መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን ምዕባለታቱን

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነቲ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቕንያት ፡ ኣብ ሕማም ዲክታቶር ኢሰያስ ኣተዂሩ ዝተፈነወ ተገራጫዊ ዜናታትን ዝሰዓበ ኩነታትን ብመንገዲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ይከታሎ እኳ እንተሃለወ ፡ ሰልፊና ካብ’ቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞን ጽፈት መደባቱን ዘለዎ ተገዳስነት ብምብጋስን ፡ ንህዝቢ ንምርግጋእን  ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፍ።  

1. ዕላማ ገድሊናን ፖለቲካዊ ናይ ለውጢ ቃልሲና ኣብ ሞት ወይ ሕየት ናይ ዲክታቶር ዝምርኮስ ስለዘይኮነ ፡ ኣብ ኤርትራ ሱር ነቀል ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ፡ዲክታቶርን እቲ ንሱ ዝመርሖን ስርዓት ካብ ሱሩ ተማሕዩ ፡ ኣምሳይኡ ንህዝቢ መሰሉ ኣኽቢሩ ኣብ ጉዳዩ ባዕሉ ወሳኒ ዝገብር ስርዓት ንምትኻል ይኸውን ።

2. እቲ ዘጓነፈ ኩነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን ዲክታቶር ኢሰያስን ንዘለዎ ጽልኢ ዘጉልሐ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ፡ ንኹሉ ደላይ ለውጢን ሰላምን ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ውን ከይተረፈ ናይ ሕልና እፎይታ ዝፈጥረ እዩ ነይሩ።

3. ስርዓት ህግደፍ ማዕረ ክንደይ ካብ ህዝቢ ተነጺሉ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ኩነት እኳ እንተነበረ ፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህሞት እናሃለወ፡ ካብ ህሉው ኩነታት ብምብጋስ ነቲ ከም መተካእታ ክመጽእ ዝኽእል ስርዓትን ብቕዓቱን  ኣመልኪቱ ክሻቐል ኣብ ዝተራእየሉ፡ ገለ ናይ ተቓውሞ ሓይሊታት ፡ ሕድሪ ስዉኣት ንምትግባር  ሓድነት ህዝቢን ሃገርን ክሕልዋ ምዃነን ዝሕብር መግለጺ ምውጽአን ንህዝቢ ርግኣት ዝፈጠረ ኣዉታዊ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።   

4. እቲ ዘጓነፈ ኩነት ፡ ኣብ ውሽጢን ደገን ዝነብር ህዝቢና ኣብ ለውጢ ዘለዎ ድልየት ሓደ ምዃኑ ዘብረሀ እዩ ነይሩ ። እዚ ውን ንዓና ከም ኣካል ተቓውሞ መጠን ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘሰክም ብምዃኑ ፡ ኩሉ ሓይልና ብምእካብ ነዚ ተፈጢሩ ዘሉ ኩነት ኣብ ጥቅምና ፡ ጥቕሚ ህዝቢ ንምውዓል ሓቢርና ክንሰርሕን ፡ ነዚ ንህዝቢና እንትርፎ ሁከትን መከራን ፡ ኣቕሲንዎን ሰላም ሂብዎን ዘይፈልጥ ስርዓት፡ ንምጥፋእ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘዘኻኽረ ኩነት እዩ ነይሩ ።

5. ነዚ ተኸስቱ ዘሎ ኩነት ፡ ረብሓ ህዝብና ብዘረጋግጽን ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሌና ኣንቢርዎ ዘሎ እምነት ብዘዕዝዝን ኣገባብ  ፡ ነቲ ተስፋ ህዝቢና ኮይኑ ዘሎ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ፡ መደባቱ ንምዕዋትን ፡ ብኹሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራን ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረስብን ሕጋዊን ቅቡልን ንምግባሩን ፡ ኩላትና ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንርከብ ሓይሊታት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን መሳርዕና ከነደልድል ጻውዒትና ነቕርብ። 

6. ኩለን ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ዝርከባ ናይ ፖለቲካ ሓይሊታት ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክጽንበራን ፡ በቲ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐ ደምቢታቱ ተቐይደን  መደባቱ ንምዕዋትን፡ ድልየት ህዝቢ ንምምላእን ፡ ዝከኣለን ተራ ክጻወታ  ጻውዒትና ነቅርብ።

7. ኩለን ወተሃደራዊ ክንፊ ዝውንና ውድባት ፡ ኣብ ሞንጎኤንን ኣብ ሞንጎ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶን ፡ ንህዝቢ እምነትን እፎይታን ብዝፈጥርን፡ ንተንኮላት ህግደፍ ዕድል ብዘይህብን ኣገባብ ምውህሃድ ክገብራ ንጽውዕ።

8. ምክልኻል ሓይሊታት ኤርትራ ፡ ሕመረት ዕላማኦም ንረብሓ ህዝቢ ምቕዳም ክንዲዝኾነ ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ንህዝቢ ዝጭቁኑ ዘለዉ ናይ ህግደፍ ሓለፍቲ ምሕላው ፡ ሕድሪ ስዉኣት ከኽብሩን ነቲ በቲ ስርዓት ዝግፋዕ ዘሎ ህዝቦም ክከላኸሉሉን ሰነድ ክኾኑዎን ኣንጻር እቲ ስርዓት ምልዕዓል ክገብሩን ንጽውዕ ። 

9 ኩለን ጎረባብቲ ሃገራትን ፡ ትካላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰባትን ፡ ደለይቲ ሰላምን ፍትሒን  ደሞክራሲን ዝኾና ሃገራትን ፡  ኣብ ጎኒ’ቲ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ሓሳረ መከራ ዘሕልፍ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን ደው ክብላን፡ ነቲ ተስፋ ህዝቢ ኮይኑ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ደገፈን ከበርክታን እንጸዋዕና፡ ስርዓት ህግደፍ ናይ ምእላይን  ኣብ ኤርትራ ሰላምን ቕሳነትን ናይ ምስፋንን ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ነረጋግጽ።

 

ክብሪን ሞጎሰን ንህዝቢና

ዓወት ንደሞክራስያዊን ፍትሓዊን ቃልሲና

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

10/5/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7030

Posted by on May 14 2012 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net