ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ጅዳ ጨንፈራዊ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ጅዳ ጨንፈራዊ ጉባኤኡ ኣብ ዕለት 21/5/2012 ኣካይዱ ፡  እቲ  ብተሳታፍነት ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ስርዒት ዝተኻየደ ጉባኤ ፡ ኣብ መጀመርያ ንኹሉ ንጥፈታት ናይ ጨንፈር ንምግምጋም ዝኣክል ፡ ናይ ዝሓለፈ 2 ዓመት ጸብጻብ ካብ ሓለፍቲ ናይ ጨንፈር ብምስማዕ ፡ ጉባኤኛታት ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ፡ ነቲ ድኹም ጎኒታት ንምእላይን ነቲ ሓያል ጎኒታቱ ድማ ዝያዳ ንምሕያልን ዝዓለመ ክትዓት ድሕሪ ምክያድ ፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመት ዘገልግል መደብ ዕዮ ሓንጺጾም።

ብምቕጻል እቶም ጉባኤኛታት ፡ ኣብ ምድላዋት ናይ’ቲ ኣብ ዝምጽእ ቐረባ ግዜ ክግበር ተወጢኑ ዘሉ 2ይ ሰልፋዊ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምይይጥ ድሕሪ ምግባር ፡ ንምዕዋቱ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ።

ኣብ መጨረሻ ናይቲ ጉባኤ ፡ ጉባኤኛታት  ንጨንፈር ጅዳ እትመርሕ ሓዳስ መሪሕነት ብምምራጽ ናይ ጨንፈር ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም ። ቀጺሎም ነታ ዝተመርጸት መሪሕነት ዮሃና ብምባል ፡ ነቲ ኣብዝባኖም ዝስከምዎ ዘለዉ ሓላፍነት ብግቡእ ክሰርሑሉን ፡ ምስ መደባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተሳንዮም ንምዕዋቱ ኣዉንታዊ ተራ ክጻወቱ ተማሕጺኖም ።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና 25/5/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7300

Posted by on Jul 7 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net