ንኡስ ጨንፈር ከለንን ከባቢኣን ሃድኤ ሕድሪ ዕላዊ ወርሓዊ ኣኼብኡ ኣካይዱ

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ንኡስ ጨንፈር ከለንን ከባቢኣን ዕላዊ ወርሓዊ ኣኼብኡ ብዕለት 17. 06. 2018 ኣካይዱ።

ዕላዊ ወርሓዊ ኣኼባ ብኣቦ መምበር ንኡስ ጨንፈር ብእንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምኽፋት ካብ መሪሕነት ውድብ ዝተላእከ ሓበሬታታትን መምርሕን ንኣኼበኛ ሓቢሩ።

ናይ ስራሕ መደባትን ጸብጻባትን፡ ከምኡ ውን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዓለምናን ከባቢናን ብሓፈሻ ብዛዕባ ምንቅስቃሳትን ተበግሶታትን ውድብና ከኣ ብፍላይ ተመያይጡ። ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ካብ ጉባኤኡ ጀሚሩ ነቲ ብመትከል ምስ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን ተቃውሞ ደምበ ብምርኻብ ዘሰላስሎ ዘሎ ወፍሪ ሓድነት ብምንኣድ፡ ንኡስ ጨንፈር ከለንን ከባቢኣን ነዚ ቅዱስ ተበግሶ ንምዕዋቱ ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ክገብር ቅሩብ ምኳኑ ኣስሚሩሉ።

 

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገደብ ዘይብሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ግህሰት መሪርዎም፡ ሰላምን ቅሳነትን ንምርካብ እግሮም ናብ ዝመረሖም ተሰዲዶም ካብቶም ውጻእ ምዓት ዕድል ጌሮም ንሃገረ ጀርመን ከባቢ ከለን አትዮም ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኩሉ ኣባል ውድብ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ዝገብሮ ዘሎ ተወፋይነት ብምንኣድ፡ ሕጂ ውን ከይሰልከኹም ብዝያዳ ግዜኹምን ጉልበትኩምን ከይበቀቅኩም ነዞም ስደተኛታት የሕዋትናን ኣሓትናን ክንሕግዞም ደጊመ ሓደራ እብል ክብል ኣቦ መምበር ንኡስ ጨንፈር ከለንን ከባቢኣን ኣተሓሳሲቡ።

 

ብዝተፈላለዩ ኣባላት ንዝቀረበ ለበዋታትን ጠቃሚ ሓሳባትን ድሕሪ ምስማዕ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባ ብጽቡቅ ከምዝተዛዘመ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዝኽርን ክብርን ንሰማዕታት ኤርትራ!!

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ክፍሊ ዜናን ባህልን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11061

Posted by on Jun 21 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net