መግለጺ መዛዘሚ ኣኼባ ፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ ካብ 19 ጥሪ ክሳብ 24 ጥሪ 2006 ኣብ ካርቱም ከካይዶ ዝጸንሐ 4ይ ኣኼቡኡ ዛዚሙ። ፈጻሚት ቤ/ጽሕፈት ኣብቲ ንሽውዓተ ጊዜ ዝገበሮ ርክባት: ኣብ ክሊ መደባት  ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ  ማእከላይ መሪሕነት(ኣብ መስከረም 2005 ዝተሰላሰለ) ኮይኖም ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ቤ/ጽሕፈታት ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ናይ ዝተዓዩ መደባት  ስራሕ ጸብጻባት  ሰሚዑን ገምጊሙን።  ፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት  ዋላ’ኳ ዝተሓላለኸ ጸገማት ኣብ ኣፈጻጽማ  መደባት ኣጋጢሙዎ እንተነበረ እቶም ዝተፈጸሙ ስራሓት ግና ዘዕግቡ ምዃኖም መዚኑ። እቲ ቤ/ጽሕፈት ንገለ ዕንቕፋታት ናይቲ ስራሕ ሪኡን ንዑኡ ዝኸውን ምምሕያሻት ከእቱን ከተዓራርን ወሲኑ። ኣብቲ ኣብ ገለ ቤ/ጽሕፈታት ዝርአ ዘሎ ጉድለታት ኣስተውዒሉን ንምምልኡ ዝምልከት ድማ ውሳነ ኣሕሊፉ። ከምኡ’ውን ህልው ኩነታት ሽግር መነባብሮ ኣብ ሱዳን፣ የመን ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕቱብ ዘትዩ፣ ንዑኡ ንምፍታሕ ኣድላይ ዝኾነ ነገራት ክገብርን ብዝካኣሎ ዓቕሙ ሽግራቶም ንምፍታሕ ክጽዕር ወሲኑ። እቲ ብሰንኪ ድርቂ ኣብ መላእ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ስሜን ደንካልያ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ቁጽሪ ስደተኛታት ቤ/ጽሕፈት ንማሕበረ ስብ ዓለምን ኣህጉራውያን ትካላትን ሓገዛቶም ክልግሱ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

ኣብ መዛዘሚ ዋዕሉኡ እቲ ተሪፉ ዘሎ መደብ ስራሕ ክሳብ ዝመጽእ 3ይ ዋዕላ ማእከላይ መሪነሕት ክፍጽም ወሲኑ።

ፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት  ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ  6ይ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ  ምኽንያት ብምግባር ብህሉው ኩነታት ሃገርና በቲ እናኸፈኤ ዝመጽእ ዘሎ መነባብሮ ህዝብናን ንዑኡ ሓኒቁ ሒዝዎ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቃልዕን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምእንቲ ዲሞክራስን ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላትን ቃልሱ ክድግፉ ንኹሎም ተሳተፍቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ መዘኻኸሪ ዓዲሉ። ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ምኽንያት ብምግባር እዚ ዋዕላ ብዓወት ክዛዘምን ድልየታትን ሕልምታትን ህዝብታት ኣፍሪቃ ዘግህድን: ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጨቆንቲ ፖሊስታት ህዝብታቶም ዘሳቕዩ  ዓመጽትን ኣንጻር ምዕባሊኡ ኮይኖም ዘለዉ ነገራት ኣብዚ ዋዕላ ጠቒሶም ከዕውትዎ: ፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት ደሞክራስያዊ ኪዳን ዘለዎ ተስፋ ኤርትራ ገሊጹ።

ኣብ መጨረሽታ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቅላስን ዲሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስ ንህዝቢ ኤርትራ ዝድግፉ ማሓዙትን ሓገዝቱን ምስጋንኡን ኣኽቡሮቱን ይገልጽ። ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝነብር ህዝብና  ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ንምእላይን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ኣበርቲዑ ቃልሱ ከሐይል ጸዊዑ።

ክብርን ሞጎስን ነቶም ምእንቲ ናጽነትን ዲሞክራስን  ዝተስውኡ:

ምስጋና ንኹሎም ሓርበኛታትን ኣብ ዝተፈላለየ ቤ/ማሕዩር ዘለዉ ኡሱራትን ይኹን።

ፈጻሚ ቢ/ጽሕፈት

ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ

24-ጥሪ 2006 ዓ.ም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3404

Posted by on Jan 24 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net