ናይ መጀመርታ ዝተማልአ ሪፖርት ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ሕዳር 15, 2005
 ካርቱም

ማእከል ሴራ ንሰብኣዊ መሰል ናይ መጀመርታ ዝተማልአ ሪፖርት ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣዳልዩ።ትማሊ ምሸት ብምኽንያት እዚ ምድላው ሪፖርት ኣብዝተገብረ ሰሚናር ኣቦወንበር እቲ ማእከል ኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ እዚ ሪፖርት እዚ ኣብ ሓሙሽተ 5 ቀንዲ ክፋላት ይሙርከስ ክብል ገሊጹ፡ ንሳተን ድማ

   – ሓፈሻዊ ናጽነታትን ስቪላዊ መሰላትን፡

   – ምጭዋይን ምፍጻም ቅትለትን፡

   – ሓይሊ ብምጥቃም ዘይተወሰነ ማእሰርትን ኩነታት ኣብ ውሽጢ ኣብያተ

    ማእሰርትን

   – ኣገባብ ምግሃስ ሰብእዊ መሰላት ብሽም ሃግራዊ ኣገልግሎት

   – ከምኡውን ኩነታት ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ዝብላ እየን ክብል ኣብሪሁ።

ኣብዚ ትማሊ ምሸት ዝተገብረ ሰሚናር መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ካልኦት ብዛዕባ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝግደሱ ወልቀሰባትን ኤርትራዊያን ማእከላት ዜናን ከምኡውን ማእከላት ዜና ሱዳን ኣዕራብን ተረኺበን ኔረን።እዚ ሪፖርት ኣብ ቃለ መሕተት ምስ ኣብቲ ተሞክሮ ዝነበሩን ናይ ኣህጉራዊያን ስብኣዊ መሰላት ማሕበራት ጸብጻባትን ሓፈሻዊ ሓቅታት ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምርኮስ እዩ ብምባል ኣቶ ያሲን ሓቢሩ።

እዚ ሪፖርት ብክልተ ብቃንቃ ዓረብን፡ እንግሊዝን ተዳልዩ ንኹላቶም ኣብቲ ሰሚናር ዝተረኽቡ ሰባት ተዓዲሉ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2801

Posted by on Nov 16 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net