ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሽወደን ብኣዳለውቲ ኮንፈረንስ

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ሓው ሑሴን ኸሊፋ ብ3 መጋቢት 2006 ኣብ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን ኣትዩ። ሓው ኢብራሂም ዓብደላ ኣባል ወኪል ተሓኤ ኣብ ሽወደንን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ተሓኤን ኣባል ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፤ ከምኡ ውን፡ ሓው ፍስሃ ናይር፡ ኣባል መሪሕነት ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ሓላፊ ዜናን ፕሮጀክትን ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ኣርላንዳ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ስቶክሆልም ተቐቢሎሞ። ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሽወደን ኣህጕራዊ ሊበራላዊ ማእከል ብምትሕብባር ምስ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን ዘዳለዎ ኮንፈረንስ ንምስታፍ ኢዩ ኣብ ሽወደን ብጽሖት ዝገብር ዘሎ። ሓው ሑሴን ኣብ ዑደቱ፡ ምስ ኣባላት ፓርላማን ሰበስልጣንን መራሕቲ ሰልፍታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሰብኣውያን ማሕበራትን ሽወደንን፤ ከምኡ ውን፡ ምስ ኤርትራውያን ሽወደናውያንን ኣዕሩኽ ኤርትራውያን ክራኸብ ኢዩ። ውጽኢት ኣኼባታት ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት በብእዋኑ ከነስዕበልኩም ኢና። ካብ ኣዳለውቲ ኮንፈረንስ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3269

Posted by on Mar 7 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net