“ስምረት ኣብ ኩሉ መንእሰይ ክህሉ ኣለዎ”

መምህር ኣማኑኤል ሳህለ

  

እቶም  200 ዝዀኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣከቡ ኤርትራውያን  መንእሰያት፡ ሎሚ ሰንበት ኣኼብኦም ቀጺሎም ዊዒሎም። ተሳተፍቲ ባዕላቶም ካብ ዘመንጨውዎ ዛዕባታት ሓንቲ ብምውሳድ፡ ንሎሚ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ደቂቕ ገምጋም ኣካይዶም።

እቶም ኣብ 6 ጉጅለታት ዝተኸፋፈሉ መንእሰያት፡ ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ፡ ፐለቲካዊን ሰብኣዊን ኩነታት፡ ከምኡ’ውን ኤርትራ ምስ ዓለምን ጐረባብቲ ሃገራትን ዘለዋ ርክባት ብዝምልከት ብደቂቕ፡ ክዛተዩን ክካትዑን ውዒሎም ኣለዉ።

 

ኣካየድቲ ኣኼባ ሳምሶን ግርማይ፡ ዶር በረኸት ብርሃነ፡ ካልድ ዓብዱን ሓናእ ሲዒድ

ገለ ተሳተፍቲ፡ ነቲ ብቛንቛታት ትግርኛን ዓረብን ካካየድ ዝወዓለ ዘተ፡ ናይ ምጽውዋር ባህሊ ንኸማዕብሉ፡ ብዛዕባ ሃገሮም ኣብ ኩሉ ጽላታት ሃገሮም ዘለዎም ፍልጠት ዘስፍሕሉን ዘዕምቑሉን መድረኽ ምዃኑ ገሊጾም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ፡ ኣብ ስዊድን ዝምቕማጡ፡ መምህርን ጸሓፍን ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ኣብ’ቲ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ኣብ ኩነትት ኤርትራ ምርኵስ ብምግባር ንመንእሰያት ሓጺር ምኽሪ ኣቕሪቡ።

ጸሓፊ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ባእሲ፡ ቅርሕንቲ ጽልእን ፍልልይን ናይ ምፍጣር ሓያል ተኽእሎ ከምዘልዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብፋላይ ከኣ መንእሰር ንኸይሰምር ዘለዎ ብድሆን መፍትሒኡን ዘርዚሩ። “ሕሉፍ ስሚዒታውነት፡ ወገናውነት፡ ኣውራጃውነት፡ ከነልግስ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ ክንድኡ ሰፊሕን ተባዕን ኣእምሮ፡ ንኻልኦት ተቐበልቲ፡ ኣሳታፍቲ ወይ ጸንበርቲ ክንከውን ኣለና።” ኢሉ።

ኣቶ ኣማኑኤል፡ ንፖለቲካውን ቁጠባዊን ሃገርና ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ ኣብ 50 ታት፡ ካብ ዝነበረቶ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቓ ከምዘላ ክልተ ኣብነታት ኣቕሪቡ። “ ኣብ 50 ታት ኣብ ኣፍሪቃ ዘይነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነይረን። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኤርትራ  ብትካል (ኢንዱስትሪ) ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ  ዝማዕበለት ሃገር ትበሃል ነይራ።”  ድማ ኢሉ። ንሱ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት ኤለክትሪክን ማይን ካልእን ይሳቐ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

 ሓንቲ ስድራቤት እንተ ፈሪሳ ኩሉ ማሕበረ-ኣቃውማ ሕብረተሰብ ከምዝፈርስ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣማኑኤል፡ “ሓንቲ ስድራቤት እንተ ፈሪሳ፡ ኩሉ’ቲ ካልእ ይፈርስ። እቲ ባህሊን ልምድን ከይተሰጋገረ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ደረጃ ይበጽሕ”። ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ፡ ነታ ሃገር ተባሂሉ’ምበር ንስድራቤት ከም ዘይኰነ እዚ ከኣ እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ናይ ፋሽዝም ስነሓሳብ ዘመንጨዎ ባህርያት ምዃኑ ኣረዲኡ፡ ኣቶ ኣማኑኤል።

ንሱ፡ መንእሰያት ብኸመይ ዓቕምታቶም ከወሃህዱ ከምዘለዎ ክምዕድ ከሎ ከኣ፡ “ስምረት ኣብ ኩሉ መንእሰይ ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ወጻኢ (ዲያስፖራ) ዘሎ፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ፡ ኣብ’ቲ ዶባት ዘሎ፡ ከም’ዚ ድልድል ኰይኑ ንውሽጢ ክኣቱ ኣለዎ።” ኢሉ ንሱ ብተወሳኺ፡ ዕላማና ሽትኡ ክወቅዕ እንተ ኰይኑ እዚ ስምረት’ዚ ብትኩርነት ክሳብ ውሽጢ ኤርትራ ክበጽሕ ኣለዎ ድማ ኢሉ።

መምህር ኣማኑኤል ሳህለ፡ ነቲ ብተዓዛብነት ዝሳተፎ ዘሎ ኣኼባ መንእሰያት ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ። “ሰባት ነዚ ኣኼባ ከመይ ረኺብካዮ ኢሎም ሓቲተሙኒ። ኣነ ጽቡቕ ረኺበዮ ኢለዮም። ምናልባት ከም መምህር መጠን ክንደይ ምሃብካዮ እንተዝብሉኒ ነይሮም፡ ኣነ 90 ካብ ሚእቲ ረኺበዮ ምስበልክዎም ነይረ።” ክብል መደርኡ ዛዚሙ እቲ ዓርኪ መንእሰያት ኣማኑኤል ሳህለ።

እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ፡ ትማሊ ብዝተመርጹ ሓናእ ሲዒድ፡ ዶር በረኸት ብርሃነ፡ ሳምሶን ግርማይን ካልድ ዓብዱን ብጽቡቕ ክምራሕን ክወሃሃድን ከምዝወዓለ እቶም ተሳተፍቲ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ዝቕጽል ብኻልእ ትሕዝቶ የራኽበና

ቴድሮስ መንግስቱ

ኢትዮጵያ

07/08/12

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7305

Posted by on Jul 9 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net