News

ናይ መጀመርታ ዝተማልአ ሪፖርት ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ሕዳር 15, 2005
 ካርቱም

ማእከል ሴራ ንሰብኣዊ መሰል ናይ መጀመርታ ዝተማልአ ሪፖርት ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣዳልዩ።ትማሊ ምሸት ብምኽንያት እዚ ምድላው ሪፖርት ኣብዝተገብረ ሰሚናር ኣቦወንበር እቲ ማእከል ኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ እዚ ሪፖርት እዚ ኣብ ሓሙሽተ 5 ቀንዲ ክፋላት ይሙርከስ ክብል ገሊጹ፡ ንሳተን ድማ

   – ሓፈሻዊ ናጽነታትን ስቪላዊ መሰላትን፡

   – ምጭዋይን ምፍጻም ቅትለትን፡

   – ሓይሊ ብምጥቃም ዘይተወሰነ ማእሰርትን ኩነታት ኣብ ውሽጢ ኣብያተ

    ማእሰርትን

   – ኣገባብ ምግሃስ ሰብእዊ መሰላት ብሽም ሃግራዊ ኣገልግሎት

   – ከምኡውን ኩነታት ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ዝብላ እየን ክብል ኣብሪሁ።

ኣብዚ ትማሊ ምሸት ዝተገብረ ሰሚናር መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ካልኦት ብዛዕባ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝግደሱ ወልቀሰባትን ኤርትራዊያን ማእከላት ዜናን ከምኡውን ማእከላት ዜና ሱዳን ኣዕራብን ተረኺበን ኔረን።እዚ ሪፖርት ኣብ ቃለ መሕተት ምስ ኣብቲ ተሞክሮ ዝነበሩን ናይ ኣህጉራዊያን ስብኣዊ መሰላት ማሕበራት ጸብጻባትን ሓፈሻዊ ሓቅታት ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምርኮስ እዩ ብምባል ኣቶ ያሲን ሓቢሩ።

እዚ ሪፖርት ብክልተ ብቃንቃ ዓረብን፡ እንግሊዝን ተዳልዩ ንኹላቶም ኣብቲ ሰሚናር ዝተረኽቡ ሰባት ተዓዲሉ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top