መግለጺ ብዛዕባ መጻኢ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ዋሽንግቶን ዲሲ


ኩልና ከም እንፈልጦን አቐዲሙ ከምዝተሓበረን አብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ካብ ዕለት 25 ክሳብ 27 ግንቦት 2012 ዓ.ም ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኮንፈረንስ አብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ክቃናዕ እዩ። እዚ ሓያል ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ኮንፈረንስ መንእሰያት ቡዙሕ ንጥፈታት ዝሓቖፈ ኮይኑ ሓደ ካብ መደባቱ ንስርዓት ህግደፍ ዝኹንን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ’ዩ። እቲ ሓደ ምኽንያት ንከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ከም ኣእንጋዲት ኮንፈረንስ ንኽትከውን ዝተመርጸትሉ ምኽንያት እቲ እንኮ ሕጋዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ኤምባሲ አብኡ ስለዝርከብ እቶም ናብቲ ኮንፈረንስ ዝውሕዙ ደለይቲ ፍትሒ ናብኡ ከይዶም አብቲ ስርዓት ዘለዎም ተቓውሞ ንዓለም ንኸስምዑ ተባሂሉ እዩ።
ነቲ ድሒርና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ማለት ዓለምለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ አንጻር ስርዓት ህግደፍ አብ ከባቢ 24 ግንቦት ንኽግበር ብማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ሃገረ ግብጺ (‘May 24th Movement for Change’ from Cairo, Egypt) ንዝተገብረ ጻውዒት ብምድጋፍ ናቱ አካል ኮይና ንኽንሰርሕ ፍቓድና ንገልጽ። አብዚ ጊዜ’ዚ ሃገር ናይ ምድሓን ህጹጽ ነጋሪት አብ ዝውቀዓሉ ዘሎ እዋን ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ህግደፍ አብ ዝግበረሉ ህሞት መን አበጊስዎ ወይ’ውን በዓል መን እዮም ዘወሃህድዎ ዘለው ዝብሉ ሕቶታት ምቕዳም፣ አብ ክንዲ ነቲ ናይ ሓባር ስራሕ፡ ናብ ዝና ዝጠመቱ አተሓሳስባታት ካብ አእምሮ ኩላትና ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ክውገኑ ይግባእ። ደጊም ዝኾነ ይኹን ተበግሶ አንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ዝውንኖ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ዓወት ናይቲ ድኻም ድማ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክንጸር ይግባእ።
እዚ ምስ እንገብር አብ ነንሕድሕድና ምውድዳር ገዲፍና አጆኹም አጆና እናተበሃሃልና እቶም ዝነአስና ነቶም ዝዓበዩ አቦታትና፡ አዴታትና፡ አያታትናን ዓበይቲ አሓትና ተቓለስቲ አኽቢርና ምስቶም መሳቱና ድማ ብስኒትን ምትሕልላይን ምስ እንጉዓዝ ህግደፍ አብ አዝዩ ዝሓጸረ ግዜ ነበረያ ነበረ ከምዝኸውን ጥርጥር የብልናን። ስርዓት ህግደፍ አብ ጻዕረ ሞት አብ ዘለወሉ እዋን ናትና ዘይምስናይን ዘይምክብባርን ጠንቂ መናውሒ ዕድሚኡ ክኸውን ከነፍቅድ የብልናን።
እምበአርከስ ንሕና ኤርትራውያን ናብቲ ኮንፈረንስ ካብ ኩሉ ኩርንዓት አብ ዋሽንግቶን እንእከብ አሕዋትኩም ደቅኹም ንስርዓት ህግደፍ አብ ቅርዓቱ መጺና ሃገርና ግደፈልና ስልጣንካ ነቲ ወናኒ ዕጭኡ ህዝቢ ኤርትራ አረክብ ክንብሎ ተዳሊና አለና እሞ፡ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብፍላይ አብ ከባቢ ዋሽንግቶን ዲሲ፣ ቨርጂንያ፣ ሜሪ ላንድ፣ አለክሳንድርያ፣ ባልቲሞር ወዘተ ዘለኹም አባላት ፖለቲካውያን ውድባት ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን አብዚ ናይ 25 ግንቦት 2012 ዓ.ም እንገብሮ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓባር ንኸነዕውቶ ጻውዒትና ነቕርብ።
ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ መርአያ ናይ ዕውት መሰሉ ዝፈልጥ ህዝቢ አምበር ናይ ወደብቱ ዓወት ዘይምዃኑ ብሩህ ኮይኑ፤ የግዳስ ሓያል አወዳድባና ነቲ እንደልዮ ሸቶ ንምርካቡ ዕዙዝ ተራ ክጻወት ስለዝኽእል ነዚ ናይ ኩልና ሓላፍነት ንምዕዋቱ ምስ ኩለን ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ክንሰርሕ ምዃንና ምስ ናይ አኽብሮቱ ንሕብር።
ንዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ብ info@eysc.net ተወከሱና ወይ’ውን አብ www.eysc.net ተኸታተሉ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!
አወሃሃዲት ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ዋሽንግቶን ዲሲ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6878

Posted by on Apr 11 2012 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net