ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ 15 ዝኣባላት ህዝባዊ ሽማግለ ተመሪጻ

ኣብ ወፍሪ ዝርከብ ሓሙሽተ ኣባላት ብጾት ብርሃነ የማነ፡ ጃምቦ ወልዳይ፡ ስዒድ እስማዒል፡ ኣልበርቶ ኣርዳዲንን ወ/ሮ ለቱ ዑስማንን ዝሓቆፈ ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ተልእኽኡ ንምፍጻም ጉዕዝኡ  ብምቅጻል ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ብድሕሪ ምብጽሑ፡ ብ11 ግንቦት 2011 መልእኽቲ ኮምሽን ናብ ህዝቢ ብግቡእ ንምብጻሕ ብቋንቋታት ትግርኛን ሳሆን ንዝሰምዑ ብጠቕላላ ልዕሊ 400 ዜጋታት ዘሳተፈ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ክልተ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባታት ምክያዱ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ጸብጻብ ሓቢሩ።

ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብዚ ኣኼባታት’ዚ ኣድላይነት ሃገራዊ ዋዕላን ንምዕዋቱ ዝተኻየደ ከቢድ ጻዕርን ሰፊሕ መብርሂታት ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአን ካብ ሙሉእ ዓለም 330 ኤርትራውያን ዝተሳተፈን ሃገራዊ ዋዕላ ብኣገደስቲ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት፡ ለበዋታትን መጸዋዕታታትን ተጸምቢሉ ብዓወት ምዝዛሙ ኣብሪሁ። ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክካየድ ምውሳኑ ነዚ ዕማም’ዚ ንምድላውን ንምዕዋትን ዝዓዪ 53 ኣባላት ዝሓቖፈ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብምቛም፡ ንጥፈታቱ ከካይድ መምርሒታት ምሃቡን ገለጹ።

ብመሰረት እዚ ውሳኔ’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ኣብ ጽባሕ ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ውሽጣዊ ሕጊ ብምጽዳቕ፡ ካብ ውሽጡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓዘ ፈጻሚ ኣካል ምምራጹን ኣብ ኣርባዕተ ወርሓት ዝዓሞም ዓበይቲ መደባት ሓንጺጹ ምውፋሩን ድማ ገለጹ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ካብ 15 ክሳብ 21 መጋቢት 2011 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ምስልሳሉ፡ ንሕሉፍ መደባት ብዕምቆት ብምግምጋም ከኣ፡ ኣብ ህዝቢ ወሪዶም ዝዝተየሎም ኣርባዕተ ንድፍታት ኣጻፊፉ ንምይይጥ ኣዳልዩ ምህላዉ እቲ ልኡኽ ሓበሩ። ድሕሪ ምይይጥ ንድፍታት ዝካየድ ምርቛሕ ሕጹያት፡ ምስጢራውን ደሞክራስያውን መስርሕ ምርጫ ከምዝካየድ፡ ኣብ መረጻ ዝረኣዩ ጉድለታት ይኹኑ፡ ዝስምዑ ቅሬታታት ብግቡእ ዘጻርን ውሳኔታት ዝህብን ኣካል ቆይሙ ምህላዉ’ውን ኣሚቱ። ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ንድፍታት ሃገራዊ ጉባኤ፡ ከም ዓበይቲ ኣጀንዳታት ሃገር መጠን፡ ኩሉ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ዝግደስ ኤርትራዊ ዜጋ ኣረኣእይኡ ብዘየገድስ፡ ክመያየጥ፡ ክሓትት፡ ክቓወምን መተካእታ ሓሳባት ከቕርብን መሰሉ ሕሉው ምዃኑ ገሊጹ።

ድሕሪ ምይይጥ ንድፍታት ምጥቕላሉ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ንድፍታት ዝተመያየጠ፡ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስታፍ ክሕጸ ይኹን ክሓጺ ከምኡ’ውን ክምረጽን ክመርጽን ሙሉእ መሰል ዝህልዎ፡ ኣብ’ቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዘዳለዎ መዝገብ ስሙ ዘስፍርን፡ ተሳትፎኡ ኣብ ኣኼባታት ብዘይ-ምቁራጽ ከረጋግጽ ድልውነት ዘረጋገጸን ጥራሕ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ። ብተወሳኺ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ እንግድዓ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝተጻዕነ ዓቢ ጾር ምዃኑ ብምምልካት ከኣ፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ማይ ዓይኒ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት፡ ብኩሉ ዓቕምታቶም እጃሞም ከበርክቱ መጸዋዕታ ኣቕረቡ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ብልኡኽ ዝተዋህቦም ሰፊሕ ሓበሬታ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከምዚ ዓይነት መብርሂ ምሃቡ ምስጋና ብድሕሪ ምቕራብ፡ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ኣቕረቡ፡፡ ብልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ድማ ሰፊሕ መብርሂታት ብድሕሪ ምሃብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ጎኒ እቲ ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ደው ብምባል ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኩሉ ዝኸኣሎም ክገብሩ ምዃኖም ኣረጋገጹ። ኣብ መደምደምታ ከኣ ንዓበይቲ መደባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽንን ሃገራዊ ጉባኤን ንምዕዋት፡ ተሳተፍቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ 15 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ኮምሽን ብድሕሪ ምምራጾም ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ መደበር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ ሎሚ 12 ግንቦት 2011 ተመሳሳሊ ኣኼባን ዕማምን ክፍጽም ምዃኑ ብድሕሪ ምሕባር፡ ተመሊሱ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ኮምሽን መደበር ስደተኛታት ሸመልባ ከም ዘቕውምን ኣብ ዩኒቨርስትታት ትግራይ ንዝርኸቡ ተማሃሮ ንምርካብ ጉዕዝኡ ክቅጽል ምዃኑን ኣረዲኡ ኣሎ።

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!!

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን-  ዞባ ኣፍሪቓ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 

12 ግንቦት 2011

www.encdc.com

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4622

Posted by on May 13 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net