News

ኣገዳሲ ርኽክብ ምስ መንግስታዊ ትካላት ፈረንሳ

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፋላለየ ሃገራት ኤዉሮጳ ክግበር ዝጸንሐ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ርኽክባት፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ኣብ ከተማ ፓሪስ ምስ መንግስታዊ ትካላት ፈረንሳ ኣገዳሲ ርኽክብ ኣካይዱ።

ዶር. ዩሱፍ፡ ብዕለት 09/03/2012 ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሚንስትሪ Quai d’Orsai (ministry of Foreign Affaires) ስዒቡ ድማ ኣብ ኢሊዘ Elyséê( Presidency of the Republic) ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይ ክልቲኡ ትካልት ተራኺቡ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ሃናጺ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብ’ቲ ዝተካየደ ዝርርብ፡ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ህልዊ ስርዓት፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ኣሰቃቒ ህይወትን፡ካብ’ዚ ንምግልጋል ድማ ብተቓውሞ ደንበ ዝካየድ ዘሎ ኩሉመዳያዊ ቃልስታትን ስፊሕ መግለጺ ቀሪቡ። ብተወሳኺ ናይ’ዚ፡ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊኑ ዘሎ ፖለኢትካዊ ኩነታት ንምምዛን፡ ክልቲኡ ሸነኻት ርእይቶን ሓሳባትን ተለዋዊጡ። ኣብ መደምደምታ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ፈረንሳይ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ ስርዓት ንምትካል ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝብና ፍትሓዊ ቃልሲ ደገፎም ንከበርክቱ ዘማሕጽን መዘከር ኣቕሪቡ።

ናይ ክልቲኡ ሸነኻት ርኽክባት ንምምዕባል ሰናይ ድልየት ናይ ክልትኡ ወገናት ምዃኑ ከኣ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝነብረሉ ግዜ፡ ብጉዳይ ሃገርን ዉጽኢት ሃገራዊ ጉባኤን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ምስ ሬድዮ ኤረና ከም‘ዚ ዘካየደ እቲ ዝመጻንና ዜና ብተዋሳኺ ሓቢሩ። 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ

encdceu@yahoo.com

22/03/2012

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top