ናይ ደገፍ መልእኽቲ፣

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣንጻር ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዘውጽኦ ናይ ደገፍ መልእኽቲ፤

ናይ ሎሚ ዕስራ ዓመት ወርሒ ግንቦት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሓይልታት ገዛእቲ ስዒሩ እፎይ ዝበለላን፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሉ ጽቡቕ ተስፋ ዘንበረላን ወርሒ እያ ነይራ። ኮይኑ ግን ኣብ ልቢ ህግደፋውያን ዝነበረ ሰይጣናዊ ናይ ምልኪ መደብ ኣብ ኣእምሮ ማንም ኤርትራዊ ስለዘይነበረ፡ ዓመት-ዓመት ዶኾን ይሓይሽ እንዳበለ በብቑሩብ ናብ’ዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ክበጽሕ ክኢሉ። ንዘሕለፍናዮ ዕስራ ናይ መከራ ዓመታት ምልስ ኢልና ምስ እንግምግም፡ ህግደፍ ስልጣኑ ንምድልዳል  ዕድሜኡ ንምንዋሕን ዝተጠቐመሎምን ዝጥቀመሎም ዘሎን ሜላታት  ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንጎረባብቲ ሃገራት፣ ንጀጋኑ ደቂ ሃገር፣ ንመራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን…ወዘተ ጸላእቲ ሃገርናን ህዝብናን እዮም ኢሉ ካብ ዘታልል ውሑድ ኣይገበረን። ኮይኑ ግን ነዞም ዝተጠቕሱ ብምትንዃል ከርፋሕ ናብራን ስቅያትን ደኣ እምበር ኣብ ህዝቢ ይኹን ኣብ ሃገር ዘምጽኦ ምዕባለ ኣይተራእየን። ሓደ ሰብ ይኹን ማሕበር ሓደ ግዜ ከታልለካ ዘይካኣል ኣይኮነን፤ መታለሊ ከኣ ትብሎ። ደጋጊሙ ወግሐ-ጸብሐ ከታልለካ ግን እቲ በደል ኣባኻ እዩ ዘሎ ካብ ዝብልዎ ምስላ ተበጊስና ንኹነታትና ምስ እንዕዘብ፡ እቲ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ብታሪኽ ንሕና’ውን ተሓተትቲ ምዃንና የዘኻኽረና።

ዕላማ ናይ’ዚ ሕጂ ተዋዲዱ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ነጻ ተፈጥሮኣዊ ህያብ ዝኾነ ንጹህ ኣየርን ብርሃን ጸሓይን ተነፊጉዎም፡ መሰል እሱር ዘየኽብር ስርዓት ኣብ’ቲ ገለን ብዋዒ ገለን ካኣ ብዛሕሊ ዝምረር ቦታታት ሃገርና ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘሎው ደቂ-ሃገር ከምኡ’ውን መንእሰያትና ከም ኩሎም ኣብ ነጻ ሃገራት ዘሎው መንእሰያት ካብ ሃገሮም ክረኽብዎ  ዝነበሮም ጸጋታት ተሓሪሞም ብኣንጻሩ መእተዊ እምበር መውጽኢ ዘየብሉ ኣብ ናይ ባርነት ስራሕ ተጸሚዶም ንዘሎውን ካብ’ዚ ንምምላጥ ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት ድማ ካብ’ቲ ኣብ ዶብ ዘጓፎም ናይ ምርሻን ሓደጋታት ጀሚርካ ክሳብ’ቲ መጻወቲ በደዊንን ድራር ዓሳ ምዃንን ከብቅዕ፣ ንስርዓት ህግደፍ ይኣኽለካ ኣልግስ! ክንብሎ፣ ንነብስና ከነዘኻኽርን ንህዝቢ ዓለም መረረና ክንነግርን እዩ።

ሎሚ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ቤቱ ምስ ሕልንኡ ዘይመራመርን ንህግደፍ ዘየማርርን የሎን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ብደረጅኡ ጽቡቕ ምጅማር እዩ እኳ እንተተባህለ፡ ኣኻሊ ከም ዘይኮነ ኩልና እንሰማማዓሉ ሓቂ እዩ። ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ዘብቅዕን ህዝብና ዝርህዎን ንመረረናን ተቓውሞናን ካብ ቤትና ሓሊፉ ዓለም ብዘናውጽ መቓልሕ ናብ ቃልዕ ምስ እነውጽኦ እዩ። ኣብ ጎረባብትና ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታት ብመዓቀኒ ሽግር ህዝቢ ክረኣ እንከሎ ዝያዳ ንዓና ንኤርትራውያን ይምልከት። ናዕቢ ኣብ ዝጥዕመካ ቦታ ስለ ዝካየድ ድማ እቶም ኣብ ንመረረኻ ብነጻ እትገልጸሉ ሃገራት እንነብር ኤርትራውያን ክንጅምሮ ግድን ስለ ዝኾነ ንጻዕቂ ስራሕን ጽቕጠት መነባብሮን ሰጊርና ነዚ ተዋዲዱ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ሳቮያ ኢልና ክንዓስሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ዞቦ ሰሜን ኣመሪካ ንምሕጸን።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራያዊ ለውጢ

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

14 ግንቦት 2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4647

Posted by on May 15 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net