ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጊሰን Giessen ንዕለት 07.07.2012

ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኤርትራ ዘውርድዎ ዘለዉ ጭካኔ ዝመልኦ ተግባራት ቅጭጭ ከይበሎም ንተጎሰስቲ ሰዓብቶም፡ ብሐሶት ፕሮፖጋንዳ ልቦም ሰሊቦም፡ ንዕለት 7 ሓምለ 2012 ኣብ ናይ ዕብዳን ዳንኬራ ከላህይዎም ኣብ ጊሰን ሜሰ ሄሰን ኣደራሽ ተኻርዮም፡ ናይ ሓሳር ዕድመ ዘርጊሖም ኣሎዉ::

በንጻሩ ኤርትራውያን ካብ መላእ ጀርመን ስዊጸርላንድን ሆላንድን ወዘተ… ከምኡውን ግዱሳት ጀርመናውያንን ኣባላት ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ገለ ሰበስልጣንን ናይ ዜና ማዕከናትን ምሳና ሓቢሮም ኪቃወሙ ኪውዕሉ ኢዮም።

ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ሰላማዊ ሰልፍና ብትሕዝቶኡን ዓይነቱን ኣካይዳኡን ቅጥዒ ሓልዩ ኪሰላሰል ተስፋ እናገበርና ንዕለት 07.07.2012 ሰዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ምውዳብ ክጅምር ምዃኑ ነፍልጥ።

እንራኸበሉ ቦታ ከም ቀደምና ኣብ ጥቓ መሰ ጊሰን ኣብ ሽላኽትሆፍ ስትራሰ (Schlachthofstraße, 35398 Gießen, Deutschland)

ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ
በርገሳውያንን ፖለቲካውያንን ውድባት ኤርትራ ኣብ ጀርመን

,

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7268

Posted by on Jun 30 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net