ጸብጻብ ዕዉት ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ከተማ ሊድስ ምስ መንእሰያት

ብዓርቢ 29/04/2011 ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ከተማ ሊድስ ዕዉት ኣኼባ ምስ መንእሰያትኤርትራውያን ኣካይዱ።

 ኣብ መኽፈቲ እቶም መንእሰያት ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ንምኹናን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ሓዘንን ቀጻሊ ስቓይን ዓለም ቆላሕታ ንኽገብረሉን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያንን ኤውሮጳን ሰላማዊ ሰልፍታትን ንምድላው ንምውህሃድን ምስ ካልኦት ዝነጥፉ ዘለዉ ተሳልጥ ግዝያዊት ሽማግለ ኣቝሞም።

ቀጺሉ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ሃገራዊ ኮሚሽን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጋቢት ዘተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ሰፊሕ ጠቕላላ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ካብ መንጎ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ስርሓት ዝተኻየዱ ዑደታን ርኽክባትን፣ ብዓወት ምድላው ንሃገራዊ ጉባኤ ዝቐርቡ ሰነዳት ብፖለቲካዊ ሽማግለ፣ ኣገባብ ኣሳታትፋ ንጉባኤ ዝሕጸዩ ወከልቲ፣ ኣብ ዜናዊ መዳይ ዝተፈጸሙ ስርሓትን ከም’ውን ብዛዕባ ሃገራዊ ጉባኤ ንምምዋል ብሽማግለ ፋይናንስ ምምሕዳርን ዝቐረበ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ውጥን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ካብኡ ምስ ኮሚሽን ተሓባቢራ ትሰርሕ ሓንቲ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ኮሚሽን ካብ መንጎ ግዝያዊት ኣሳላጢት ሽማግለ መንእሰያት ከተማ ሊድስ ኣቝሞም።

ስዒቡ ናይ ሕቶ መልስን፣ ርእይቶ ለበዋን መድረኽ ተኸፊቱ፣ ኩሉ ዝቐረበ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎ፣ እቲ ዝቐረበ ለበዋታት ‘ውን ኣብ መዝገብ ከም ዝሰፍርን ብመልክዕ ጸብጻብ ናብ ኮሚሽን ከም ዝልኣኽን ኣረጋጊጽሎም። 

ኣብ መደምደምታ፡- ነቲ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓዘን ዘእተወ፡ መጠነ-ሰፊሕ ምጥሓል ናይ ልዕሊ ዳርጋ 330 ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንምዝካር ሽምዓ ኣብሪሆም። ኣብኡ ተረኺቡ መንእሰይ በረኸት ኣብ ዘስመዖ ቃል “ህዝቢ ኤርትራ መረርኡ ከም እንሰምዖን ኣካል ሽግሩ ምዃንናን ንጹር መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ምእንቲ ተራ ምውድዳብ፣ ምትእስሳር፣ ምድግጋፍን ኤርትራውያ መንእሰያት ብደረጃ ከባብያውን ወይ ዞባውን ዓለም-ለኻዊን ክሕይልን ክድንፍዕን ከም ዝግባእ። እዚ ምስ ዝረጋገጽ መንእሰያት መሪሕ ትርኦም ኣብ ምእላይ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣብ ስደት ጥራይ ከይተሓጽረ ኣብ ወሽጢ ኤርትራ ‘ውን ባርዕ ኮይኑ ክልሕም ኢዩ” ኢሉ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4526

Posted by on May 11 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net