ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኮሚሽን ከተማ ሸፊልድ ቆይማ

ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን ንሃገራዊ ጉባኤ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣቶ ሓሚድ ዑመር ኢዛዝ ኣባል ተሓጋጋዚት ኮሚሽን ሎንደንን ተኻይዱ። “ ሎሚ ‘ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ምስ ኩነታትን ምዕባለታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፣ ንጥፈታትን መደባትን ናይ ዝሓለፉን ናይ መጻኢን ሃገራዊ ኮሚሽን ከም ኣጀንዳ ተዘትይሎም።

ኣብ መኽፈቲ መንእሰይ በረኸት ንኣቶ ሓሚድ ኢዛዝ ምስ ተሳተፍቲ ምስ ኣላለዮ፣ ኣቶ ሓሚድ ናብ መድረኽ ወጺኡ ብዛዕባ ኣድላይነት ምክያድ ሃገራዊ ዋዕላን፣ ናይ ዋዕላ ሰፊሕ ጸብጻብን ምስ መንእሰይ በረኸት እናተሓጋገዙ ኣቕሪቦም። ክልቲኦም ምክያድ ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ 2010 ከም ነጥብ መቐይሮ ዓቕሚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክትርአ ትግባእ ኢሎም። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ንዳርጋ ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ወድባትን/ሰልፍታትን ምስ ናይ መብዛሕትኡ ኣካናውናን ማሕበራዊ ቀጸላታትን ሕብረተ- ሰብና ዝተሳተፍዎ እሞ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ተኣፈፍቲ ኣርእስታት ኣልዒሎም ዘትዮም ብኣውንታዊ ውጽኢት ምውጽኦም ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ብምዃኑ።

ኣስዒቡ መንእሰይ በረኸት ምስ ናይ ኮሚሽን ዕማማትን ኣቃውማን መብርሂ ሂቡ። ካብኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጋቢት ዘተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ሰፊሕ ጠቕላላ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ካብ መንጎ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ስርሓት ዝተኻየዱ ዑደታትን ርኽክባትን፣ ብዓወት ምድላው ንሃገራዊ ጉባኤ ዝቐርቡ ሰነዳት ብፖለቲካዊ ሽማግለ፣ ኣገባብ ኣሳታትፋ ንጉባኤ ዝሕጸዩ ወከልቲ፣ ኣብ ዜናዊ መዳይ ዝተፈጸሙ ስርሓትን ከም’ውን ብዛዕባ ሃገራዊ ጉባኤ ንምምዋል ብሽማግለ ፋይናንስ ምምሕዳርን ዝቐረበ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ውጥን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ስዒቡ ናይ ሕቶ መልስን፣ ርእይቶ ለበዋን መድረኽ ተኸፊቱ፣ ኩሉ ዝቐረበ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎ። ገለ ካብ ካብ ዝቐረበ ለበዋ ጽልዋ ህግደፍን ደገፍቱን ኣብ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ንምህሳስን ንምቅላዕን ብዛዕባ ብኣባላት ኮሚሽን ናይ ዝተኻየዱ ርኽክባት ምስ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርዝር ጸብጻብ ክቐርብ ዝብል ኢዩ። ካልእ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኩሉ መዳያት ዜናዊ ጎስጓሳቱን ፕሮፖጋንድኡን ከሐይሎን፣ ዉሁድን ልፍንታውን ፖሎቲካውን ዲፕሎማስያውን ናይ ሓባር ኣካል ከቑውምን ተላብዮም። እቲ ዝቐረበ ለበዋታት ‘ውን ኣብ መዝገብ ከም ዝሰፍርን ብመልክዕ ጸብጻብ ናብ ኮሚሽን ከም ዝልኣኽን ኣረጋጊጸምሎም። 

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ከምቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ዝቖማን ዝቖማ ዘለዋን ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ንሶም ‘ውን ብተመሳሳሊ ተሓጋገዝቲ ሽማግለ ኮሚሽን ብዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ኣቝሞም። 

ኣብ መወዳእታ ነቲ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓዘን ዘእተወ፡ መጠነ-ሰፊሕ ምጥሓል ናይ ልዕሊ ዳርጋ 330 ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንምዝካር ናብ ኣቢፊልድ ፓርክ ብምኻድ ሽምዓ ኣብሪሆም። ኣብኡ ተረኺቡ መንእሰይ በረኸት ኣብ ዘስመዖ ቃል “ ከምቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሰፊሩ ዘሎ፣ ወዲ ሰብ ክቡር ኢዩ። እዞም ጠፊኦም ዘለዉ ዜጋታትና ‘ውን ክቡራት ፍጥረት ኢዮም እሞ፣ ወጽዕኦምን ወጽዓ ስድራቤቶም ወጽዓና ኢዩ። ስለዚ ምስኦም ክንሓዝንን ከነጸናንዖምን እንተክኢልና ‘ውን ነቲ ቀንዲ ጠንቂ እዚ ሞቶም ኮይኑ ዘሎ ናይ ሓባር ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ንምቅላዕን ሞራላዊ፣ ሰብኣውን ሃገራውን ሓላፍነት ኣለና” ኢሉ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4575

Posted by on May 12 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net