶም ጨወይቲ ነቶም ካብ ኤርትራ ንሱዳን ክኣትዉ ዝሓዝዎም መንእሰያት ኣብ ከባቢ ሩባታት ዓጥባራ ካብ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ኣገዲዶም ሒዞሞም ከምዝነበሩ ወኪል ዜና ስምረት ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሰራዊት ሱዳን ነቶም በብእዋኑ ካብ ኤርትራ ፈንጢሶም ዝኣትዉ ዘለዉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምቕባል ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ተጻብኦታት ይገጥሞ ከምዘሎውን ይሕበር። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓቢርናዮ ከምዝነበርና ነቶም ካብ ኤርትራ ዝወጹ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ደቂ በኒሻንጉል ንምሓዝ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ወፍሪ ሰራዊት ሱዳን ናብ ሱዳን ክኣትዉ ስለዝኸልከሎም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሰራዊት ሰራዊት ረጽሚ ከየጋጥም ስግኣት ከምዝነበረውን ይሕበር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ሱዳን በቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይሕብሩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10781

Posted by on Jul 13 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net