News

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሽወደን ብኣዳለውቲ ኮንፈረንስ

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ሓው ሑሴን ኸሊፋ ብ3 መጋቢት 2006 ኣብ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን ኣትዩ። ሓው ኢብራሂም ዓብደላ ኣባል ወኪል ተሓኤ ኣብ ሽወደንን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ተሓኤን ኣባል ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፤ ከምኡ ውን፡ ሓው ፍስሃ ናይር፡ ኣባል መሪሕነት ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ሓላፊ ዜናን ፕሮጀክትን ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ኣርላንዳ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ስቶክሆልም ተቐቢሎሞ። ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሽወደን ኣህጕራዊ ሊበራላዊ ማእከል ብምትሕብባር ምስ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን ዘዳለዎ ኮንፈረንስ ንምስታፍ ኢዩ ኣብ ሽወደን ብጽሖት ዝገብር ዘሎ። ሓው ሑሴን ኣብ ዑደቱ፡ ምስ ኣባላት ፓርላማን ሰበስልጣንን መራሕቲ ሰልፍታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሰብኣውያን ማሕበራትን ሽወደንን፤ ከምኡ ውን፡ ምስ ኤርትራውያን ሽወደናውያንን ኣዕሩኽ ኤርትራውያን ክራኸብ ኢዩ። ውጽኢት ኣኼባታት ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት በብእዋኑ ከነስዕበልኩም ኢና። ካብ ኣዳለውቲ ኮንፈረንስ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top