ዕዉት ባህላዊ ምሸት ንዝኽሪ ኣቦ ስውኣት ኣብ ሎንደን

ሸክ ጀማል ዓብድልቃድር ከቢረ ወዲ ኣቦ ስውኣት ሸኽ ዓብድልቃድር ከቢረን ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ዝተረኽብዎ፡ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ብምኽንያት መበል 65 ዝኽሪ መቕተልቲ ኣቦ ስውኣት ሸኽ ዓብድልቃድር ከቢረ፡ ብሰንበት 1 ሚያዝያ ዕውት ባህላዊ ምሸት ኣካይዱ።  መጀመሪያ፡ ኣቦ ወንበር ማሕበር ከቢረ ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ኣኸበኛታት ምስጋና ኣቕሪቡ።

ኣተሓሒዙ፡ ሓው ዓብዱ ዓብደላ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ድሕሪ ምሃብ ሸኽ ጀማል ከቢረ ካብ ተዘክሮታት ወላዲኦም ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ከብሎ ዝኽእል ክብርን ካልኦት ብልጫን ኣለ” ነዚ ክብርን ብልጫን ድማ ክዕቅቦ ኣዘኻኺሮም። ኣስዒቡ፡ እቲ ወናም ደራፋይ ተጋዳላይ ሑሴን መሓመድ ዓሊ በቲ ሳውራዊ መዝሙራቱ ነቲ ምሸት ፍሉይ ድመቀት ሂብዋ ኣመስዩ።

 

ቀጺሉ፡ እቲ ኩሉ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበረ ብዶክቶር ሙስጠፋ መሓመድ ዑስማን ኣሕመድ “ጀበርትነትን ብድሆታቱን ኣብ ኤርትራ ዝብል ኣርእስቲ”  ብናይ መራኸቢ ቡዙሓን ስካይብ ) Skype ) ኣስተምህሮ ሂቡ።  ዶክቶር ሙስጠፋ ኣብ ኣስተምህርኡ ካብ ምእታው እስልምና ኣብ ኤርትራ ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተራእዩ ምዕባሌታት ገሊጹ።

ብድሕሪኡ፡ ሓው ኢብራሂም ሓምድ ካቡቺ፡ ሸኽ ዓብድልቃድር ከቢረን መቓልስቲ ብጾቱን ብንጹር ዕላማ ሓድነቶም አደልዲሎም ፖለቲካውን ሰላማውን ቃልሲ ዘካየድዎ መድረኻት ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ንጹርነት ዕላማ ሎሚ ቦኺሩ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ።  ኣብ መንጎ ፡ እቲ ማሕበር ብሓፈሻ ንስደተኛታት ብፍላይ ድማ ንልዕሊ 120 ዘኽታማት ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ከምኡውን ንአኸበኛታት ዘባራብሩ ዝተፈላለዩ ግጥምታትን ሰውራዊ መዝሙራትን ሓሓሊፎም ነቲ መደብ ፍሉይ ድምቀት ሂቡዎ ኣምሲዩ።  ኣብ ሽወደን እውን ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ምስ ማሕበር ጀበርቲ ጨንፍር ሽውድን ብምትሕብባር ተመሳሳሊ ዕዉት መደብ ከም ዘሕለፉ በዚ ኣጋጣም ክንሕብር ንፈቱ።

 

ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ

02.04.2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6847

Posted by on Apr 5 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net