ጸዋዒት ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ውልቀ መላኺ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራሲያውን ፍትሕን፣

ምስ ኩለን ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ሓደ ዓቢን ኣድማዕን ሰላማዊ ሰልፊ ንጅምዓት 25.ግንቦት.2012 ኣብ ኣፍደገ ኢምባሲ ስርዓት ህግደፍ ለንዶን ክግበር መዲብና ኣለና።
እቲ ኣብ መላእ ዓለም ተበታቲኑ ዘሎ ህዝብና በዛ ዕለት እዚኣ ሓደ ናይ ሓባር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ሙዃኑ እንዳ ሓበርና፣ ንሕና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንርከብ ኤርትራውያን ዜጋታት እውን
ኣብዛ ዝተጠቕሰት ዕለት፣ ኣብ ከተማ ለንዶን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ሳዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ 5, ድሕሪ ቅትሪ ኣዳሊና ኣለና።
ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ኣርባዓታት ዓመታታ ምእንቲ ስትራተጅካውን መሰረታውን ሃገራዊ ዕላማ ጽኑዕ ሓድነቱ ኣርእዩ እዩ፣ ንሕና ውን ነዚ ዕለት እዚ ዕውት ንምግባር ኣብ ሞንጎና ዘሎ ናይ ኣታሓሳስባ፣ ሃይማኖት፣ትውልዲ ወዘተ ፍልልያትና ንጎድኒ ገዲፍና ኣንጻር ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መጋባርያታቱን፣ ብሓባር ስመር መንእሰይ መሓውር ህግደፍ ክስብር ንበል።
ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ህዝብና ንዓመታት ዝኣክል ሃገራውን ሰባእውን ክብሩ ተጋሂሱ ክነብር ደጊም ስለዘይነፍቅድ፣ ይእክል ንበል ህዝብና ካብ ስቅያት ክድሕን።
– ህግደፍ ዓድና ግደፍ፣ ንበል
– ሳዓት ኣኺላ እያ ኢሳያስ ሃገርና ግደፍ፣ ንበል
– ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ፣ ንበል
– ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ፣ ንበል
– እምቢ ንባርነት፣ ንበል
– እወ ንናጽነት እወ ንሓርነት፣ ንበል።
ዓወት ንጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣
ውድቀት ንውልቀ መላኺ፣

In front of embassy building
Embassy of Eritrea
96 white lion St.
London N1 9OF

Asafaw Ghebrekidan 07903752797
Jmal Fetwi 07947775838
Fouad Amer 07944893881

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7066

Posted by on May 19 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net