News

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ጅዳ ጨንፈራዊ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ጅዳ ጨንፈራዊ ጉባኤኡ ኣብ ዕለት 21/5/2012 ኣካይዱ ፡  እቲ  ብተሳታፍነት ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ስርዒት ዝተኻየደ ጉባኤ ፡ ኣብ መጀመርያ ንኹሉ ንጥፈታት ናይ ጨንፈር ንምግምጋም ዝኣክል ፡ ናይ ዝሓለፈ 2 ዓመት ጸብጻብ ካብ ሓለፍቲ ናይ ጨንፈር ብምስማዕ ፡ ጉባኤኛታት ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ፡ ነቲ ድኹም ጎኒታት ንምእላይን ነቲ ሓያል ጎኒታቱ ድማ ዝያዳ ንምሕያልን ዝዓለመ ክትዓት ድሕሪ ምክያድ ፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመት ዘገልግል መደብ ዕዮ ሓንጺጾም።

ብምቕጻል እቶም ጉባኤኛታት ፡ ኣብ ምድላዋት ናይ’ቲ ኣብ ዝምጽእ ቐረባ ግዜ ክግበር ተወጢኑ ዘሉ 2ይ ሰልፋዊ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምይይጥ ድሕሪ ምግባር ፡ ንምዕዋቱ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ።

ኣብ መጨረሻ ናይቲ ጉባኤ ፡ ጉባኤኛታት  ንጨንፈር ጅዳ እትመርሕ ሓዳስ መሪሕነት ብምምራጽ ናይ ጨንፈር ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም ። ቀጺሎም ነታ ዝተመርጸት መሪሕነት ዮሃና ብምባል ፡ ነቲ ኣብዝባኖም ዝስከምዎ ዘለዉ ሓላፍነት ብግቡእ ክሰርሑሉን ፡ ምስ መደባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተሳንዮም ንምዕዋቱ ኣዉንታዊ ተራ ክጻወቱ ተማሕጺኖም ።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና 25/5/2012

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top